ድለ

ኣማኒ ዘበለ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት ዝርከብ ኰይኑ ኩነታት እናተዓዘበ ንዝሳቀ ዝርሕርሕ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለወንጌል ዝቀረበ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ንኩልና ኣመንቲ ከምዝምልከትን እንኣምን ዘበልና ገያሾ ምዃናን ኣስተውዒልና የማነ ጸጋምና ብምቊማት ንዝሳቀዩ ክነጸናንዕን ጽጉማት ክንረድእን ‘ኦ ጐይታ ነቲ ንብጾትና ክንገብሮ ዝግበኣና ጉዳያት ሸለል ካብ ምባል ሰውረና’ ኢልና ንማህለል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንዕለቱ ዘቅረበቶ ወንጌል ሉቃ 10.25 ኰይኑ ‘እንሆ ኸዓ ሓደ ምሁር ሕጊ ኽፍትኖ ተሢኡ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ ክገብር? በሎ።  ንሱ ኸዓ ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ተጽሒፉ ኣሎ? እንታይከ ተንብብ? በሎ።  ንሱ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኃይልኻን ብምሉእ ሓሳብካን ኣፍቅሮ ንብጻይካ ድማ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ ጽቡቕ መሊስካ፤ ከምኡ ግበር እሞ ብሕይወት ክትነብር ኢኻ በሎ። ንሱ ግና ንርእሱ ኽመጻደቕ ደልዩ ብጻየይከ መን እዩ?በሎ። ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በለ፦ ሓደ ሰብኣይ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኢያሪኮ ኽወርድ እንተሎ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ንሳቶም ገፈፍዎን ቀጥቀጥዎን እሞኣብ መንጎ ሕይወትን ሞትን ኃዲጐምዎ ኸዱ። ሓደ ኻህን በታ መንገዲ እቲኣ ኽወርድ እንተሎ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ።ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ በጽሐ ርእዩ ዘወር ኢሉ ኃለፈ።  ሓደ ኃላፍ መንገዲ ሳምራዊ ግና ናብኡ መጸ፤ ምስ ረአዮ ድማ ራህርሀሉ። ናብኡ ቐሪቡውን ዘይትን ወይንን ኣብ ቊስልታቱ ኣፍሲሱ ኣሰረሉ፤ ኣብ ኣድጉ ፅዒኑ ድማ ናብ መኅደር ኣጋይሽ ወሲዱ ተኸናኸኖ። ንጽባሒቱ ድማ ኽልተ ዲናር ኣውፂኡ ነቲ ሓላው መኅደሪ ኣጋይሽ ሃቦ እሞ በዝ ገንዘብ እዙይ ተኸናኸኖ፤ ንእኡ ኢልካ ኻብዙይ ንላዕሊ እተውፅኦ ዂሉ ምስ ተመለስኩ ክኸፍለካ እየ› በሎ። ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐ ካብ ሠለስቲኦም ብጻይ ዝኾኖ መን ይመስለካ? ንሱ ድማ እቲ ሠናይ ዝገበረሉ በሎ፤ ኢየሱስ ከዓ እምበኣር ኪድ ንስኻውን ከምኡ ግበር በሎ።’ ዝብል ነበረ።

ነዚ ታሪኽ እዚ ኩልና ከም እንፈልጦ ዝገልጹ ቅዱስነቶም ንሎሚ ኣብ ኣተና እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክንምልከት እሞ ኣብነቱ ክንክተል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ቅድሚ ዝኣገረ እዚ ሰብ እዚ ሽሕ’ኳ ንነዊሕ መገሻ ይጐዓዝ እንተነበረ ኣዕይንቱ ግን ኣብቲ ከባቢኡ ዘሎ ነገራት የቋምታ ነበራ ኣስተውዒለን ከኣ ይጥምታ። ከም ገሊኦም ኣብ ጉዳይ መገሻኡን ዋኒኑን ጥሒሉ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣይዕጾን። እንተ እቲ ካህንን እቲ ወገነ ክህነት ዝኾነ ሌዋውን ዳርጋ ነቲ ጽጉም ከምዘይረኣይዎ ኰይኖም ይሓልፉ! ወይውን ርእዮም ከምዘይረኣዩ ሕቈኦም ይህቡ፣ እዚ ክፍሊ ወንጌልከስ ርኢኻ ምርኣይ ይምህር፣ ነፍስወከፍና ናይቲ ዘለዎ ህልው ኩነታት ንምርዳእ መምርሒ ይህበና! ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ነቲ ዓፊኑ ሒዙና ዘሎ ኣብ ገዛእ ርእስና ምትኳርን እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ዝብል መምርሒታትን ክንሰግሮ ከምዘሎና ዝነግረና። ካብ ህልው ኩነታት ክንሃድም እንቅርቦም ናይ ብዙሓት ኣመንቲ ዶግማታት ኣለውና፣ ስለዚ ክንዮ ገዛእ ርእስና ምስጋር ክንመሃር ኣሎና።”

