ድለ

ዕለት ዕለት ዘጋጥሙና ጭንቀታት ንፍቅሪ ኣይዓፍኑ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 1 ግንቦት 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ልሙድ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል ተመርኲሶም ከምቲ ሓዋርያት ተጨኒቆም ኣብ ናይ ቀደም ምግፋፍ ዓሣ ምስ ተመልሱ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ከምዝመጾም ጴጥሮስ ምስ ኣለለዮ ነግ ፈረግ ከይበል ናብ ባሕሪ ተወርዊሩ ናባኡ ብምኻድ ዝገለጾ ፍቅሪ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ፍርህን ጭንቀትን ንኩሉ ኩሉ ከም እትዝንግዕ ገቢሩ ዘይሓሰብካዮ ጒዳይ ክሳብ ምፍጻም ከምዝበጽሕ ኣብነት ዝኾኑና ጴጥሮስን ብጾቱ ሓዋርያትን ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 21.1-19 ‘ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና ኢየሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን’ ይብል እሞ ኣተሓሕዝ ኣቢሉ ‘እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፥ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ’ እንክብል ይገልጽ።

ቅዱስነቶም እዚ ክፍሊ ወጊጌል ብቀንዱ ዘመልክቶ እቶም ሓደ ግዜ ገፈፍቲ ሰብ ክኾኑ ብኢየሱስ ምስ ተጸውዑ ንኩሉ ገዲፎም ዝሰዓቡ ድሕሪ ዓርቢ ስቅለት ግን ኩሉ ምስቅልቅል ኢልዎም ፍርህን ጭንቀትን እውን ወሪርዎም ዝገብርዎ ምስ ጠፍኦም ንድሕሪት ክምለሱ ኣብቲ ቀደም ዝገደፍዎ ሥራሕ ምግፋፍ ዓሣ ይምለሱ፤ ደጊም ምስ ጐይታ ዝራኸቡ ኣይመሰሎምን። እዚ ኩነት እዚ ንዓና እውን ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ዝበልዎ ምናልባት ድኻም ወይውን ብኩሉ ኩሉ ምፍሻል ወይውን ትህኪት ወዘተ ነቲ ዝገበርናዮ ዓበይቲ ምርጫታትን ውሳኔታትን ከም እንዝንግዕ ብዛዕባ ጐይታ ከምእንርስዕ ይገብሩና እሞ ኣብ ቀንጠመንጢ ንወድቅ ኢሎም።

“ኣብ ስድራቤት ምስ ቤተሰብ ንምዝራብ ኣይንጽምደን፤ ካል እ መሕለፍ ግዜ ሃሰው ንብል፤ ብዛዕባ ጸሎት ፈጺምና ኣይንዝክርን፤ ብግላዊ ጉዳያትና ንወሓጥ እሞ ሥራሕ ኣሎኒ! ግዜ የብለይን! ተሃዊኸ ኣሎኹ! ብማለት ንጭነቅ ነቲ ቀንዲ ጒዳይ ዝኾነ ፍቅሪ ከኣ ብዕለታዊ ጭንቅታትና ንዕፍኖ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት እንክርከብ ልክዕ ንጴጥሮስ ዘጋጠመ መንፈስ ፍሽለት ይወረና፤ ዝገደደ ከኣ ምሉእ ለይቲ ሰሪሕካ ባዶ ዝኾነ ሰኪዔት ሒዝካ ናይ ምትራፍ ፍሽለት፤ እንተኾነ እዚ ፍሽለት እዚ ኣይሓድገካን እዩ፤ ወትሩ ምሳኻ እዩ ብዝኾነ ጉዳይ ከኣ ክት ዓግብ ኣይከልን፤ እንተኾነ ኢየሱስ መርበብካ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ ደርቢ እሞ ዓሳ ክትረክብ ኢኻ ይብለካ።”

ምስ ኢየሱስ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ ዳግም ምኻድ!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብኩሉ ኩሉ ፍሽለት ተሰሚዕዎም ንድሕሪት ብምንስሓብ ኣብ ናይ ቀደም ስራሖም ዝተመልሱ ሓዋርያት ኣይቋየቆምን፤ እኳ ደኣ ብርሕራሔን ሓልዮትን መርበባቶም ብትብ ዓት ናብ ባሕሪ ክድርብዩ የተባብዖም። ን ኣና እውን ኣብ ጒ ዕዞ ሕይወትና ባዶ ሰኪ ዔት ሒዝና ኩሉ ክሕርብተና እንከሎ ከክንዲ ደኒንካ ምንባዕ ምስ ኢየሱስ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ ሰኪዔትና ንምድርባይ እንደገና ብትብ ዓት ከምብሓዲሽ ክንጅምር ኣሎና፤ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ባዶ ሰኪዔት ወይውን ሕይውትና ትርጉም ኣልቦ ኰይኑ ኣብ ዝስመዓና እዋን ነዚ ንዘክር ኢሎም።

