ድለ

ባህጊ ወትሩ መንእሰይ ኰንካ ምንባር ህውተታ እዩ! ሽምግልና ንዘለዓለማዊ ሕይወት የሰናድወና! ር.ሊ.ጳ

‘ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ'ዶ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ’ (ዮሓ 3.3-6)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ቅዱስ ወንጌል ካብ ዝዝረበሎም ሽማግለታት ሓደ ካብ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ዝስሙ ንረክብ፤ እዚ ሰብ እዚ ንኢየሱስ ክፈልጥ ይደሊ እንተኾነ ብዝነበሮ ቦታ ሓላፍነት ብግህዶ ክገብሮ ኣይከኣለን፣ ስለዚ ብለይቲ ይኸይድ (ዮሓ 3.1-21)። ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞ ‘ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ (ኊ.16) ብማለት ኢየሱስ መን ምዃኑ ይገልጸሉ ከማኡ እውን ናይ ድሕነት ተል እኮኡ የብርሃሉ።

ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ‘መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንምር ኣይ ዳግም ክትውለድ የድሊ’ ይብሎ። ምናልባት ከም ኒቆዲሞስ እንደገና ምውላድ ናብ ዓለም ምምጻእና እንደገና ንምድጋም ናብ ማሕጸን ኣደና ተመሊስና ዳግም እንውለድ ወይውን ሓዲስ ሥጋዊ ዳግም ልደት ዘሎ ክመስለና ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ደጋጊምካ እንደገና ምውላድ ዝብል ሓሳብ ትርጉም የብሉን፤ ዝገደደ ነታ ዘላ ትርጉም ሕይወት እውን ዝተገብረ ኩሉ ፍሽለት ስለዝነበረ እንደገና ከምብሓዲሽ ዳግም ንወለድ እንክብል ባዶሽ ምንም ዋጋን ትርጉምን ከምዘይብሉ ምገበረ። ኢየሱስ ዝብሎ ዳግም ልደት እዚ ኣይኮነን፤ ኢየሱስ ዝዛረበሉ ዘሎ ዳግም ልደት ካልእ ጉዳይ እዩ። ከመይ እዛ ንሓንሳብ ኣብዚ ዓለም እንነብራ ሕይወት ብፍቅሩ ከምዝተፈጠርናን ብሕያውነቱ ከም እንነብርን እትገልጽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርቲ እያ። እዛ ካብ ላዕሊ ዳግም ክትውለድ ኣሎካ እትብል ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ እተእቱ ልደትክስ ብመንፈስ ዳግም ምውላድ ኰይና ብማይ ሓሊፍካ ምድሪ ተስፋ ምውራስን ብፍቅሪ እግዚኣብሔር ምስ ኩሉ ዝተዓርቀት ሓዳስ ፍጥረት ምዃን እዩ። ብጸጋ እግዚኣብሔር ካብ ላዕሊ እንደገና ምውላድ እዩ፤ ዳግም ብሥጋ እንደገና ምውላድ ኣይኮነን።

ኒቆዲሞስ ነዛ ዳግም ልደት ብካልእ መንገዲ ይርድኣ፤ ሽምግልና ከም ቀንዲ ሽግር ሓሲቡ ከኣ ‘ሰብ ምስ ሸምገለ ከመይ ቢሉ ዳግም ክውለድ’ እንክብል ነቲ ወዲሰብ ዕድመ መጠን ዝደፍኣሉ እታ ንኩሉ ግዜ ዝሓልማ ንእስነት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ሸተት ቢላ ምሕላፋ ዳግም ናይ ምውላድ ሥነሞጎት ደው ተብሎ፤ እሞኸ ደኣ ዳግም ልደት ዘሎ ጽሕፍቶስ ከመይ ገቢርካ ኪሕሰብ ይከኣል! ኒቆዲሞስ በዚ መንገዲ እዚ ስለዝሓስብ ንቃላት ኢየሱስ ክርድኦ ይጽግሞ፤ እዚ ዳግም ልደት እንታይ ኮን ይኸውን!

