ድለ

US-6-DEAD-AFTER-SHOOTING-AT-FOURTH-OF-JULY-PARADE-IN-CHICAGO-SUB US-6-DEAD-AFTER-SHOOTING-AT-FOURTH-OF-JULY-PARADE-IN-CHICAGO-SUB  (2022 Getty Images)

ኣብ ቺካጎ ሕይወት ሰብ ይከበር! ትርጉም ኣልቦ ተዂሲ ደው ይበል! ር.ሊ.ጳ

ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 4 ሓምለ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ በዓል ናጽነቶም ኣብ ዘኽብሩሉ ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣድራጋ ብምትኳስ ብዙሕ ጒድኣት ስለዘውረደ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮ ንግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ዝብል ተለግራም እንክልእኹ ‘ንለውጢ ኣልባብን ውግዘት ዝኾነ ዓመጽን’ ክግበር ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቺካጎ ኣብ ዝበሃል ከተማ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዓመታዊ ክብረ በዓል ነጻነቶም ንከብዕሉ ኣብ ሃይላንድ ፓርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለው ሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ዓይኒብለይ ስኒብለይ ናብቲ እኩብ ሕዝቢ ብዝገብሮ ተዂሲ ብዙሓት ግዳያት ስለዝኾነ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትርጉም ኣልቦ ሕልና ኣልቦ ተዂሲ ቢሎም ብምግላጽ ንግዳያት መንፈሳዊ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ገሊጾም።

እቲ ተለግራም ናብ ሊቀ ጳጳሳት ናይታ ከተማ ብፁዕ ካርዲናል ብለዝ ኩፑች ብክታም ዋና ጸሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ከምዝተላእከ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ግዳያት ናይ ሓደጋ ሽድሽተ ሙታትን 31 ቊሱላትን ከምዝኾነ እንክምልከት ቅዱስነቶም ስለዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ዝሞቱ ምጽንናዕ ቤተሰቦምን ምሕዋይ ቊሱላትን ከምዝጽልዩ ገሊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ካብ መኣስ ክሳብ መኣስ ከምዚ ኢልካ ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ንምምላስ ‘ጽኑዕ እምነት ሃልዩካ ጸጋ እግዚአብሔር ዋላ ነቲ ከም ከውሒ ዝተረረ ኣልባብ እውን ክልውጥ ከምዝኽእል ኣሚንካ ከምቲ መዝ 34.14 ካብ ሕማቅ ረሓቅ ሰናይ ነገር ግበር ቢሉ ዝምሕጸኖ ኣነው እውን ነፍስወከፍ ኣባል ማሕበረሰብኩም ንዓመጽ ብኩሉ መልክዑ ክኹንንን ልባቶም ክልወጥን እጽሊ ኣሎኹ` እንክብሉ ብሓዋርያዊ ቡራኬ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 July 2022, 14:33