ድለ

UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR UKRAINE-RUSSIA-CONFLICT-WAR 

ጐይታ ውግእ ኡክራይና ደው ዝብለሉ መንገዲ ይሓብረና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ እውን ከይተሓለሉ እቲ ኣዋርሕ ዘቊጸረን ገና ቈጺርካ ዘይውዳእ ጥፍኣት ሕይወት ደቂሰባትን ዕንወት ሃገርን ዘስዕብ ዘሎ ዕለት ዕለት ብዋጋ ሕይወት ሓፋሽ ሕዝቢ ዝኽፈል ጭካኔ ዝመልኦ መጥቃዕታት ዘውርድ ዘሎ ውግእ ኡክራይና ደው ዝብለሉ መንገዲ ጐይታ ክህብ ጸሎቶም ምዃኑ ገሊጾም ሃሞምን ቀልቦምን ምስዚ ዝሳቀ ሕዝቢ ምዃኑ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ከምቲ ደጋጊሞም ውግእ ኣይለመድ እንክብሉ ሓደራ ዝብልዎ ቅዱስነቶም ትማል ሰንበት እውን ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ነቲ ጨካን ባርባራዊ መጥቃዕቲ ዝበልዎ ኣብ ሃገረ ኡክራይና ዚካየድ ዘሎ ውግእ ዋጋ ዝኸፍል ሓመድ ሓፍሽ ምዃኑ ብምዝኽኻር ካብ ንሰብ ምምሕጻን ንጐይታ ምልማን ይሓይሽ ብዘስምዕ ቃና ምስቲ ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ ኡክራይና ብመንፈስ ጸሎት ቅርበቶም ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ነቲ ዕለት ዕለት ብዘስካሕክሕ መጥቃዕታት ዝሳቀን ዝርዕድን ዘሎ ሕዝቢ ኡክራያና ቅርበተይ ሎሚ እንደገና አሓድስ። ስለ ኩሎም ስድራቤታት እጽሊ ኣሎኹ፣ ብፍላይ ስለ እቶም ግዳያትን ቊሱላትን ውጉኣትን ሕሙማትን ስለ ሽማግለታትን ስለ ሕጻናትን እጽሊ ኣሎኹ። ናይዚ ጽሉል ውግእ እዚ መወዳእታ ዝግበረሉ መንገዲ እግዚአብሔር ንክገልጸልና እምህለል ኣሎኹ ኢሎም።”

ማዕከናት ዜና መላእ ዓለም ከምዝገልጽዎ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝገደደ ህልቂትን ዕንወትን ይወርድ ኣሎ። በዓል ብዙሕ ደርቢ ርሻናት ብኣልማማ ክድብደብን ሬሳታት ካብ ፍርስራስ ፍሒርካ ምውጻእ ሓደ ክልተ ውጻእ መዓት ምስ ብዙሕ መቊሰልቲ ካብ ፍርስራስ ኲዒትካ ምውጻእ ዕለታዊ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ። ጐይታ የቅልሎ ዘብል እዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 July 2022, 16:37