ኒቆዲሞስ ዘቅርባ ነቀፌታ ንዓና ሃንጺት ሓሳብ እያ፤ ብብርሃን ቃላት ኢየሱስ ኣብ እርጋንካ ተልእኮኻ ኣለሊኻ ናይ ምኽኣል ዕድል ቢልና ብኣንጻሩ ክንምልከታ ንኽእል። ከም ሓቁ ሽምግልና ነቲ ኢየሱስ ዝብሎ ዳግም ልደት ካብ ሰማይ ጥራይ ኣይኮነትን እት ዕንቅፍ ብዓንዲ ርእሱ ነቲ ናይ ኩሉ ፍጻሜ ገርካ ብምውሳድ ዝጠፍኤ ተስፋ ስምዒት ንምብራህ እውን ዕድል ዝኸፍት እዩ። ዘመናን ባህልናን ንልደት ሓደ ሕጻን ከም ቀሊል ሕቶ ምብዛሕ ማለት ባዮሎጂካዊ ምርባሕ ደቂሰባት ገርካ ብምውሳድ ኣብ ሻቅሎት ይኣቱ እሞ ዘይበርስ ሰውነት ሒዝካ ንዘለዓለም መን እሰይ ኰንካ ናይ ምንባር ሕልሚ ይረኤ፤ ምኽንያቱ እርጋን ብኩሎም ተናዒቃ ዋጋ ስለዝሰኣነት! ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ፈቲኻ ጸሊእካ ካብዛ ዳግም ናብ ማሕጸን ኣደኻ ተመሊስካ እንደገና ንዘለዓለም መንእሰይ ኰንካ ክትነብረላ እትብህጋ ዓለም ክትሰናበታ ኢኻ!

ናይ ዘመንና ተክኖሎጂ በዛ ንዘለዓለም ኣብ ጒብዝና ምንባር ትብል ኣምር ይሰሓብ ብ ዓንዲ ርእሱ ከኣ ንሞት ከሸንፍ ያኢ ብመድሃኒትን ዝተፈላለየ መጸባበቅን ንእርጋን ክሽፍናን ከደናጒያን ኪቃለስ ይረኤ። ርግጽ እዩ ጽቡቅ ናብራ ምንባር ሓደ ጉዳይ እዩ ንዘለዓለም ጐበዝ ኰንካ ምንባር ዝብል ሕልሚ ምስሳይ ግን ኣይግድን፤ ክንክሕዶ ኣይንኽ እልን እንተኾነ ንክልቲኡ ሓሳባት ማዕረ ማዕረ ምስሳይ ግን ንሓጐልና ከደናግሮ ይኽእል! ጽቡቅ ናብራ ምስ ንዘለዓለም ጐበዝ ኰንካ ምንባር ዝብል ህውተታ ምድብላቅ ጸገም እዩ። ወትሩ መንእሰይ ኰንካ ክትረኤ ዳርጋ ዘይግበር የለን። ብዙሕ ምቅንጃው ክሳብ ብመጥባሕቲ መን እሰይ ኰንካ ክትረኤ ዝግበር፤ ኣብዚ ቅጅል ዝብሉኒ ቃላት ሓንቲ ማኛኒ እትብሃል ኢጣልያዊት ሥነጥበበኛ እየን፤ ገለ ሰባት ነዚ ኣብ ገጽኪ ዘሎ ዕጥርጣር ዘይን ኣልየልኪ ምስ በልዋ ‘ኣይፋልኩምን! ኣይትተንክፉለይ! ንክረኽቦ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ እዩ! ኣይትተንክፉለይ’ ኢላቶም፤ እዚ ዝገልጸልና ከኣ ዕጥርጣር ገጽናን ቈርበትናን ምልክት ተመክሮ ምልክት ሕይወት ሓደ ጒዕዞ ብስለት ከምዝፈጽምና ዘመልክት እዩ። ገጽ መን እሰይ ንክህልወካ ቢልካ ዘይምትንካፉ፤ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኩለንትናኻ ሕዳሴ ልብኻ ስለዝኾነ ከምቲ ንእስነት ጥዑምን ሠናይን ዝኾነ ሽምግልና እውን ጥዑምን ሠናይን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

ብመዋቲ ሥጋና እትግለጽ ሕይወት ኣብ ፍጽምና ዘይበጽሐ ጣዕምን ጽባቀን ትውንን! ነዚ ከም ሓደ ኣብ ፍጻሜ ዘይበጽሐ ኣደናቂ ናይ ሥነጥበብ ውጽኢት ፍሉይ ስምዒት ከምዝህብ ገቢርና ንመልከቶ። ኣብዚ ምድሪ እዚ እንነብራ ሕይወት ምጅማር እምበር ፍጻሜ ኣይኮነን፤ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብከምዚ ኢና ንመጽእ፤ ሓቀኛ ህልውና ዝሓዝና እንተኾነ ብሽምግልና ንሳገር። በዛ መዋቲት ሥጋ ለበስ ሕይወትና ኣብ ግዜን ቦታን ተሓጺርና ክንገብሮ እንኽእል ብጣዕሚ ውሑድ እዩ፤ ከመይ ድሩታት ኢና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዝብለና እታ ብብሥራት ስብከተወንጌል መንግሥቲ እግዚኣብሔር እንቅበላ እምነት ፍሉይ ትዕድልቲ ትህበና፤ ነቲ ኣብ ሕይወትና እንምልክቶ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ከምዝተፈጠርና ዘር ኢ ምልክታት ክንቀርቦን ክስቈረናን ይጅምር።

