ድለ

ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ መሊላን ተክሳስን ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ መሊላን ተክሳስን ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. በቲ ኣብ መሊላን ተክሳስን ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ ተክካስን መሊላን ዝነብሩ ስደተይናታት ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻሜ ምስ ሰማዕኵ ኣዚየ ጓሀዅ፡ ምእንቲ እዞም ዝሓሸ ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ዝነበሮም እሞ ዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓባር ንጸሊ። እዚ ሕማቕ ነገራት እዚ ደጊም ምእንቲ ከይፍጸም ከኣ ጐይታ ንልብና ይኽፈተልና!”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስፐይን ግዝኣት ኣብ ዝኾነት ከተማ መሊላን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዞባ ተክሳስ ዘጋጠመ ክልተ ዘሕዝን ፍጻሜታት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፥ ምእንጢ እቶም ግዳያት ጸሎቶምን ነቶም ፍቱዋቶም ዝሰኣኑ ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 28 ሰነ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም

ኣቢሎም፥“ብዛዕባ እቲ ኣብ ተክካስን መሊላን ዝነብሩ ስደተይናታት ዘጋጠመ ዜሕዝን ፍጻሜ ምስ ሰማዕኵ ኣዚየ ጓሀዅ፡ ምእንቲ እዞም ዝሓሸ ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ዝነበሮም እሞ ዝሞቱ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሓባር ንጸሊ። እዚ ሕማቕ ነገራት እዚ ደጊም ምእንቲ ከይፍጸም ከኣ ጐይታ ንልብና ይኽፈተልና!” ዝብል መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት

ንሰብኣዊ ክብሪ ምንጻርን ምኽባርን፥ ኣብታ ብሸነኽ ምብራቕ ዶብ ሞሮኮ እትርከብ ከተማ መሊላ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 24 ሰነ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ካብቶም ኣስታት 1500 ኣፍሪቃውያን ስደተይናታት ናብታ ስፓኒያዊት ከተማ ንምእታው ዝፈተኑ ብውሕዱ 23 ሰባት ከም ዝሞቱ ክንገር እንከሎ፡ መንግስቲ ኣልጀሪያ ናይ ሃገረ ሞሮኮ ሓይሊ ጸጥታ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ምጥባቕ ግደ ኣለዎ እንክብል ይኸስስ ከም ዘሎን እዚ ስደተይናታት ምንጻግ ዝፈጥሮ ዘሎ ሞት ስደተይናታት ኣመልኪቱ እውን ናይ መልእእ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት፥ ስደተይናታት ኣብ ምንጻግ ዝርአ ዘሎ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ተግባር ኮኒኑ፥ ስደተይናታት ክስምዑን ዘቕርብዎ ሕቶ ዕቝባ ብግቡእ ክመሓደር ዘለዎ ዝተፈላለየ ምኽንያት ዝፈጥሮ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት እዩ እንክብል ገሊጹ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠም ሞት ከም ዘሕዘኖን ቅርበቱን ጸሎትን ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዓን ጳጳሳታ ስፐይን

ናይ ስፐይን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ድርገት፥ ነዚ ዝርአ ዘሎ ሰብኣውን ማሕበራውን ቅልውላው ብቑዕን ኣገዳስን መልሲ ክወሃቦን እዚ ቅልውላው እዚ ንምስጋር ሃገራት ሕበረት ኤውሮጳ ከም ሕብረት ኤውሮጳ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ በቲ ዘጋጠመ ሞት ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ፡ ተመሳሳሊ ዘሕዝን ፍጻሜ መታን ከይድገም መንግስቲ ነዚ ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት መንቀሊኡ እንታይ ምዃኑ ከጻሪ ንላበው ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድምጺ በርገሳዊ ማሕበረሰብ

ናይቲ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቤት ጽሕፈት ሓልዮ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ወሃቢ ቃል ራቪና ሻምዳሳኒ፥ “ብዛዕባ እቲ ኣብ መሊላን ኣብ ተክሳስ ዘጋጠመ ሞትን ምጒዳእትን ስደተይናታት ክጻረን ተሓታቲ ንምልላይ ውጽኢታውን ናጻን መርመራ ክካየድ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስፐይንን ንሓትት” ከም ዝበሉን ኣብ ኢጣሊያ ሃገራዊ ኣእንጋዲ ማሕበረሰብ ኣወሃሃዲ” “እቲ ኣብ መሊላ ዘጋጠመ ኣዚዩ ከቢድ ፍጻሜ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ተፈጻሚ ዝኸውን ዘሎ ንስደተይናታት ዝምልከት ናይ መመሓደሪ ሕጊ ብቝዕ ዘይምዃኑን ሰብኣውነትን ፍትሕን ኣልቦ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ” ቢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ተስፋ ሰኒቖም ናጽነትን ዝሓሸ ህይወትን ኪረኽቡ ዝስደዱ ሰባት ከይኣትዉ ዝዓግት መናድቕ ምቛም ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምግሃስን ከምቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ባሕሪ መዲትራኒያን ዘጋጥም ዘሕዝን ህልቂት ስደተይናታት ጥራሕ እዩ ከስዕብ ዝኽእል ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ተክሳስ ዘጋጠመ ሞት ስደተይናታት

ኣብ ዶብ መክሲኮ ኣስታት 240 ኪሎ መትር ርሒቓ ስደተይናታት ስተሳፈርዋ  ዝተጠንጠነት ናብ ናይ ሬሳ ሳጹን እተቐየረት መኪና ከም እተረኽበትን እዚ ብሓቂ ዘሰንብን ዘሕዝን ሰብኣዊ ክብርን ሕይወት ፍጥረት ሰብን ክሳብ ክንደይ ይሓስር ምህላውይ ዘርኢ ዓለም ዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታት ቐዳምነት ክህበሉ ከም ዘለዎ ዘተሓሳስብ ህጹጽ ጒዳይ እዩ። እብታ ዝተረኽበት ማኪና ናይ ኣርብዓን ሹዱሽተን ስደተይናታት ሬሳን ካልኦት 16 ብህይወት ዝተረፉ ስደተይናታትን ከም ዝነበሩ ዝሓበረ ዜንናቫቲካን ኣስዒቡ፥  ገሊኦም ብሕይወት ገሊኦም ድማ ዝሞቱን ዝሓዘት ብናይ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዝተጠንጠነት ኣብ ከባቢ ከተማ ሳይንት ኣንቶኒዮ ዝተረኽበት ማኪናን ብዛዕና እቶም ስደተይናታት ጒዳይ ክጻረ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መርመራ የካይድ ምህላዉ ገሊጹ፥ እዚ ዝተራእየ ናይ ስደተይናታት ዘሕዝን ፍጻሜ ኣብ መሬት ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ መግለጺ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጠቒሱ የመላኽት።

29 June 2022, 16:31