ድለ

SRI LANKA-POLITICS-ECONOMY-UNREST-PROTEST SRI LANKA-POLITICS-ECONOMY-UNREST-PROTEST 

ገዓር ድኻታት ሸለል ኣይንበሎ! ጻውዒት ር.ሊ.ጳ ስለ ሃገረ ስሪላንካ

ሰንበት ዕለት 10 ሓምለ 2022 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ስቃይ ሕዝቢ ስሪላንካ ብምዝካር ነቲ ብፖሎቲካውን ቊጠባውን ቅልውላው ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ዘስምዖ ገዓር ጽን ቢሎም ክሰምዕዎ ምስ ጳጳሳት ናይቲ ሃገር ኮይኖም ምሕጽንታኦምን ጻውዒቶምን ከምዘመሓላልፉን ስቃይ እቲ ሕዝቢ ከምዝሳተፉን ምእንታኦም ከምዝጽልዩን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኤስያዊት ሃገር ሃገረ ስሪላንካ ኣብዚ ቅንያት እዚ ብሕሰም ናብራ ዝተማረረ ሕዝቢ ንቤተመንሥቲ ብምኽባብ ፍታሕ ይረኸብ ክብሉ ነቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ዘሳቅዮም ሳዕቤን ፖሎቲካውን ቊጠባውን ቅልውላው ክናገፉ ኣብ ዘስምዕዎ ገዓር ንዝወረዶም ኣደራዕን ስቃይን ቅዱስነቶም እውን ተኻፋሊ ስቃይ ሕዝቢ ስሪላንካ ምዃኖምን ብጸሎት ከምዘስንይዎምን ኣብ ርእሲ ምግላጽ ንግዓር ድኻታት ሸለል ኣይንበል ዝብል ሓያል ጻውዒት ከምዚ ክብሉ ኣመሓላሊፎም።

“ምስ ጳጳሳት ናይታ ሃገር ኮይነ ንሰላም ዝቀርብ ጻውዒተይ አቅርብ። ነቶም ሥልጣን ሕዝቢ ሒዞም ንዘለው ከኣ ገዓር ድኻታት ሸለል ከይብሉን ጸገም ሕዝቦም ከይዝንግዑን እምሕጸን ኢሎም።”

ኣብ ዜናታት ክንከታተሎ ከምዝቀነና ናይቲ ሃገር ቊጠባውን ፖሎቲካውን ቅልውላው ዳርጋ ንፕረሲደንት እታ ሃገር ጎታባያ ራጃፓስካ ካብ ሥልጣኑ ንክወርድ ዝደፋፈአ ይመስል። ትማል ቀዳም ኣፈ ጉባኤ ፓርላመንት እታ ሃገር ከምዝገለጾ ፕረሲደንት ራጃፓስካ ድሕሪ ጽባሕ ዕለት 13 ሓምለ 2022 ዓም ሥልጣኖም ብወለንታኦም ናይ ምሕዳግ ሓሳብ ኣለዎም ኢሎም ነሮም። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ምሉእ ሕዝቢ እቲ ሃገር ብኩሉ ኣማሪሩ ንቤተመንግሥት ኣብ ዝኸበአሉን ዕግርግር ብምልዓል ንመንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ከተማ ኮሎምቦ ብሓዊ ምስ ኣቃጸልዎን እንክኾን ቀንዲ ምኽንያት መብራህትን ንመነባብሮ ዝኸውን መሠረታዊ ነገራት ብምስኣንን ናህሪ ዕዳጋን ምዃኑ ተመልኪቱ።

እቲ ዕግርግርን ሰላምዊ ሰልፍን ገና ይቅጽል ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታት ኣብቲ ሰባቢሮም ዚኣተውዎ ናብራ ቅንጦት ዝንበረሉ ቤተመንግሥት ላዕልን ታሕትን እናበሉ ‘መራሕትና ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ምቾት ዝመልኦ ገዛውቲ እናነበሩ ዜጋታቶም ዘሕልፍዎ ስቃይ ከመይ ገቢሮም ክርድእዎ’ እናበሉ ይዛረቡ።

73 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረሲደንት ራጃፓስካ እቶም ሰልፈኛታት ናብ ቤተመንግሥቲ ደፊኦም ኪኣትው ምስ ረኣየ ብሓገዝን ሓለዋን ወታሃደራት ብዳሕረዋይ ማዕጾ ናይቲ ቤተመንግሥቲ ከምዝሃደመን ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ደብባዊ ማያት ናይታ ደሴት ከምዘሎን ይግለጽ።

እዛ 22 ሚልዮን ዝኸውን ነባሪ ዘለዋ ሃገር ብ2019 ንራጃፓስካ መሪጻ መንግሥቲ ምስ ኣቆመት ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበራ ድኽነት ለበዳ ኮቪድ 19 ስለዝተሓወሶ ናብራ ኩሉ ኣንቈልቊሉ ቊጠባ ጥዋዕዋዕ ኢሉ ዕዳ ኣብ ርእሳ ዕዳ ብምዃን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት 70% ንታሕቲ ብምንቊልቋል ኩሉ ኣገልግሎታት ዓዲ ውዒሉ። ካብ ኩሉ ኩነታት ጥዕና ዘስግእ ብምዃኑ ሊቀ ጳጳሳት ኮሎምቦ ብፁዕ ካርዲናል ማልኮም ራንጂት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነታ ሃገር ዝኸውን ሕክምናዊ ረድኤት ብህጹጽ ክግበር ጻውዒት ኣቅሪቦም። ቅድስት መንበር እውን ክትሕግዞም ተማሕጺኖም።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 July 2022, 16:23