ተልእኮ ማለት ዝበለጸ ኣብርክቶ ንክትገብር ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውጻእ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብታ ተልእኮ ልኡኽ እተስምዕ ሚስዮናዊ እትብል ቃል ኣተኲሮም ‘ናብ ተልእኮ ምውፋር ሚስዮናዊ ምዃን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ካብቲ ኣሎና እንብሎ ዝበለጸን ዝሓሸን እንበርክተሉን እግዚአብሔር ንዓና ዝልግሰልና ዝበለጸ ተውህቦን እዩ! እዚኣ እታ ዝበለጸት እያ’ እንክብሉ ብቋንቋ ኣዲኦምን ቋንቋ ኣደ ሰማዕቶምን ዝኾነ ቋንቋ እስፓኒሽ ንተሳተፍቲ ናይቲ ተልእኮ ማለት ተልእኮ ደገፍ ቊምስና እመቤትና ዘፍልሠታ ሰበኻ ርዮ ኳርቶ ሃገረ ኣርጀንቲና ጽሒፎም።
ሕልምታት ብሓባር እዮም ዝቆሙ!
እዚ ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ ተልእኮ ደገፍ ካብታ ቊምስና ብዝተዋጽኡ 30 ዝኾኑ መንእሰያትን ዓበይትን ዝግበር ኰይኑ ከም መሪሕ ቃል ዝተኣንገብዎ ከኣ እታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ኰይኑ ከም መብርሂ ከኣ ‘ሕልምታት ብሓባር እዮም ዝቆሙ’ ትብል ሓረግ እያ። ቀንዲ ዕላማኦም ነቶም ኣብ ጎቦታት ዶብ ቦሊቭያን ፓርግዋይን ዝነብሩ ዊቺ ዝበሃሉ ደቂኣባት እንክኸውን እቲ መደብ ንባዕሉ ኣብ ሰበኻ ኦራን ብዝርከበ ሳልታ ብዝበሃሉ ደቂ ኣባትን ነበርቲ ምብራቅ ቪክቶርያን ብምትሕብባር ኣባ ማርያኖ ኮርደይሮ ዝተወደበ እዩ። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቲ ካህንስ ይኹን ንኩሎም ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ ሰላምታን ቡራኬን ምስጋናን ከምዚ ክብሉ ኣቅሪቦም።
ኣብ መንጎ እቶም ሥጋ ኢየሱስ ዘመልክቱ ድኻታት!
እቲ ተልእኮ ዝፍጸመሉ ቦታ ኣብ ጎቦታት ዶብ ቦሊቭያን ፓርግዋይን ዝነብሩ ዊቺ ዝበሃሉ ደቂኣባት ብዓጸቦ ጥሜትን ብጽምኢ ማይን ስእነት ሕክምናን ዝሳቀ ዘሎ ክፍሊ ሕዝቢ ኰይኑ እንታይ እንታይ ከምዝገበሩ ናይዚ መደብ ሃንዳሲ ኣባ ማርያኖ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።
ልቢ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝሃርመሉ!
ኣባ ማርያኖ ብድሕሪ ንዝገብርዎ እንክገልጹ ‘ሃረርታና ምስዘን መበቆላውያን ደቂኣባት ማሕበራት ዕርክነትና ክነዕቢ ናይ ብሓቂ ብጾት ክንከውን እዩ። ምኽንያቱ ልዕሊ ሓሙሽተ ሺህ ኪሎሜትር ብምጉዓዝ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ኣብ ዘለውዎ ሻውላትስ ይኹን ጎቦታት ኣብቲ ልቢ መንግሥቲ ኣምላኽ ዚሃርመሉ ቦታ ኣብቲ መንግሥቲ ኢየሱስ መንግሥቲ ድኻታት መንግሥቲ ንኡሳን ዝሃርመሉ ልቢ ንበጽሖም’ ኢሎም።