ንሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ጽን ቢልና ንስምዓዮ! ንከተሎ ከኣ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ እተቅርቦ ወንጌል ዮሓ 10 ኮይኑ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ስለዝዛረብ ካልኣይ ስም እዛ ሰንበት እዚኣ ሰንበት ሕያዋይ ጓስ እውን እያ። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ 59 ዓመት ይገብር ብዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዕለት 11 ሚያዝያ 1964 ዓም እዛ ሰንበት እዚኣ ዓመት መጸ ዓለምሓቆፍ ዕለተ ጸሎት ስለ ጸዋዕታ ክትከውን ብምውሳኖምን ንዕለቱ ዝኸውን መልእኽቲ እውን ብምትሕልላፎምን ዓመት መጸ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነዛ ዕለት እዚኣ ዝኸውን መልእኽቲ ብምጽሓፍን ኣብ ዕለቱ ኣብ ጸሎት ብምጽንባርን ሰለዝዝክርዋ ንሎምዘመን እውን መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት ኣብ ናይ ትማሊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ንግሥተ ሰማያት እውን ኣብነት ሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ተኸቲሎም ኣባግዑ ዚጓስዩ ክርከቡ ክጽለ ልዕሊ ኩሉ ግን እተን ኣባግዕ መርዔት ነቲ ወትሩ ምስ ኣባግዑ ብምዃን ዝጓስን ዝመርሕን ጐይታ ድምጹ ክሰምዓ ኣለልዮኦ ክኽእላ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክስዕባኦ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም።
ጽን ቢልካ ምስማዕ! ኣለሊኻ ምኽኣል! ኣሰሩ ምስዓብ!
ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ጠባያት ሕያዋይ ጓሳና ኢየሱስ ምስ ገለጹ ካባና ንሱ ዝጽበዮ ጽን ቢልካ ምስማዑ ድምጹ ኣለሊኻ ምኽኣሉ ምስዓቡ ዝብላ ሰለስተ ዓናቅጽ ብምጥቃስ ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ክንገብሮ ዘሎና ቀንዲ ጉዳይ ገሊጾም።
እዘን ሰለስተ ቃላት እዚኤል ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ጐሊሐን ዝስምዓ ኰይነን ድምጺ ጐይታ ውህደት ዝህብ ጸጋ ዝሓዘለ ኰይኑ ክትሰምዖን ክተለልዮን ዘሎካ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምሳኡ ርክብ ንክትገብር ዝዕድመን ኣሰሩ ንክትስዕብ ዝድግፍን ጸጋ እውን ከምዝውንን ምስ ኣብርሁ፣ ኣብ ናይ ሎሚ መነባብሮ ስድራቤተኣት ብሥራሕን ጉዳይን ቤተሰብን ግላዊ ጉዳያትን ኣብ ምጭንናቅ ስለዝርከብ ሓንሳብ ደው ክንብል እሞ ከም ሓደ ድምጺ ኣቦኡ ክሰምዕ ውጥምና ዝሕዞ ቈልዓ ልቡን እዝኑን ከፊቱ ዝሰምዕ ድምጺ ጐይታ ንስማዕ እሞ ምሳኡን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውህደት ንክፈጥር ከኽእለና እዩ።
ጐይታ ነባግዑ ይፈልጠን እዩ!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ንጐይታ ጽን ቢልካ ብምስማዕከስ ብኣኡ ከም እትልለን ከም እትፍለጥን ስለዝገብር ‘ነባግዔይ እፈልጠን እየ’ ይብል፣ ብቋንቋ ቅዱስ መጽሓፍ ምፍላጥ ክብል እንከሎ ምፍቃር ኰይኑ ጐይታ ኣብ ውሽጢ ልብና ንዘሎና ውሳጣዊ ህላዌናን ህልናና ኩሉ ኩሉ ይፈልጥ ማለት እዩ። ኢየሱስ ዕርክነትና እምነትና ፍቅርና ቅርበትና የድልዮ እዩ፣ በዚ ከኣ በይንና ከምዘይኮናን ወትሩ ከምዘፍቅረናን ክንርዳእን ነዚ ጸጋ እዚ ሃንጐፋይ ቢልና ምቅባልን ከም እንኽእል ገሊጾም።
ምስ ሕያዋይ ጓሳና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምንባርከስ ነቲ መዝሙረ ዳዊት 23.4 ‘በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ’ ዝበሎ ከም እነስተማቅር ይገብረና።
ንሕያዋይ ጓስ ሰዓብዎ!
ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ቅዱስነቶም ናብታ ሳልሰይቲ ዓንቀጽ ምስዓብ እትብል ብምትኳር እዚ ምስዓብ እዚ ነታ ጐይታ ዝተጓዕዛ መንገዲ ኣሰር ኣሰሩ እናረኤኻ በታ ንሱ ዝተጓዕዝ ምጉዓዛ የድሊ። ከምቲ ንሱ ከም ሕያዋይ ጓስ ንዝጠፍኡን ርሕራሔን ፍቅርን ንዘድልዮም ዘናዲ እቶም ሰዓብቱ እውን ነዚኦም ከናድዮ ኣለዎም።
ኣብዚ እውን ንኢየሱስ ክንመስል ክሳብ ክንደይ ድላይ ከምዘሎና ከምእንጽዕርን ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና እንተሓተትና ኣይሓምሓሰመናን! ቅድስት ድንግል ማይራ ንኢየሱስ ጽን ቢልና ክንሰምዕን ድምጹ ክነለልን ኣብ መንገዲ ኣገልግሎት ክንስዕቦን ትሓግዘና ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።