ድለ

2022.08.09 Videomessaggio Papa diocesi missione di solidarietà della parrocchia di Nostra Signora dell'Assunzione in Argentina 2022.08.09 Videomessaggio Papa diocesi missione di solidarietà della parrocchia di Nostra Signora dell'Assunzione in Argentina 

ተልእኮ ማለት ዝበለጸ ኣብርክቶ ንክትገብር ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብታ ቅድሚ ር.ሊ.ጳ ምዃኖም ሊቀጳጳሳ ዝነበሩ ሃገረ ኣርጀንቲና ቊምስና ቅድስት እመቤትና ዘፍልሠታ ነቶም ኣብ ጎቦታት ዶብ ቦሊቭያን ፓርግዋይን ዝነብሩ ዊቺ ዝበሃሉ ደቂኣባት ናይ ደገፍ ተልእኮ ንምግባር ዝተበገሱ ናይ ምስጋናን ምትብባዕን መልእኽቲ ርእየት ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብታ ተልእኮ ልኡኽ እተስምዕ ሚስዮናዊ እትብል ቃል ኣተኲሮም ‘ናብ ተልእኮ ምውፋር ሚስዮናዊ ምዃን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ካብቲ ኣሎና እንብሎ ዝበለጸን ዝሓሸን እንበርክተሉን እግዚአብሔር ንዓና ዝልግሰልና ዝበለጸ ተውህቦን እዩ! እዚኣ እታ ዝበለጸት እያ’ እንክብሉ ብቋንቋ ኣዲኦምን ቋንቋ ኣደ ሰማዕቶምን ዝኾነ ቋንቋ እስፓኒሽ ንተሳተፍቲ ናይቲ ተልእኮ ማለት ተልእኮ ደገፍ ቊምስና እመቤትና ዘፍልሠታ ሰበኻ ርዮ ኳርቶ ሃገረ ኣርጀንቲና ጽሒፎም።

ሕልምታት ብሓባር እዮም ዝቆሙ!

እዚ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ተልእኮ ደገፍ ካብታ ቊምስና ብዝተዋጽኡ 30 ዝኾኑ መንእሰያትን ዓበይትን ዝግበር ኰይኑ ከም መሪሕ ቃል ዝተኣንገብዎ ከኣ እታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኰይኑ ከም መብርሂ ከኣ ‘ሕልምታት ብሓባር እዮም ዝቆሙ’ ትብል ሓረግ እያ። ቀንዲ ዕላማኦም ነቶም ኣብ ጎቦታት ዶብ ቦሊቭያን ፓርግዋይን ዝነብሩ ዊቺ ዝበሃሉ ደቂኣባት እንክኸውን እቲ መደብ ንባዕሉ ኣብ ሰበኻ ኦራን ብዝርከበ ሳልታ ብዝበሃሉ ደቂ ኣባትን ነበርቲ ምብራቅ ቪክቶርያን ብምትሕብባር ኣባ ማርያኖ ኮርደይሮ ዝተወደበ እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ካህንስ ይኹን ንኩሎም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ሰላምታን ቡራኬን ምስጋናን ከምዚ ክብሉ ኣቅሪቦም።

“ስለ እቲ ዝገበርክምዎ ኩሉ እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብል ኣመስግነኩም! ስለ እዚ ሥራሕ እዚ ብዙሕ እንከመስግነኩም ንቅድሚ ገስግሱ እብለኩም። ልኡኻት ኩኑ! ኣነ ኣብ ጸሎተይ ከምዝሓስበኩም አረጋግጸልኩም። ስለይ ጸልዩ እንክብሉ ሓደራ ኢሎምዎም።”

ኣብ መንጎ እቶም ሥጋ ኢየሱስ ዘመልክቱ ድኻታት!

እቲ ተልእኮ ዝፍጸመሉ ቦታ ኣብ ጎቦታት ዶብ ቦሊቭያን ፓርግዋይን ዝነብሩ ዊቺ ዝበሃሉ ደቂኣባት ብዓጸቦ ጥሜትን ብጽምኢ ማይን ስእነት ሕክምናን ዝሳቀ ዘሎ ክፍሊ ሕዝቢ ኰይኑ እንታይ እንታይ ከምዝገበሩ ናይዚ መደብ ሃንዳሲ ኣባ ማርያኖ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ክንበጽሖም ከድና! ብዙሕ ጥምቀትን መሥዋዕተ ቅዳሴን በዓላትን ንስድራቤታት እናኣሰናን ምስ ሕጻናት እናተዘናግዕናን ቃል ኣምላኽ ሰቢኽና ተመኲሮ ሕይወትና እምነትናን ምሳኣቶም ተኻፊልና። እዚ ከኣ ብባህሊ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝኾነ ደቂኣባት ከም እንህብትም ገሩና። ናብቶም ናይ ድኻታት ድኻታት ዝተገብረ ጒዕዞ ርክብከስ ፋይዳኡ ኢ እዩ። ኣብዞም ሰባት እዚኦም ሥጋ ክርስቶስ ክንትንክፍ ክኢልና። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ በዳሂ ድኽነት ብሓቂ ዘቊስልን ዓቅሚ ከምዘብልካን ዝገብር ድኽነት ኢየሱስ ጠሚቱና ብገጽታ እዞም ኣሕዋት ገቢሩ ኸኣ ክምስታኡ ገሊጹልና ኢሎም።”

ልቢ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝሃርመሉ!

ኣባ ማርያኖ ብድሕሪ ንዝገብርዎ እንክገልጹ ‘ሃረርታና ምስዘን መበቆላውያን ደቂኣባት ማሕበራት ዕርክነትና ክነዕቢ ናይ ብሓቂ ብጾት ክንከውን እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ ሓሙሽተ ሺህ ኪሎሜትር ብምጉዓዝ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ዘለውዎ ሻውላትስ ይኹን ጎቦታት ኣብቲ ልቢ መንግሥቲ ኣምላኽ ዚሃርመሉ ቦታ ኣብቲ መንግሥቲ ኢየሱስ መንግሥቲ ድኻታት መንግሥቲ ንኡሳን ዝሃርመሉ ልቢ ንበጽሖም’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 August 2022, 12:55