ድለ

ሽምግልና ድሩትነትን ጸጋን እዩ! እንተ ምንጻጉ ግን ንሕይወት ምኽሓድ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ኢየሱስ ‘ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሐሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሐደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም’ (ማር 1.29-31)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ክንበብ ዝሰማዕናዮ ልብኻ ዝትንክፍ ገርሀይና ዛንታ ምሕዋይ ሓማት ስምዖን እዩ። ስምዖን ገና ጴጥሮስ ኣይተባህለን ነበረ። ነዙይ ዘዘንቱ ማርቆስ እዩ፣ ነዚ ማርቆስ ብሓጺሩ ዘቅረቦ ዛንታ ካልኦት ወንጌላውያን እውን ነቲ ረስኒ ከምዝነበራ ጥራይ ዚዛረብ ኣስፍሕ ኣቢሎም የዘንትውዎ። ምናልባት ካልእ ተወሳኺ ጸገማት ዝነበረ እንተኾነውን ኣይንፈልጥን ግን ኣብ ሽምግልና ንእሽቶ ረስኒ ሓደገኛ ክኸውን ዚከኣል እዩ። ምስ ሸምገልካ ሰውነትካ ክትመልኽ ኣጸጋሚ እዩ። እንታይ ከምእትገብርን ዘይትገብርን ምምራጽ ክትመሃር የድሊ። ሓይሊ ሰውነት እናጐደለ ይመጽእ እንተ ልብና ሃረር ካብ ምባል ኣየዕርፍን። ስለዚ ንሃረርታና ክነንጽሖ ምምሃር የድሊ! ትዕግሥቲ ክህልወና የድሊ! ንሰውነትናን ንሕይወትናን እንታይ ከምእንደሊ ምምራጽ የድሊ። ኣብ ሽምግልና ምስ ኣቶና ነቲ ኣብ ጒብዝናና እንገብሮ ዝነበርና ነገራት ክንገብር ኣይንኽእልን። ሰውነትና ካልእ ስጒምቲ ይኽተል! ስለዚ ንሰውነትና ክንሰምዖን ንስጒምቱ ክንክተሎን ኣሎና። ኩልና ክንገብሮ ኣሎና! ኣይመስለኩምንዶ! ኣነውን ሽሕ`ኳ ሕጂ እንተዘይከኣልኩ ምርኩስ ሒዘ ክንቀሳቀስ ኣሎኒ።

ሕማም ክበድ ኣለዎ! ምናዳ ኸኣ ኣብ ሽማግለታት ካብቲ ኣብ ግዜ ንእስነትንትን ብስለትን ዘጋጥም ፍልይ ዝበለ እዩ። እዚ ከኣ ከም ሓደ ብርቱዕ ወቅዒ ኣብ ጽጉም ግዜ ዘጋጥም እዩ። ሕማም ሽማግለ ንሞት ዘቀላጥፍ ይመስል! ነቲ ድሮ ሓጺር እዋን ተሪፉ ኣሎ ንእትብሎ ዘሕጽሮ ይመስል። ይስገርዶ ኾን ዝብል ምጥርጣር ‘እዛ እዋን እዚኣ ናይ መወዳእታ ሕማመይ ዶኾን ትኸውን’ ዝብል ብዙሕ ሓሳባት ኣብ ሓንጎል ይመላለስ። ነቲ ድሮ ዝዳመነ መጻኢ ብተስፋ ክትሓልም ዳርጋ ኣይከኣልን። ኢታሎ ካልቪኖ ዝበሃል ውሩይ ኢጣልያዊ ጸሓፋይ `ምረት ሽማግለታት ክንዲ በቲ ዝውንንዎ ተሓጒሶም ዝነብሩ ብምስኣን ናይቲ ሓደ ግዜ ዝውንኖ ዝነበሩ እዩ’ እንክብል ይገልጾ። እንተኾነ እዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ተስፋ ንክንገብርን ቀዳማይ ትምህርቲ ይህበና። እዚ ከኣ ኢየሱስ ነታ ሽማግለ ሰበይቲ በይኑ ኣይኮነን ዝበጽሓ ምስ ኣርድእቱ ይኸድ። እዚ ክነስተንትነሉ ዘሎና ጉዳይ እዩ።

ንሽማግለታት ክከናኸን ዘለዎኸስ ማሕበረ ክርስትያን እያ፣ ርግጽ ስድራቤቶምን ኣዕሩኽቶምን የድልዩ እዮም እንተኾነ ማሕበራዊ ክከውን ኣለዎ። ምብጻሕ ሽማግለታት ብሓባር ብብዝሓት ወትሩ ክግበር ኣለዎ። ነዘን ሠለስተ መስመር ወንጌል ፈጺምና ክንርስዔን የብልናን። ሎሚ ከም ሎሚ ብዝሒ ሽማግለታት እናዓበየ በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ክረምቲ ወሊድ ብዝሒ መንእሰያት ከኣ እናናንቆልቀለ ይኸይድ ኣሎ። ውሑዳት መንእሰያትን ብዙሓት ሽማግለታትን ኣለውና። ነቶም ወትሩ በይኖም ዝቅመጡ ሽማግለታትና ክንበጽሖምን ብጸሎትና ናብ ጐይታ ክነቅርቦምን ኣሎና። ኢየሱስ ባዕሉ ንክነፍቅሮም ክምህረና እዩ። ብ19 ለካቲት 2014 ናብ ጳጳሳዊ ኣካዳሚ ሕይወት ኣብ ዝጸሓፍኩዎ መልእኽቲ ‘ሕይወት ብዝምልከት ንኩሉ እትቅበልን ኣብ ሽምግልናስ ይኹን ኣብ ስንክልና ኣብ ከቢድ ሕማምስ ይኹን ኣብ ጻዕሪ ሞት ንዝርከብ ክብሪ ሕይወት እተረጋግጽን ሓቀኛ ማሕበረሰብ እያ’ ቢለ ነቢረ። ሕይወት ኩሉ ግዜ ክብርቲ እያ። ኢየሱስ ነታ ሕምምቲ ሽማግለ ሰበይቲ ምስ ረኣያ ብኢዳ ሒዙ የለዕላ ይፍውሳ ከኣ። ነታ መይታ ቢሎም ኣብ ዓራት ኣጋዲሞማ ዝነበሩ ጐርዞ ጓል እውን ተሸኪሞሞ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ እዩ ካብ ሞት ዘተንሰኣ! ብኢዳ ሒዙ ደው ከም እትብል ይገብራ የሕውያ ከኣ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስከስ በዚ ኣገባብ እዚ ንሓዋርያቱ ቀዳማይ ትምህርቲ ይህቦም፣ ማለት ድሕነት ዝብሰረሉ ንሕሙም ሰብ ብእትህቦ ኣተኲሮ ምዃኑ እምነት ናይታ ሰበይቲ ከኣ በቲ ኣባኣ ዝወረደ ርሕራሔ እግዚአብሔር ብምምስጋን ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝበልክዎ ክደግም፣ ዘሎና ባህሊ ምጒሓፍ ንሽማግለታት ካብ ገጽ ምድሪ ኪሓክኽ ዝደሊ ይመስል። ርግጽ እዩ ኣይቀትሎምን እዩ! እንተኾነ ከም ጾር ኅብረተሰብ ብምግማት ጨሪሹ ኣብ ቊጽሪ ኣየእትዎምን ካብ ማሕበረሰብ ይሓኮም፣ ምሕባኦም ይሓይሽ ይብል። እዚ ንሰብኣውነትካ ምኽሓድ እዩ! ክንገብሮ እንኽእል ዝሓሰመ ጉዳይ እዩ! እዚ ከኣ ንኩሉ ብዓይኒ ጥቅሚ ኣብ ምምራጽን ነታ ምስ ኩሉ ድሩትነታ ጥበብ ዝመልኣ ሕይወት ሽማግለታት ከም ሕይወት ዋጋ ከሊእካ ኣብ ጒብዝናን ንእስነትን ጥራይ ብምትኳር ንገብሮ። ሽማግለታት ዝህቡና ብዙሕ ነገራት ኣሎ! ኣብ ምሉእ መዋእሎም ዘዋህለልዎ ጥበብ ኣሎ። ብዙሕ ዝምህሩና ጉዳያት ኣለዎም፣ ስለዚኸስ ንሕጻናትና ከይተረፈ ክንምህሮም ዘሎና እዚ እዩ፣ ናብ ኣቦ ሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ክኸዱ ንምሃሮም። ኣብ መንጎ መንእሰያትን ሕጻናትን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ዝግበር ተዋስኦ መሠረታዊ እዩ! ንቤተክርስትያንስ ይኹን ንማሕበረሰብ መሠረታዊ እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንቅድስና ሕይወት መሠረታዊ እዩ። ኣብ መንጎ መንእሰያትን ሽማግለታትን እዚ ዘተ እዚ ምስ ዘቋርጽ ሓደ ዓቢ ነገር ይጐድል! ሕሉፍ ዘይብሉ ወለዶ ነፍሪ! ማለት ሱር ዘይብሉ ወለዶ ነፍሪ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ኢየሱስ ምስ ሃበ ነታ ካልአይቲ ከኣ እታ ሽማግለ ሰበይቲ ትህበና ነዚ ከኣ ተንሢኣ ክተገልግሎም ብምጅማራ ትምህረና። ሽማግለ ኰንካ እውን ንማሕበረሰብ ኣገልግሎት ተበርክት ኢኻ። ከገልግሉ ከኣ ኣለዎም። ሽማግለታት ንፈተና ምግላል ኣሸኒፎም ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ክለብሱስ ክንደይ ኮን ምጸበቀ። ጐይታ ኣይጒሕፎምን