እዘን ምልክታት እዚኤን ብሰፊሑ ብኢየሱስ ዝተገልጻ ምልክታት ፍቅሪ ወንጌል እየን፤ ነዘን ምልክታት እዚኤን ክርእየን እንተኽኢልና ናብ መንግሥቱ ክንኣ ቱ ንኽእል፤ ነዚ ከኣ በቲ ብማይ ዳግም ከም እንውለድ ዝገብር መንፈስ ብምስጋር ኢና እንረኽቦ።

እዛ ንብዙሓት ካባና ዝተዓደለት ሽምግልናኸስ ነዛ ካብ ሰማይ ዳግም ምውላድ እትብል ተኣምር ብቀረባ ንክንርደኣን ንማሕበረሰብ ዘመደ ኣዳም ተኣማኒት ምዃና ንምግላጽን ናፍቆት ብሥጋ ዳግም ምውላድ ዘይኮነ ብፍቅሪ ነቲ ንኣኡ ዝተፈጥሩሉ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተመሓላልፍ። በዚ ከምዚኸስ ሽምግልና ፍሉይ ጽባቀ ኣለዋ፤ ንሳ ከኣ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ገጽና ምጒዓዝ እያ። ማንም ካንና ናብ ማሕጸን ኣዲኡ ክምለስ ወይውን ብተክኖሎጅን ምጽብባቅን ብዝሕለም ጉብዝና ክትካእ ኣይክእልን። ከመይ እዚ ጥበብ ኣይህብን ብተመኲሮ ዝተፈጸመ ጒዕዞ እውን ኣይኮነን ብደገ ዘብለጭልጭ ኣርትፊሻል እዩ፤ ዝከኣል እንተዝኸውን እውን ዘሕዝን ምኾነ፤ ከመይ ሽምግልና ንቅድሚት ገጹ እዩ ዝግስግስ ናብ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ናብ ሰማይ ጐይታ ገጹ እዩ ዝግስግስ፤ ሽምግልና ምስቲ ኣብ ምሉእ መዋእሉ ዘዋህለሎ ተመኲሮ ጥበብ እዩ ዝጐዓዝ። ብቀንዱ ከኣ ሽምግልና ነቲ ብባዮሎጅን ሮቦታዊ ምንዋሕ ዕድመን ዘጋልጽ ንፈጣርን ወላድን ማሕጸን እግዚኣብሔር ሕያውነት ሓዲስ ኣንፈት ይኸፍት፤ ኣብዚኣ ሓንቲ ንሽማግለታ እትምልከት ቃል ከስምር እደሊ፤ ሕያውነት ሽምግለታት! ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ንሓደ ውሉድ ውላዶም ከመይ ቢሎም ከምዝጥምቱ ከምዝደባብሱ ተመልከቱ፤ እዛ ካብ ዝኾነ ፈተና ሰብ ሓራ ዝኾነት ንኩሉ ዕንቅፋታት ዝሰገረትን ሕያውነት እዚኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘርእዮ ፍቅራዊ ቅርበት እዩ፤ ሕያውነት እግዚኣብሔር ንምርዳእ ከኣ በሪ ትኸፍተልና፤ መንፈስ እግዚኣብሔር ቅርበትን ርሕራሔን ሕያውነትን ምዃኑ ኣይትረስዑ፤ እግዚኣብሔር ከማኡ እዩ ከም ኣቦሓጎ ወይ እኖሓጎ ይዳብሰና፤ ሽምግልናኸስ ነዚ ባህሪ ሕያውነት እግዚኣብሔር ንክንርዳእ ይሕግዘና። ዘመን ሽምግልና ካብቲ ንዘለዓለም መንእሰይኩኰንካ ምንባር ዝብል ህውተታ ተክኖሎጂ ዘድሕን ዘመን ኮይኑ ነታ እትፈጥረናን ንነፍስወከፍና ከኣ መንገዲ እትፈጥር ሕያውነት እግዚኣብሔር እትገልጽ ዘመን እያ። መንፈስ ቅዱስ ምስዛ ካብ ሰማይ ዳግም ምስ ምውላድ እተተዓርቀና ሽምግልናን ባህልን ክፉት ልቢ ክህልወና ጸጋኡ ይሃበና፤ ንሽምግልና በዚ መንገዲ እዚ ክንሓስቦ እንከሎና እዛ ዘመንና እንታይ ወሪድዋ እዩ ንሽማግለታት ከምዘይረብሑ ንክትጒሕፎም እትደናደን ቢልና ክንሓትት ንግደድ፤ ስለዚ ሽምግለታት ል ኡኻት መጻኢ ል ኡኻት ሕይወት ል ኡኻ ናይ ሓንቲ ብጥበብ ዝተመከረት ሕይወት እዮም፤ ሃየኸስ በዚ መንፈስ እዚ ንቅድሚት ንገስግስ ንሽማግለታት ከኣ ንሓሉ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
08 June 2022, 13:24
ንኩሉ ኣንብብ >