ድለ

ሽማግለታት ኣብ እምነት ክሳብ መወዳእታ ጽንዓት ይምህሩና! ር.ሊ.ጳ

ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ‘ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ ዚኽልክለካ ኸም ዜልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዐልክዎ፡ ንኣይ እምብዛ ዜገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛሪበ። ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሀረኒ። ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ። ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ።’ … እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ፡ ሹድሽተ ሽሕ ገመል፡ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ። … ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሔ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ።’ (ኢዮ 42.1-6,1

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ክንበብ ዝሰማዖናዮ መጽሓፈ እዮብ ኣብ ኩሉ ሰብ ዝበጽሕ ዕድመ ሽምግልና ዝገልጽ ክፍሊ እዩ፤ ኣብዚ ብዛዕባ ሽምግልና ኣብ እንገብሮ ትንተና ኣብ እዮብ ከም ምስክር እምነት ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዓደሎ መሪር ጽዋዕ ሱቊ ቢሉ ዝቅበል ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ክፍኣተ ግብሪ ዝግዕርን እግዚኣብሔር ክሳብ ዝምልሰሉን ገጹ ዝመልሰሉን ኣውያቱ ዘየቋርጽ እዩ። እግዚኣብሔር ከኣ ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ብሃንደበትን ኣደናቂ ዝኾነ ኣገባብን ይምልሰሉ፤ ንእዮብ ክብሩ ይገልጸሉ ነዚ ግን ብተጽዕኖ ዘይኮነ ብልዑል ርሕራሔ እዩ፤ እግዚኣብሔር ወትሩ ብርሕራሔ እዩ ዝምልሸልና። ብዘይምንም ምስትምሳል ንገዓር እዮብ ንምርዳእ ነዘን ገጻት ናይዚ መጽሓፍ ተጠንቂቅካ ምንባበን የድሊ፤ ምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርዲ ክህሉ የብሉን፤ ንዘጋጥመና ወደር ኣልቦ ፈተናታት ሞራልን ንዘሎካ ኩሉ ብምጥፋእ ዘጋጥም ፈተና ተስፋ ቊርጸትን ንምስዓር ኣብ ተመኲሮ እዮብ ምሕባር ኣይክሓስመናን እዩ።

ኣብዚ መዛዘሚ ክፍሊ መጽሓፍ እዮብ እንክነስተንትን ታሪኽ እዮብ ኩልና ከም እንዝክሮ ሃብቱን ንብረቱን ደቁን ኩሉ ኩሉ ስኢኑ ኣብ መወዳእታ ሕማም ንሕማም ኰኑ ብኣቊሳል ማሲኑ ፈተና በዓልቲ ቤቱ ሰጊሩ ምስ ኣርባዕተ ከጸናን ዕዎ ዝመጽሑ ኣዕሩኽቱ እንክዛተ ኣብ መወዳእታ ከኣ እግዚኣብሔር ክበጽሖ ንምልከት፤ እዛ ሎሚ ነስተንትነላ ዘሎና መዛዘሚት ክፍሊ ከኣ እቲ ኩሉ ምስ ኣዕሩኽቱ ዝግበር ዝነበረ ጒዕዞ ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ ዘሰናዱ ከምዝነበረ ንግንዘብ፤ እዮብ ብኩሎም ዝነኣደሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ነቲ ድሕሪ ሱቊታ ኣምላኽ ተሓቢኡ ዘሎ ምሥጢር ርሕራሔ ኣምላኽ ክርዳእ ብምኽ ኣሉ እዩ። እግዚኣብሔር ነቶም ኩሉ ዝፈልጡ ዝመስሎም ዝነበረ ኣዕሩኹቱ ማለት ብዛዕባ እግዚኣብሔርስ ይኹን ብዛዕባ ስቃይን ንኩሉ ዝፈልጡ ዝመስሎም እሞ ን እዮብ ከጸናኖኡ ዝፍትኑ ዝነበሩ ይወቅሶም፤ እዚ ከኣ በቲ ዓቅሞም ዘፍቅደሎም መዔቀኒታት ክፈርዱ ብምፍታኖም እዩ። ካብ ከምዚ ዓይነት ብድዔን ግብዝናን እግዚኣብሔር ይሰውረና፤ ካብ ከምዚ ዓይነት ሞራላዊ ሃይማኖትን ሕጋውነት ዘኽርር ሃይማኖትን እሞ ኣብ ምስትምሳልን ፈሪሳውነትን ግብዝናን ዘውድቅ ሃይማኖት ይሰውረና።

እግዚኣብሔር ን ኣተሓሳስባ እዞም ሰባት ብከመይ ከምዝምልሶ ንመልከት፤ እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንኤሌፋዝ ቴማናዊ ‘ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ። ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዚግባእ ኣይክገብርን እየ’ (42.7-8) ይብሎ፤ ን ኣዕሩኽቲ እዮብከስ እግዚኣብሔር ነዚ ይብሎም። መግለጺ እግዚኣብርሔ ወትሩ ሃንደበታውን ኣደናቅን እዩ፤ ቃላት እዮብ ልቢ ዝትንክፉን ናይ ክሕደት ቃና ዘለዎን እዮም ዝመስሉ፤ እንተኾነ እዮብ ብቊጥዓ ምስ እግዚኣብርሔ ከይተረፈ እንተተዛረበ እግዚኣብሔር ግን ንእዮብ ጽቡቅ ተዛሪብካ ይብሎ። ከመይ እግዚኣብሔር ዘሳቂ ኣምላኽ ኣይኮነን ቢሉ ተቃዊሙ፤ እግዚኣብርሔሲ ካልእ ጉዳይ እዩ በለ፤ ነዚ ሠናይ ቃላት እዮብ ከኣ እግዚኣብሔር ስለእቶም ሕሱማት ኣዕሩኽቱ ክጽሊ ይሓቶ እሞ ናይቲ ዝነበሮ ሃብቲ ዕጽፊ ይሽልሞ።

ሓቀኛ ለውጢ እምነት እዮብከስ ኩሉ ኩሉ ተወዲእዎ ብቊጥዓ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ናይ ልቡ ክዛረብ ምስ ጀመረን ‘ግናኸ እቲ ዚብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡ ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኪቐውም እዩ። እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍኤ ድማ፡ ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ። ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ኪርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን። ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሐቒቑ’ (19,25-27) ምስ በለን ነበረ። እዛ መል እኽቲ እዚኣ ጽብቅቲ እያ፤ ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝብለኒ ሀንደል ናይ ዝበሃል ደራሲ እቲ መሲሕ እትብል ድርሰት ኣብ ፍጻሜ በዓል ‘መድሓኒየይ ህያው ከምዝኾነ እፈልጥ እዩ’ እትብል ዜማ እያ፤ በዚ ከምዚኸስ ድሕሪ እቲ ኩሉ ስቃይን ሓጐስን ድምጺ እግዚብሔር ወደር ኣልቦ እዩ፤ ‘መድሓኒየይ ህያው ከምዝኾነ እፈልጥ እዩ’ ቢልካ ምት እምማን ዝበለጸት ነገር እያ። ነዚ ከምዚ ቢልና ክንትርጉሞ ንኽ እል ‘ኦ ኣምላኸይ ንስኻ መሳቀዪ ከምዘይኮንካ እፈልጥ እዩ፤ ኣምላኸይ ክመጽ እ እዩ ፍትሒ ከኣ ከውጽ ኣለይ እዩ’፤ እዚኣ ገርሀይና እምነት ኣብ ትንሣኤ ጐይታ ኰይና ገርሀይና እምነት ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶ ተኣንጊባ ጐይታ ወትሩ ከምዝጽበየናን ከድሕነና ከምዝመጽ እን እተረጋግጽ እያ።

ምሳሌ እዮብከስ ነቲ ኣብ መነባብሮ ብሓቂ ዝወርድ ጉዳያት ድራማውን ኣብነታውን ብዝኾነ መንገዲ የቅርበልና። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓደ ግለሰብ ወይውን ስድራቤት ወይውን ብኣልማማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሕዝቢ ዝወርድ ከቢድ ፈተናታት ኮይኑ ምስ ኩነትን ዓቅምን ተኣፋፍነትን ደቂሰባት ዘይመዛዘን ፈተናታት እዩ። ኣብ መነባብሮ ብዙሕ ግዜ ነቲ ዝጠልቀየስ ዝናም መሊሱ ይጭፍጭፎ ንብል፤ ምናዳ ንገሊኦም ሰባት ክን ዕዘብ ዝወርዶም ፈተና ልዕሊ ዓቅሞምን ኢፍትሓውን እዩ ንምባል ዘድፍር ኣሎ፤ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዓይነት ፈተና ዝደሃኹ ከኣ ብዙሓት ኣለው።

