ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቅድስና ብሕታዊ ጅግንነት ዘይኰነስ ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን እዩ!

ንውፉይ ሕይወት ተጸዊኻ ዲኻ? ነዚ መብጽዓ እዚ ብሓጐስ ብምሕላው ቅዱስ ኵን። በዓል ሓደር ዲና? ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስቲያን ዚገበሮ ንሰብኣይኪ ወይ ንሰበይትኻ ብምፍቃርን ብምክንኻን ቅዱስ ማዃን። ንመነባብሮኻ ዲኻ እትዓዪ? ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ምግልጋል ውሁድ ህይወት ምንባር። ወላዲ ዲኻ ወይ ወላዲት ዲኺ ኣቦሓጎ ዲኻ ወይ ኣደሓጎ ዲኺ? ንንኣሽቱ ቘልዑን መንእሰያትን ንኢየሱስ ኪስዕብዎ ከም ዘለዎም ብትዕግስቲ ብምምሃር ቅዱስ ኵን። በዓል ስልጣን ዲኻ? ንጥቕሚ ሰባት ብምዕያይን ንብሕታዊ ረብሓኻ ኣይፋል ብምባልን ቅዱስ ኵን . . .

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ግንቦት 2022 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝሰርዕዎ ስነ ስርዓት ቅዳሴ ቀኖና ንዓሰርተ ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ከም ዝኣወጁን፥ ቅዱሳን ኣምላኽ ብዘይ ቅድመ ዅነት ብኸመይ ከም ዘፍቅረናን ናብ ቅድስና ዚመርሕ መገዲ “ኣዚዩ ቀሊል” ከም ዝኾነን ንኢየሱስ ኣብ ካልኦት ክንረኽቦ ከም ዘለና ዘዘኻኽሩና እያቶም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣምላኽ ነቶም ሓደስቲ ቅዱሳን ሕልሚ ስለ ዝነበሮ ንህይወትና ዝኸውን ሕልሚ ስለ ዘለዎ ነዚ ድማ ብሓጐስ ክንቅበሎን ኣብ ምሉእ ህይወትና ንኽነብሮ ይጽውዓና” ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ልዕሊ 50 ሺሕ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዓሰርተ ብጹዓን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ንኽእውጁ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና መደብ ከምዘለዎ እቶም ሓደስቲ ቅዱሳን የዘኻኽሩና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዓሰርተ ሓደስቲ ቅዱሳን

ወንጌል ዮሓንስ፥ “ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ - ‘ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩዅም ከምኡ ድማ ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ” ዝበሎ ጠቒሶም፥ “ንሓቂ ደቂ መዛሙርቲ ምዃንናን ዘይምዃንናን እነስተውዕለሉ ቀንዲ መለክዒ፥ ትእዛዝ ፍቕሪ እዩ” ስለዚህ “ኢየሱስ ከም ዘፍቅረካን እዚ ፍቕሪ እዚ ንኻልኦት ክትምስክሮን - በኣኡ ከም ኣተፈቐርካ ንኣኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኣብ ካልኦት ምምስካር” ዝብል ትእዛዝ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

ፍራንቸስኮ፥ ቅድስና ብሕታዊ ጅግንነት ዘይኰነስ ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን እዩ!
ፍራንቸስኮ፥ ቅድስና ብሕታዊ ጅግንነት ዘይኰነስ ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን እዩ!

ፍቕሪ ክርስቲያን ምዃንና ትገልጽ

ኢየሱስ ኣዚዩ ከም ዘፍቅረና ገዛእ ርእሱ ንኣና ብምውፋይ ይገልጾ፥

ነዚ ፈጺምና ክንርስዖ የብልናን፡ እቲ ቀንዲ ነገር ክእለትና ዘይኮነስ ብዘይ ቅድመ ኵነትን ብናጻን ኣና ዝተፈቐርና

ክርስቲያናዊ ህይወትና “ብሰረተ እምነትን ብሰናይ ግብርናን ዘይኰነስ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ከም ዘፍቀረናን በዚ መሰረት ቅድሚ ምላሽ ምሃብና ከም እተፈቐርና ብምግንዛብ ኣባና ክውለድ ምፍቃድን በዚ ፍቕሪ እዚ ብምድናቕ እዩ ዝጅምር፡ ወንጌል ከም እተፈቐርናን ከነፍቅር ከም ዝግብኣናን የዘኻኽረና፥ ፍቕሪ ዘይንጸል ክፍሊ ክርስቲያናዊ መንነትናን ብርታዔናን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ትርጒም ቅድስና

ነዚ ሓቂ እዚ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ቅድስና ዘሎና ኣረኣእያ ክንቅይር ንሕተት። “ሓድሓደ ግዜ ነቲ ሰናይ ንምግባር እንገብሮ ጻዕሪ እምብዛ ብምጒላሕ ኣብ ገዛእ ርእስናን ኣብ ብሕታዊ ጅግንነትናን ተጋድሎናን ክእለትናን ከምኡ እውን ዓስቢ ንምርካብ ንጥቕሚ ርእስና ድልዋት ብምዃን ክንበጽሖ እንደሊ ቅድስና ፈጢርና ንርከብ፡ በዚ መገዲ እዚ ድማ ቅድስና ናብ ዘይብጻሕ ሸቶ ንቕይሮ፡ ኣክንዲ እነናድዮን ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና እንቕበሎ ካብ መዓልታዊ ህይወት ፈሊናዮ ንርከብ”

ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ምዃንን ብመገዲ ቅድስና ምስጓምን ቅድም ቀዳድም ብሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽልወጥ ምፍቃድ ማለት እዩ!