ሽሕ’ኳ ዝጐዓዝ ኣርሒቁ ክጥምትን ኪሓስብን እንተለዎ ኣብ ጒዕዞ ዝርከብ ኣማኒ ግን የማነ ጸጋሙ ክርኢ ኣለዎ። ቀዳሞት ክርስትያን ሓዋርያት ተጓዓዝቲ ናይ መንገዲ ኣርድእቲ እዩ ነሩ ሽሞም፣ እዚ ንዓና ንግዕዛውያን ሓዲስ ኣይኮነን፣ እቲ ሓዋርያ ዝብል ስም ካብ ሖረ ዝብል ዓንቀጽ ዝተወስደ ኰይኑ እዚ ተጐዓዚ ማለት እዩ። ቅዱስነቶም እምበር ምስዚ ኣብ ምሳሌ ቀሪቡ ዘሎ ኣብ መገሻ ዝነበረ ሕያዋይ ሳምራዊ ምስ ኣመንቲ ከምዝመሳሰል ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣማናይ ዘቦኡ ብብዙህ መንገዲ ነዚ ሳምራዊ ይመሳሰል! ከምቲ ሳምራዊ ኣብ ጒዕዞ እዩ ዝርከብ! ወትሩ ኣብ መገሻ! ኣብ መወዳእታኡ ዝበጽሐ ኰይኑ ዘይስምዖ ዕለት ዕለት ነቲ ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን እየ ዝበለ ኢየሱስ እናሰዓበ ዝጐዓዝ መንገደኛ፣ ረድኢ ክርስቶስ ከስ ንኣኡ እናሰዓበ ይጐዓዝ በዚ ከኣ ረድኢ ጒዕዞ ሓዋርያ ይኸውን፣ ናይ ኰፍ ሰብ ኣይኮነን ወትሩ ደድሕሪ ጐይታ እናተጓዕዘ ኣብ ጐዳናታት ሕሙማት የሕዊ ነዚ ከኣ ኣብ ቊሾታትን ከተማታትን እናተማለለሰ እዩ ዝገብሮ ኢሎም።”

ክንዮ ገዛእ ርእስኻኣ ተጓዒዝካ ምኽኣል!

ቅዱስነቶም ናብ ትሕዝቶ እቲ ምሳሌ ምልስ ይብሉ እሞ ነዚ ክፍሊ ወንጌል እንክነንብብ ወይውን እንክንሰምዖ ተቀዳዲምና እንገብራ ኢድና ምውጥዋጥ ነቶም ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኰይኖም ዝሓለፉ ምኹናን እዩ፣ እንተኾነ ንሕና ከም ሓቀኛታት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንግብሮ ዘሎ መንፈሳዊ ልምምድ ካልእ ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ መሃሩ።

“ርግጽ እዩ ኣብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና ሕልናና እንክንፍትሽ ንሕና እውን ብሸለልትነት ዝሓለፍናዮ ጉዳያትን ዝመሃዝናዮ ምኽኒታትን ክዝከረና እዩ፣ እንተኾነ ኣባኡ ደው ክብንል የብልና። ጌና ክንፈልጥ እኳ ግድን እንተኾነ ንጐይታ ካብዚ መንፈስ ሸለልትነትን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል ዝንባሌና ከናግፈና እሞ ኣብ ጒዕዞ ክንጽመድ ንለምኖ። ንነገራት ርኢና ክንክእል እሞ ክንርሕርህ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ኦ ጐይታ ኣነ ርእየ ክኽእል ከምቲ ንስኻ ንኣይ ርኢኻ እትርሕራሓለይ ኣነ ከኣ ርእየ ክኽእል እሞ ክርሕርሕ ጸጋኻ ሃበኒ ቢልና ንለምን። ንሎሚ ክተዕርግዋ ዝምሕጸነኩም ጸሎትከስ እዚኣ እያ ከምቲ ጐይታ ርእዩ ዝርሕራሓልና ንሕና እውን ኣብ ጒዕዞና እንረኽቦም ምናዳ ዝሳቀዩን ጽጉማትን ርኢናዮም ክንክእል ክንቀርቦም ነቲ ክንገብረሎም እንኽእል እናገበርና ክንድግፎም ጐይታ ይሓግዘና ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ካብ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ እንመሃሮ ንጽጉም ንዝሳቀ ክንቀርቦ ክንትንክፎ እምበር ብማዕዶ ምጽዋት ብምድርባይ ከይከውን ሃደራ ብማለት በዚ ንምግባር ኣብ ጒዕዞ ዘለው ኣርድእቲ ማለት ሓዋርያት ክንከውን ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 July 2022, 16:49

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >