ዕለት ዕለት ዘጋጥሙና ጭንቀታት ንፍቅሪ ኣይዓፍኑ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ፍርህን ጭንቀትን ንኩሉ ኩሉ ከም እትዝንግዕ ገቢሩ ዘይሓሰብካዮ ጒዳይ ክሳብ ምፍጻም ከምዝበጽሕ ኣብነት ዝኾኑና ጴጥሮስን ብጾቱ ሓዋርያትን ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 21.1-19 ‘ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዚብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሐዙን። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና ኢየሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን’ ይብል እሞ ኣተሓሕዝ ኣቢሉ ‘እቲ ኢየሱስ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፥ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዔ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዐጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ’ እንክብል ይገልጽ።
ቅዱስነቶም እዚ ክፍሊ ወጊጌል ብቀንዱ ዘመልክቶ እቶም ሓደ ግዜ ገፈፍቲ ሰብ ክኾኑ ብኢየሱስ ምስ ተጸውዑ ንኩሉ ገዲፎም ዝሰዓቡ ድሕሪ ዓርቢ ስቅለት ግን ኩሉ ምስቅልቅል ኢልዎም ፍርህን ጭንቀትን እውን ወሪርዎም ዝገብርዎ ምስ ጠፍኦም ንድሕሪት ክምለሱ ኣብቲ ቀደም ዝገደፍዎ ሥራሕ ምግፋፍ ዓሣ ይምለሱ፤ ደጊም ምስ ጐይታ ዝራኸቡ ኣይመሰሎምን። እዚ ኩነት እዚ ንዓና እውን ብዙሕ ግዜ ዘጋጥም ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ዝበልዎ ምናልባት ድኻም ወይውን ብኩሉ ኩሉ ምፍሻል ወይውን ትህኪት ወዘተ ነቲ ዝገበርናዮ ዓበይቲ ምርጫታትን ውሳኔታትን ከም እንዝንግዕ ብዛዕባ ጐይታ ከምእንርስዕ ይገብሩና እሞ ኣብ ቀንጠመንጢ ንወድቅ ኢሎም።
ምስ ኢየሱስ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ ዳግም ምኻድ!
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብኩሉ ኩሉ ፍሽለት ተሰሚዕዎም ንድሕሪት ብምንስሓብ ኣብ ናይ ቀደም ስራሖም ዝተመልሱ ሓዋርያት ኣይቋየቆምን፤ እኳ ደኣ ብርሕራሔን ሓልዮትን መርበባቶም ብትብ ዓት ናብ ባሕሪ ክድርብዩ የተባብዖም። ን ኣና እውን ኣብ ጒ ዕዞ ሕይወትና ባዶ ሰኪ ዔት ሒዝና ኩሉ ክሕርብተና እንከሎ ከክንዲ ደኒንካ ምንባዕ ምስ ኢየሱስ ናብቲ ዓሚቊ ባሕሪ ሰኪዔትና ንምድርባይ እንደገና ብትብ ዓት ከምብሓዲሽ ክንጅምር ኣሎና፤ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ባዶ ሰኪዔት ወይውን ሕይውትና ትርጉም ኣልቦ ኰይኑ ኣብ ዝስመዓና እዋን ነዚ ንዘክር ኢሎም።
ፍቅሪ ክርስቶስ ክንዮ ኣተሓሳስባና ከይዶ ሓዲስ ምህዞ ይህብ!
ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ወንጌል ምልስ ይብሉ እሞ! እቲ ተስፋ ቈሪጹ ንብጾቱ መሪሑ ናብ ናይ ቀደም ስራሑ ዝተመልሰን ምሉእ ለይቲ ሰሪሑ ባዶ ሰኪዔት ሒዙ ዝተረፈን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቀላይ ጥብርያርዶስ እቲ ንሰኪዔትኩም ናብ ባሕሪ ደርብይዎ እሞ ዓሳ ክትረኽቡ ኢኹም ዝበሎም ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምዃኑ ቅዱስ ዮሓንስ ምስ ነገሮ ክዳኑ ተኸዲኑ ዘሊሉ ናብ ማይ ብም እታው ናብ ኢየሱስ ገጹ ክሕምብስ ተራእዩ፤ እዚ ተግባር ፍቅሪ እዚ ካብቲ ንግዜኡ ጠቃሚ ኰይኑ ዝረኤን ዝምቻኣካን ክትገብሮ ዘሎካን ሓሊፉ ሓዲስ ምህዞ ሂብዎ።
ስምኦን ወዲ ዮና ‘ሕልፊ ኩሎም ተፍቅረኒዶ’!
ኣብ ምዝዛም ትምህርቶም ቅዱስነቶም ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ‘ስምዖን ወዲ ዮና ሕልፊ ኩሎም ተፍቅረኒዶ!’ ክብል ንዝሓተቶ ሎሚ ንዓና እውን ከምዘቅረቦ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ሃየ ትብዓት ዳግም ንርከቦ!
ቅዱስ ጴጥሮስ ተዓወት ኢልዎ ‘እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ’ እንክብል ኣብ ብርቱዕ ስምዒት ኰይኑ ብምምላሽ ንኣገልግሎት እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ሕይወቱ ክሳብ ምውፋይ በጽሔ። ንሕና እታ ፍቃድ እግዚኣብሔር ነግፈረግ ከይበለት እሺ ሕራይ ዝበለት ድንግል ማርያም ነዚ ብሓዲሽ ኣብ ፍቅሪ ጐይታ ጠኒንካ ናይ ም እታው ትብ ዓት ንምርካብ ተማልደልና ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕረጉ።