ድለ

ንሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ጽን ቢልና ንስምዓዮ! ንከተሎ ከኣ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 8 ግንቦት 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምዕዳን ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክጽውዓና እንከሎ ጽን ቢልና ንስመዓዮ፡ ከመይ ንሱ ንዓና ዝሓሸ እንታይ ምዃኑ ካባና ንላዕሊ ስለዝፈልጥ ከም ሕያዋይ ጓሳና ክንክተሎ ንኽእል፣ ናይ ሎሚ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ነፍስወከፍናን ዘሎ ናይ ፍቅሪ ምትእስሳር ይገልጸልና’ እንክብሉ ነቲ ምሳሌ ሕያዋይ ጓሳ ብሰፊሑ ተንቲኖም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ እተቅርቦ ወንጌል ዮሓ 10 ኮይኑ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ስለዝዛረብ ካልኣይ ስም እዛ ሰንበት እዚኣ ሰንበት ሕያዋይ ጓስ እውን እያ። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ 59 ዓመት ይገብር ብዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 11 ሚያዝያ 1964 ዓም እዛ ሰንበት እዚኣ ዓመት መጸ ዓለምሓቆፍ ዕለተ ጸሎት ስለ ጸዋዕታ ክትከውን ብምውሳኖምን ንዕለቱ ዝኸውን መልእኽቲ እውን ብምትሕልላፎምን ዓመት መጸ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ዕለት እዚኣ ዝኸውን መልእኽቲ ብምጽሓፍን ኣብ ዕለቱ ኣብ ጸሎት ብምጽንባርን ሰለዝዝክርዋ ንሎምዘመን እውን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት ኣብ ናይ ትማሊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ንግሥተ ሰማያት እውን ኣብነት ሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ተኸቲሎም ኣባግዑ ዚጓስዩ ክርከቡ ክጽለ ልዕሊ ኩሉ ግን እተን ኣባግዕ መርዔት ነቲ ወትሩ ምስ ኣባግዑ ብምዃን ዝጓስን ዝመርሕን ጐይታ ድምጹ ክሰምዓ ኣለልዮኦ ክኽእላ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክስዕባኦ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።

ጽን ቢልካ ምስማዕ! ኣለሊኻ ምኽኣል! ኣሰሩ ምስዓብ!

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ጠባያት ሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ምስ ገለጹ ካባና ንሱ ዝጽበዮ ጽን ቢልካ ምስማዑ ድምጹ ኣለሊኻ ምኽኣሉ ምስዓቡ ዝብላ ሰለስተ ዓናቅጽ ብምጥቃስ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ክንገብሮ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ ገሊጾም።

እዘን ሰለስተ ቃላት እዚኤል ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐሊሐን ዝስምዓ ኰይነን ድምጺ ጐይታ ውህደት ዝህብ ጸጋ ዝሓዘለ ኰይኑ ክትሰምዖን ክተለልዮን ዘሎካ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምሳኡ ርክብ ንክትገብር ዝዕድመን ኣሰሩ ንክትስዕብ ዝድግፍን ጸጋ እውን ከምዝውንን ምስ ኣብርሁ፣ ኣብ ናይ ሎሚ መነባብሮ ስድራቤተኣት ብሥራሕን ጉዳይን ቤተሰብን ግላዊ ጉዳያትን ኣብ ምጭንናቅ ስለዝርከብ ሓንሳብ ደው ክንብል እሞ ከም ሓደ ድምጺ ኣቦኡ ክሰምዕ ውጥምና ዝሕዞ ቈልዓ ልቡን እዝኑን ከፊቱ ዝሰምዕ ድምጺ ጐይታ ንስማዕ እሞ ምሳኡን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውህደት ንክፈጥር ከኽእለና እዩ።

“ንድምጺ ኣምላኽ ሰሚዕና ኣለሊና ምስ እንክስዕቦ ነስተማቅሮ ቀዳማይ ጸጋ ጐይታ ባዕሉ እውን እንክንጽሊ ጽን ቢሉ ከምዝሰምዓና ብኣኡ ተኣማሚንና ጸገምና እንክንገልጸሉን እንክንጽውዖን ብኡ ንብኡ ከምዝምልሰልናን ንርኢ። ከመይ ንሱ ነባግዑ ይፈልጠን እዩ ኢሎም።”

ጐይታ ነባግዑ ይፈልጠን እዩ!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ንጐይታ ጽን ቢልካ ብምስማዕከስ ብኣኡ ከም እትልለን ከም እትፍለጥን ስለዝገብር ‘ነባግዔይ እፈልጠን እየ’ ይብል፣ ብቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ምፍላጥ ክብል እንከሎ ምፍቃር ኰይኑ ጐይታ ኣብ ውሽጢ ልብና ንዘሎና ውሳጣዊ ህላዌናን ህልናና ኩሉ ኩሉ ይፈልጥ ማለት እዩ። ኢየሱስ ዕርክነትና እምነትና ፍቅርና ቅርበትና የድልዮ እዩ፣ በዚ ከኣ በይንና ከምዘይኮናን ወትሩ ከምዘፍቅረናን ክንርዳእን ነዚ ጸጋ እዚ ሃንጐፋይ ቢልና ምቅባልን ከም እንኽእል ገሊጾም።

ምስ ሕያዋይ ጓሳና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባርከስ ነቲ መዝሙረ ዳዊት 23.4 ‘በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ’ ዝበሎ ከም እነስተማቅር ይገብረና።

“ጐይታ ኣብ ስቃያትናን ጸገማትናን ቅልውላዋትናን ወትሩ ምስ ደገፈና እዩ! ምናዳ ኸኣ ንሱ ከምዝፈልጠናን ከምዘፍቅረናን ምርዳእ ክጽግመና እንከሎ ኣብ ጐድንና ኣሎ። ኣብ ሕልናና ምልስ ቢልና ጐይታ ክበጽሓናን ክዛረበናን እንክመጽእ ልብና ከፊትና ከም እንቅበሎን ንኩሉ ፈተናታትናን ጸገማትናን ነካፍሎ እንተኾናን ንሕተት እሞ ዘይንገብሮ እንተኾና ንግበሮ እሞ ሽዑ ቅርበትን ርሕራሔን ሓልዮትን ናይ ሕያዋይ ጓሳና ክነስተማቅር ኢና፣ ስለዚ ንስዓቦ ኢሎም።”

ንሕያዋይ ጓስ ሰዓብዎ!

ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ቅዱስነቶም ናብታ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ ምስዓብ እትብል ብምትኳር እዚ ምስዓብ እዚ ነታ ጐይታ ዝተጓዕዛ መንገዲ ኣሰር ኣሰሩ እናረኤኻ በታ ንሱ ዝተጓዕዝ ምጉዓዛ  የድሊ። ከምቲ ንሱ ከም ሕያዋይ ጓስ ንዝጠፍኡን ርሕራሔን ፍቅርን ንዘድልዮም ዘናዲ እቶም ሰዓብቱ እውን ነዚኦም ከናድዮ ኣለዎም።

“እዚኦም ክገብርዎም ዘለዎም ከምቲ ኣብ ምሳሌ ጥፍእቲ በጊዕ ን99 ገዲፉ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ዘናዲ ንዝጠፉ ከናድዩ ኣለዎም (ሉቃ 15.4) እዚ ማለት ነቶም ካባኡ ርሒቆም ክነብሩ ዝፍትኑ ንኩነታት እቶም ዝሳቀዩ ከም ናትካ ገርካ ምግዳስ ምስ ዝበኽዩ ከመይ ገቢርካ ከምዝብከ ብምፍላጥ ናብቶም ዝተወጽዑ ጐረባብቲ ብምዃድ ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ነታ ዝረኸባ ጥፍእቲ በጊዕ ኣብ እንግዳዑ ዝስከማ ኣብ እንግዳዖም ክስከምዎም ኣለዎም ኢሎም።”

ኣብዚ እውን ንኢየሱስ ክንመስል ክሳብ ክንደይ ድላይ ከምዘሎና ከምእንጽዕርን ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና እንተሓተትና ኣይሓምሓሰመናን! ቅድስት ድንግል ማይራ ንኢየሱስ ጽን ቢልና ክንሰምዕን ድምጹ ክነለልን ኣብ መንገዲ ኣገልግሎት ክንስዕቦን ትሓግዘና ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!
09 May 2022, 13:08

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >