ድለ

HUNGARY NEW YEAR'S BABY HUNGARY NEW YEAR'S BABY 

ሥድራቤታት መታን ከይህሰያ ዝጭበጥ ተግባርን ተስፋን ይወሃበን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ወሊድ ንዛዘተዩ መል እኽቲ ከምዝሰደዱን ዋሕዲ ወሊድ ዘስዕቦ ዘሎ ንዘሎ ቅልውላው ‘ድኽነት ትውልዲ’ ማለት ምብራስ ወለዶ ከየኸትል ዓቢ ጥንቃቀ ከምዘድሊ! ሥድራቤታት ተስፋ ቆሪጸን ኢደን ከይህባ ጭቡጥ ተግባርን ተስፋን ክወሃበን እንተተኻኢሉ ከኣ ነዚ ዘንቈልቊል ዘሎ ቊጽሪ ሕዝቢ ሓፍ ከብልዎ ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ዝሰልጠና ሃገራት ዝረኤ ዘሎ ምንቊልቋል ወሊድ ‘ህጹጽ ጒዳይ ኅብረተሰብ’ ክብሉ እንክገልጽዎ፤ ነቶም ብዛዕባ እዚ ኣብ ምጽናዕን ምዝታይን ዝርከቡ ኣካላት መንግሥቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ንጹር መልእኽቲ ‘ጸገም ምንቊልቋል ወሊድ ምናዳ ንም ዕራባውያን ሃገራት ንመጻኢኤን ኣብ ሓደጋ ስለዘውርድ ቅድምያ ክወሃቦ ዘለዎ ህጹጽ ጉዳይ እዩ፤ ቁሩብ ቈልዑት ምውላድ ሓደጋ እዩ’ ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ሥድራቤታትን ንወሊድ ዝቆጻጸር ተቊዋም መንግሥትን ኣብ ሮማ እዩ ተኻዪዱ። ከም መምርሒ ተማ ከኣ ‘ክግበር ይከኣል እዩ’ ዝብል ምዃኑ ምስዚ ተታሒዙ ዝመጸ ኣመልኪቱ፤ ቅዱስነቶም እውን ነዚ መሪሕ ቃል እዚ ከምዝተቀበልዎን ካብቲ ጽንተት ወይ ምብራስ ወለዶታት ካብ ምባል ‘ድኽነት ትውልዲ’ ዝበልዎ ሓደጋ ክጥንቀቁ ምኽሮም ለጊሶም።

ድኽነት ወሊድ!

እቲ ጉባኤ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ኣደራሽ ቫቲካን ናይ ጐደና ኮንቺሊያስዮነ ብምንባሩ ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ብ ኣካል ተረኺቦም ምኽሮም ክልግሱ ትጽቢት ብምንባሩን ክርከቡ ብዘይምኽኣሎምን ኣይትሓዙለይ ብማለት መል እኽቶም ዝጀመሩ ቅዱስነቶም ነቲ ንምዕራባዊ ዓለም ካብ ንውሕ ዝበለ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ እንተኾነ ቀልጢፎም ዘየስተውዓሉሉ ዋሕዲ ወሊድ ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ከኣ ዳርጋ ዜሮ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ ክንዲ ነቲ ክወልድ ዘይደሊ ምምልካት ነቶም ክወልዱ ዝደልዩ ግን ከኣ ብዙሕ ጸገማት ዘጋጥሞም ስድራቤታት ዘይምትኳሮም ሕልሚ ብዙሓት ኣብ ደጋዊ ኩነታት ማኪና ምውናንን ፈቀዶኡ ምጒዓዝን ምቾት ናብራን እውን ግደኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዚ ድኽነት እዚ ሓዲስ ድኽነት እዩ፤ ብዘይመጠን የስግኣንን የፍርሃንን፤ እዚ ድኽነት እዚ ናይ መን እዩ እንተበልና ናይቶም ግዝያዊ ደስታ ልቦም ዝሰልቦም፤ ናይቶም ንዝለዓሉ ዕላማታት ሕይወት ብግዝያዊ ሃረርታ ዝጅልሑ፤ ናይቶም ብቁሩብ ቁራቦ ዓጊቦ ንዝለዓለ ጉዳይ ዘይትስፈው ድኽነት እዩ፤ ብሓቂ ዘሕዝን ትራጀዲካዊ ድኽነት እዩ፤ ብቀንዱ ንደቂ ሰባት ኣብቲ ዚዓበየ ሃብቶም ማለት ውሉድ ምህላው ዝወርድ ድኽነት እዩ። እዚ ዓቢ ሃብቲ እዚ ኣብ ዓለም ሓዲስ ሕይወት ኣምጺእካ ተኸናኺንካ ነታ ንርእስኻ ካብ ወለድኻ ዝተቀበልካያ ህልውና ናብ ካል ኦት ብፍቅሪ ካብ ምስግጋር ዚዓቢ የለን ኢሎም።”

ብሓባር ንተዓጠቀሉ!

ቅዱስነቶም ነዚ ጸገም እዚ ቀንዲ መጋደድን ዕንቅፋትን ዝምባሌ ዘመንና እናረኣናዮን እናሰማዕናዮን ከምዘይምልከተካ ኣጽቅጥ ኣቢልካ ምሕላፍ ኣርሒቅካ ናይ ዘምርኣይ ሕማም ከምዝተታሓዝካ እዩ። እዚ ብዓቢኡ መጻኢ ህላዌኻ ቀጻልነት ወለዶኻ ኣብ ሓደጋ እንከሎ ነዚ ቀንዲ ጉዳይ እዚ ገዲፍካ ኣብ ሃጠውቀጠው ግዜኻን ሃብትኻን ምህላኽ ምስ እንታይ ይቁጸር፤ ኣብዚ ኩሉ ሕልኽልኽ ኢሉ ዳርጋ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን ዝብል ደረጃ በጺሑ ዘሎ ዝመስል ዘመንና ‘ክግበር ይከኣል እዩ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምዝታይ ጥራይ ዘይኮነ ነገራት ክትገብሮም ከምዝከኣል ነቶም ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን ዝብሉ ብግብሪ ንምር ኣይ ምስራሕ ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝተፈቶኹም ኣዕሩኽተይ! እንተደኣ ብዘይምንም ፍርሃት ክንዮ ኣብ ሃጠውቀጠው ዝርከብ ጥቅምን ኣዕነውቲ ፖሎቲካውን ፍልስፍናውን ኣተሓሳስባታት ሰጊርናን ብሓባር ተዓጢቅናን ነዚ ጉዳያት እዚ ክንልውጦ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኩለን ተቊዋማት መራኸቢ ብዙሓን ባህሊ ቊጠባን ማሕበረሰብን ዝጭበጥ ፖሎቲካ ብምድንፋዕ ንወሊድን ስድራቤትን ብሓዲስ ከምዝንህሩ ምግባር የድሊ፤ ነዚ ዝረኤ ምንቊልቋል ወሊድ ከኣ ዳግም ክነበርኾ ንኽእል፤ ብሓባር ነዚ ዝሕልሕል ዝበለ ክረምቲ ወሊድ ክንልውጦ ንኽ እል! እወ ክግበር ይከኣል እዩ እግዚኣብሔር ይሃበለይ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
13 May 2022, 13:20