ቅድስና፥ ካብ ጐይታ እንቕበሎ ፍቕሪ ንህይወትና ዝቕይር ልብና ዝኸፍት ንኸነፍቅር ዘኽእለና ሓይሊ እዩ። “ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ምንባር ኪበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ? ፍቕሪ ኪበሃል እንከሎ ምግልጋልን ህይወትካ ምሃብን ማለት እዩ። ንምግልጋል ማለት ንጥቕሚ ርእስና ቀዳምነት ምሃብን ካብ መርዚ ስስዐን ውደራን ናጻ ምግባር፡ ምስቲ እዋናዊ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን ዝብል ባህሊ ብምንጻግ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምምሃዝ ክእለትን ውህበትን ምክፋል እዩ፡” ብፍላይ ከኣ “ንኻልኦት እንታይ እየ ዝገብረሎም?” ቢልና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ኣሎና።

ኣብ መዓልታዊ ሕይወት ዝግለጽ ፍቕሪ

ቅድስና “ካብ እንውንኖ ናትና ካብ እንብሎ ገለ ነገር ንኻልኦት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ምዃኑ ገሊጾም - “ገዛእ ርእስና ምውፋይ - ምሃብ እዩ። ንህይወትና ውህበት ንብምባር ነቶም ኣብ ጐድንና ዘለዉ ዘድልዮም ንምምላእ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ብምግባር ወይ ብትዕግስቲ ብምስማዕ ምሳታቶም ግዜ ብምሕላፍን ብስልኪ እውን ብምርኻብ ንኻልኦት ጽን ብምባል ስስዐና ከነሰንፎ ኣሎና።”

ቅድስና ብሕታዊ ጅግንነት ዘይኰነስ ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን ማለት እዩ። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብነኣሽቱ ተግባራት ፍቕሪ ምንባርን ምምስካርን ማለት እዩ።

ንውፉይ ሕይወት ተጸዊኻ ዲኻ? ነዚ መብጽዓ እዚ ብሓጐስ ብምሕላው ቅዱስ ኵን። በዓል ሓደር ዲና? ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ-ክርስቲያን ዚገበሮ ንሰብኣይኪ ወይ ንሰበይትኻ ብምፍቃርን ብምክንኻን ቅዱስ ማዃን። ንመነባብሮኻ ዲኻ እትዓዪ? ንኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣብ ምግልጋል ውሁድ ህይወት ምንባር። ወላዲ ዲኻ ወይ ወላዲት ዲኺ ኣቦሓጎ ዲኻ ወይ ኣደሓጎ ዲኺ? ንንኣሽቱ ቘልዑን መንእሰያትን ንኢየሱስ ኪስዕብዎ ከም ዘለዎም ብትዕግስቲ ብምምሃር ቅዱስ ኵን። በዓል ስልጣን ዲኻ? ንጥቕሚ ሰባት ብምዕያይን ንብሕታዊ ረብሓኻ ኣይፋል ብምባልን ቅዱስ ኵን . . .

ገለ ነገር ከይተጸበና ንኻልኦት ንኸነገልግልን ህይወትና ከነወፍን ኢና ተጸዊዕና። ቅድስና ነዚ ከከም ጸዋዕታኻ ምንባር ማለት እዩ።

ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ዘለዎ ሕልሚ

እዚ እቶም ዘሰንዩና ሎሚ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ዝኣወጀትሎም ቅድስናኦም ዝነበሩሉ መገዲ እዩ። ከም ካህን ከም ተራ ምእመን መጠን ዝነበሮም ጽዋዕታ ብውዕዉዕ ስምዒት ብምቕባል ንህይወት ንወንጌል ዝወፈዩ እያቶም። መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ ረኸቡ፡ ብሉጽ ነጸርብራቕ ናይ ጐይታ ታሪኽ ድማ ኰኑ።”

ምእመናን ናይዞም ቅዱሳን ኣዚኣቶም ኣብነት ክስዕቡ ቅዱስነቶም እንከተሓሳስቡ፥ “ናይ ካልኦት ቅዱሳን ታሪኽ ቅዳሕ ስእሊ ብምዃን ዘይኰነስ ነፍሲ ወከፍና ንቕድስና ዝተጸዋዕና ስለ ዝዀንና ገዛእ ርእስና ብምዃን እንነብሮ ቅድስና ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም ስለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ፥ ቅድስና ብሕታዊ ጅግንነት ዘይኰነስ ንኻልኦት ምፍቃርን ምግልጋልን እዩ!
16 May 2022, 17:08