ፍቅሪ ክርስቶስ ክንዮ ኣተሓሳስባና ከይዶ ሓዲስ ምህዞ ይህብ!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ! እቲ ተስፋ ቈሪጹ ንብጾቱ መሪሑ ናብ ናይ ቀደም ስራሑ ዝተመልሰን ምሉእ ለይቲ ሰሪሑ ባዶ ሰኪዔት ሒዙ ዝተረፈን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀላይ ጥብርያርዶስ እቲ ንሰኪዔትኩም ናብ ባሕሪ ደርብይዎ እሞ ዓሳ ክትረኽቡ ኢኹም ዝበሎም ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ነገሮ ክዳኑ ተኸዲኑ ዘሊሉ ናብ ማይ ብም እታው ናብ ኢየሱስ ገጹ ክሕምብስ ተራእዩ፤ እዚ ተግባር ፍቅሪ እዚ ካብቲ ንግዜኡ ጠቃሚ ኰይኑ ዝረኤን ዝምቻኣካን ክትገብሮ ዘሎካን ሓሊፉ ሓዲስ ምህዞ ሂብዎ።

“ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ንዓና እውን ሓዲስ ዝላ ሓዲስ ምጅማር ክንገብር ንነፍስወከፍና ይ ዕድመና፤ ሠናይ ነገር እንክንርኢ ብዙሕ ከየውረድናን ከየደየብናን ካልኦት ክጅምሩ ከይተጸበናን ነግፈረግ ከይበልና ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ጠኒና ክንኣትዎ ይዕድመና። ንካልኦት ዘይምጽባይ ምኽንያቱ ን ኢየሱስ ክትረክብ ክትጐዓዝ እንከሎኻ ካብ ንቡር ክትወጽ እ ኣሎካ፤ ነዚ ኸኣ እንደገና ከምብሓዲሽ ንምጅማር ትብዓት ክህልወካ የድሊ፤ ንሓንቲኣ ቢልካ ጠኒንካ ምእታው የድሊ፤ እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ሓደ ናይ ልግሲ ስራሕ ንምግባር ጠኒነዶ እ ኣቱ ወይስ መኽሰብን ክሳራን ክጽብጽብ ኣብ ፍርህን ልማድን እሕጸር ቢልና ነስተንትን።”

ስምኦን ወዲ ዮና ‘ሕልፊ ኩሎም ተፍቅረኒዶ’!

ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ‘ስምዖን ወዲ ዮና ሕልፊ ኩሎም ተፍቅረኒዶ!’ ክብል ንዝሓተቶ ሎሚ ንዓና እውን ከምዘቅረቦ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሎሚ ንዓና እውን ተፍቅረንዶ! እናበለ ይሓተና ኣሎ፤ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ፋሲካ ልብና እውን ክትንሥ እ ይደልዮ! ከመይ ጉዳይ እምነት ጉዳይ ኣፍልጦ ዘይኮነ ጉዳይ ፍቅሪ እዩ፤ ኢየሱስ ንዓኻ ንዓኺ ንዓይ ተፍቅረንዶ! ቢሉ ይሓተና ኣሎ! ከመይ እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ባዶ ሰኪዔትስ ይኹን እቲ ዳግም ከምብሓዲሽ ሕይወት ከይንጅምር ኣሲሩ ሒዙና ዘሎ ፍርህን ጭንቅን ሰጊርና ጠኒና ክንኣትዎ ንዝግበኣና ፍቅሪ ትብ ዓት ስኢና ከይንህሉ ንዓይ ንኣኻ ንኣኺ ኮታስ ንኩልና ብሓባር ተፍቅረንዶ ኢሉ ይሓተና ኣሎ! ነዚ ትብዓት እዚ ዳግም ምርካቡ ኣይምሓሰመናን ኢሎም።”

ሃየ ትብዓት ዳግም ንርከቦ!

ቅዱስ ጴጥሮስ ተዓወት ኢልዎ ‘እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ’ እንክብል ኣብ ብርቱዕ ስምዒት ኰይኑ ብምምላሽ ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ሕይወቱ ክሳብ ምውፋይ በጽሔ። ንሕና እታ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነግፈረግ ከይበለት እሺ ሕራይ ዝበለት ድንግል ማርያም ነዚ ብሓዲሽ ኣብ ፍቅሪ ጐይታ ጠኒንካ ናይ ም እታው ትብ ዓት ንምርካብ ተማልደልና ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

02 May 2022, 13:03

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >