ድለ

LIBYA-RELIGION-ADHA LIBYA-RELIGION-ADHA 

ኣብ ሃገረ ሊብያ ናብ ዘተን ዕርቅን ዘብጽሕ ፍታሕ ክርከብ እምሕጸን! ር.ሊ.ጳ

ኣተና መላእ ዓለም ኣብ ውግእ ሩስያን ኡክራይናን ኣቅሊብሉ ኣብ ዘሎ ብዙሕ ዘይዝረበሎም ግን ከኣ ሰፍ ብዘይብል ማሕበራውን ቊጠባውን ጸገማት ዝተሃኽ ዘሎ ሕዝቢ ሊቢያ ምናዳ መንእሰያት ንቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከምዘሻቀሎምን ሃሞምን ቀልቦምን ኣባኦም ከምዝኾነን ብምግላጽ ናብ ዘተን ምሉእ ዕርቅን ዘብጽሕ መፍትሒ ክርከብ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ሃገረ ሊብያ ብዝተፈላለያ ምኽንያታት ካብ ኢድ ኣእታውነት ካልኦት ጀሚርካ ኣብ ውሽጦም ብዘሎ ምክፍፋል ለይትን መዓልትን ዕግርግርን ቅልውላው ካብ ምእንጋድን ከየዕረፍት ዓመታት ኣቊጺራ። ቅዱስነቶም ስቃይ ሕዝባ ምናዳ እቲ ዕድመኡ ብከንቱ ዚሓርር ዘሎ መንእሰይ ከምዘሻቀሎም ሰንበት ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነዚ ዚዕብ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

“ንሕዝቢ ሊብያ ፍሉይ ሻቅሎተይ ክገልጽ እደሊ! ምናዳ ኸኣ ኣደዳ ናይቲ ሃገር ማሕበራውን ቊጠባውን ሰፍ ዘይብል ጸገማት ኮይኖም ዘለው መንእሰያትን በዚ ዝሳቀዩን ኩሎም እዝክር። ብደገፍ ዓለምሓቆፍ ማሕበረሰብ ናብ ሓናጺ ዘተን ሃገራዊ ዕርቅን ዘብጽሑ ኣእመንቲ መፍትሒታት ሃሰስ ንኩሎም እላቦ ኢሎም።”

ፕረሲደንት ፓርላመንት ሊብያ ዓቂላ ሳሊሕ ነቲ ብፕረሲደንት ዓብደል ሓሚድ ጀይባሕ ንሃገራዊ ሓድነት ዝቆመ መንግሥቲ ብምውቃስ ውሳጣውያን ተቊዋት ብናይ ወጻኢ ጒጅለታት እናተደገፋ ተጻይ ፓርላመንት ዝነዝሓኦ ዘለዋ መርዛም ኣተሓሳባ ንፖሎቲካ እታ ሃገር ዓኒዱ ኣገልግሎታት ከምዝዓኑ ይገብሩ ኣለው ኢሎም። ዝሓለፈ ባሕቲ ሓምለ ኣብ ምብራቃዊ ከተማ ጦብሩቅ ንዝርከብ ኣደራሽ ፓርላመንቲ ከምዝዕነው እንክምልከት ኣብ ካልኦት ቀንዲ ከተማታት ሊብያ እውን ሰላማዊ ሰልፍታትን ጐነጽን እናተጓሃሃረ ይኸይድ ኣሎ። ቀንዲ ምኽንያት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንዕለታት ምቊራጹ ናብራ ብምንቊልቋሉ እዩ ይብሉ። ካብቲ ሰልፈኛታት ዘቅርብዎ ጭርሖታት ፖሎቲከኛታት ሊብያ ንሃገሮም ከምዝኸሓዱን ሃብታት ሕዝቢ ከምዝምዙን ዝገልጽ ነበረ።

ነቲ ኣብ ትሪፖሊ ተኸርዲኑ ንዘሎ መንግሥቲ ብምቊዋም ብፓርላመንት ሊብያ ዝተመርጸ መራሔ መንግሥት ክኸውን ዝተሾም ፋትሂ ባሻጋ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ኪኣቱ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ተቋዋሚ መራሒ ሊብያ እየ ዝብል ሲርተ ኣብ ትበሃል ከተማ ከባቢ 450 ኪሎሜትር ምብራቅ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ኰይኑ እዩ ነዚ ዚብል ዘሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!
11 July 2022, 16:55