እዩ፣ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ንከገልግሉ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ሓይሊ የልብሶም። ኣብ ትረኻ ወንጌል ብዛዕባ እዚ ታሪኽ እዚ ፍሉይ ጉዳይ የለን፣ ኩሉ ከም ማንም ኩነት እዩ ዝዝንቶ፣ ናይዚ ዛንታ እዚ ነባራዊነት ከኣ ነቶም ሓዋርያት ኣብ ዝገብርዎ ኩሉ ተመኲሮ ምኽታል ኢየሱስ ከም ነባራዊ ጒዳይ ንክርድእዎ ኣይከጸግሞምን እዩ። ንክሓውዩን ንክጸናንዑን ፍቃደኛታት ኰይኖም ኣብ ዝኾነ ኩነት ንዝርከቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ማለት ኣርድእትስ ይኹኑ ሓለፍቲ ብሕማቅ መናፍስቲ ዝሳቀዩስ ይኹኑ ዝተገለሉ ስለኦም ከማልዱ ስንድዋት ዝዀኑ ሽማግለታትከስ ናይዛ ንእምነት ተሰኒ ንጽሕና ምስጋና ዝለዓለት ምስክርነት እዮም። እንተደኣ ንሽማግለታት ዝተጓሕፉን ካብ ፍጻሜታት ማሕበረሰብ ዝተገለሉን ኣብ ክንዲ ምዃን ኣብ ማእከል ማሕበራዊ ኣተኩሮ ኣንቢርናዮም ኣብ ቅድሚ እቲ ንማንም ዘይርስዕ ኣምላኽ ነታ ክብርቲ ተልእኮ ምስጋና ክፍጽሙ ክተባብዑ እዮም። እቲ ስለ ኩሉ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልዎ ዝቀርብ ምስጋና ሽማግለታት ከምቲ ሓማት ጴጥሮስ እትምህረና ንማሕበረሰብ ታሕጓስ ሓቢርካ ምንባር ብምልጋስ ነታ መወዳእታ ጒዕዞ ሕይወቶም ኣብ ምድልዳል እምነት ተኸተልቲ የውዕልዎ።

እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኩሎም ተኸተልቱ ዝሰርዖ መንፈስ ኣማላድነትን ኣገልግሎትን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ገርና ክንሓስቦ የብልናን፣ ኣብዘን ቃላትን ተግባራትን ኢየሱስ ምንም ዘደናግር የለን። ንእግዚአብሔር ስለቲ ለውሃቱ እንፍጽሞ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ምስጋና ከም መግለጺ ጒይትነት ወዲተባዕታይን ባርነት ጓልነስተትን ዝቀርበሉ ወላ ኣብ ሓደ ክፍሊ የለን፣ እዚ ፈጺምካ ዘይከውን እዩ። እዚ ፍጻሜ እዚ ደቂ ኣንስትዮ ንደቂተባዕትዮ ነቲ ዘጸግሞም ምስጋናን ርሕራሔን እምነት ንክምህራኦም ዕድል ዝህብ ኮይኑ ምንም ዘጒድለለን የብሉን። ሓማት ጴጥሮስ ቅድሚ ሓዋርያት ምብጻሖም ኣሰር ኢየሱስ ብምኽታል ንኣታቶም ኣውን መንገዲ ኣርእያቶም ነበረት። እታ ጥንቃቄ ዝመልኣ ተግባር ኢየሱስ ናባኣ ድንን ቢሉ ኢዳ ዝተንከፎ ኣብ ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዎ ፍሉይ ስምዒት ካብ መጀመርያ ዘነጽር ነበረ፣ ወዲ እግዚአብሔር ነዚ ጉዳይ እዚ ብርግጽ ካብ ኣዲኡ ድንግል ማርያም እዩ ተማሂርዎ። በጃኻትኩም ሽማግለታትና ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ጥቃ ሕጻናትን ኣጓብዝን ኰይኖም ዝኽሪ መነባብሮ ሕይወት ከሰጋግሩሎም ንተመኲሮ ህይወቶምን ንጥበብ ጒዕዞ ሕይወቶምን ክምህርዎም ነፍቅድ። መጠን እቲ መንእሰያትን ሽማግለታትን ከምዝተኣሳሰሩ ዝገበርናዮ መጠኑ ከኣ ንመጻኢ ማህበረሰብና ተስፋ ክህልወና እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 June 2022, 14:59
ንኩሉ ኣንብብ >