ኣማኒ ዘበለ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ዝርከብ ኰይኑ ኩነታት እናተዓዘበ ንዝሳቀ ዝርሕርሕ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃ 10.25 ኰይኑ ‘እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሢኡ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር? በሎ። ንሱ ኸዓ ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተጽሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ? በሎ። ንሱ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኃይልኻን ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ንብጻይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ ጽቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ በሎ። ንሱ ግና ንርእሱ ኽመጻደቕ ደልዩ ብጻየይከ መን እዩ?በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞኣብ መንጎ ሕይወትን ሞትን ኃዲጐምዎ ኸዱ። ሓደ ኻህን በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ።ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ። ሓደ ኃላፍ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መጸ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ። ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን ኣብ ቊስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ ናብ መኅደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። ንጽባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ ነቲ ሓላው መኅደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ ኻብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዂሉ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ› በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ካብ ሠለስቲኦም ብጻይ ዝኾኖ መን ይመስለካ? ንሱ ድማ እቲ ሠናይ ዝገበረሉ በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ እምበኣር ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበር በሎ።’ ዝብል ነበረ።
ነዚ ታሪኽ እዚ ኩልና ከም እንፈልጦ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ንሎሚ ኣብ ኣተና እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንምልከት እሞ ኣብነቱ ክንክተል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ሽሕ’ኳ ዝጐዓዝ ኣርሒቁ ክጥምትን ኪሓስብን እንተለዎ ኣብ ጒዕዞ ዝርከብ ኣማኒ ግን የማነ ጸጋሙ ክርኢ ኣለዎ። ቀዳሞት ክርስትያን ሓዋርያት ተጓዓዝቲ ናይ መንገዲ ኣርድእቲ እዩ ነሩ ሽሞም፣ እዚ ንዓና ንግዕዛውያን ሓዲስ ኣይኮነን፣ እቲ ሓዋርያ ዝብል ስም ካብ ሖረ ዝብል ዓንቀጽ ዝተወስደ ኰይኑ እዚ ተጐዓዚ ማለት እዩ። ቅዱስነቶም እምበር ምስዚ ኣብ ምሳሌ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ መገሻ ዝነበረ ሕያዋይ ሳምራዊ ምስ ኣመንቲ ከምዝመሳሰል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ክንዮ ገዛእ ርእስኻኣ ተጓዒዝካ ምኽኣል!
ቅዱስነቶም ናብ ትሕዝቶ እቲ ምሳሌ ምልስ ይብሉ እሞ ነዚ ክፍሊ ወንጌል እንክነንብብ ወይውን እንክንሰምዖ ተቀዳዲምና እንገብራ ኢድና ምውጥዋጥ ነቶም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኰይኖም ዝሓለፉ ምኹናን እዩ፣ እንተኾነ ንሕና ከም ሓቀኛታት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንግብሮ ዘሎ መንፈሳዊ ልምምድ ካልእ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ መሃሩ።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ካብ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ እንመሃሮ ንጽጉም ንዝሳቀ ክንቀርቦ ክንትንክፎ እምበር ብማዕዶ ምጽዋት ብምድርባይ ከይከውን ሃደራ ብማለት በዚ ንምግባር ኣብ ጒዕዞ ዘለው ኣርድእቲ ማለት ሓዋርያት ክንከውን ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።