ከምዚ ዘጋጠሞም ሰባት ኩልና ኣጋጢሞምና እዮም፤ ብገዓሮም ተጨኒቅና ኢና እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ጭንቂ እንከለው ዘር ኣይዎ ጽንዓት እምነትን ብሱቊታ ዝገልጽዎ ፍቅርን ከኣ የደንቀና። ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ዝብሉኒ ዘይሓዊ ስንክልና ዘለዎ ውሉድ ዝናብዩ ስድራቤታት ወይውን ኪሓዊ ዘይክእል ኣባል ስድራቤቶም ክሳብ መወዳእታ ከሰንዩ ዝቃለሱ ስድራቤታት ወዘተ እዩ፤ ዝገደደድ ከኣ ብድኽነት መሊሱ ክገድድ እንከሎ ኣብ ገገሊኡ ብዝሑ ክትር ኢ እንከሎኻ ታሪኽ ዘጋጥሞ ሓባራዊ ቆጸራ ኰይኑ ይረኣየካ፤ ኣብዚ ዓመታት እዚ ዝረኣናዮ ጉዳይ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝገደደ ከኣ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና ውግ እ ኡክራይና ወዘተ።

ነዚ ዕሉል ፍጻሜታት እዚ ክንዮ ኣተሓሳስባ ተፈጥሮን ታሪኽን እዮም ቢልናዶ ክንፈርዶም ንኽእል! ብ ዓይኒ እምነትከ ነዚ ኣደራዕ ዝሽከሙ ብሓጢኣቶም እዩ ቢልና ክንፈርድን ነቲ ዓመጽ ክንባርኽንዶ ንኽእል! ኣይፋልን! ክንገብሮ ኣይንኽእልን! ኣብ ቅድሚ ምሥጢረ ክፍኣት ንኩሉ ግዳይ ናይዚ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝህቦ መሰል ተቃውሞ ኣሎ፤ ኣብ ዕምቈቱ ምስ እንኣቱ ከኣ ጐይታ ባዕሉ እዩ ዝገልጾ፤ ሓንሳእ ሓንሳእ ሰባት ቅርብ ይብሉኒ እሞ ‘ኣባቴ ኣነ ምስ ኣባጅጎ ተቋዩቈ ከመ እዝን እዝን ጸገም ስለዘጓነፈኒ’ ይብሉኒ፤ ኣነ ከኣ ‘ቈየቋ ብግቡእ መንገዲ እንተገርካዮ ጸሎት ምዃኑ ትፈልጥዶ! ንኣብነት ሕጻናት ማለት ውሉድ ተጻይ ወለዶም እንከዕገርግሩ ኣተና ወለዶምን ሓገዞምን ደልዮም እዮም፤ ንስኻ እውን ኣብ ልብኻ ከማኡ ዓይነት ቊስሊ እንተልዩካ እሞ ኣዕገርግር ዝብል መንፈስ እንተተሰሚዑካ ዋላ ተጻይ እግዚኣብርሔ ኣዕገርግር እግዚኣብሔር ክሰም ዓካ እዩ ከመይ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፤ ብናይ ቈየቋ ጸሎት ዝስንብድ ኣምላኽ ኣይኮነነ! ንኩሉ ኩሉ ዝርዳእ ኣምላኽ እዩ፤ ሓራ ኩን! ኣብ ጸሎትካ ሓራ ኩን! ንጸትሎ እሱር ናይ ቅድመ ኩነታዊ ሥርዓታት ኣይትግበሮ፤ ጸሎትሲ ከምቲ ሓደ ውሉድ ንወላዲኡ ዘቅርቦ ልመና ካብ ልቢ ዝነቀለ ገርሀይናን ሃንደባታዊ ኩሉ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዝገልጽን ክኸውን ኣለዎ፤ ዳርጋ ንወላዲኻ ክተረድእ ኣብ ኣፍካ ዝመጸካ ምዝራብ እዩ ክኸውን ዘለዎ እብሎም። ኣብ መጽሓፍ እዮብ ምልስ ቢልና እንክንዕዘብ ኣብቲ መጀመርያ እግዚኣብሔር ዘር እዮ ሱቊታ ነዚ የረድእ፤ እግዚኣብሔር ምስ እዮብ ኣይማጐትን ቈየቋኡ ከራግፍ ይሓድጎ ጽን ቢሉ ከኣ ይሰምዖ፤ ንሕና እውን እንተኾነ ነዚ ዓይነት ኣቀራርባን ርሕራሔን ካብ እግዚኣብሔር ክንመሃር ኣሎና፤ ንእግዚኣብሔር ከምቲ ኣዕሩኽ እዮብ ዝገብርዎ ዝርዝር ዘረባን መገልጺታትን ባህ ኣይብሎን፤ እዚ ንጹሕን ቅኑዕን ናይ ዘይኮነ መልሓስ ኰይኑ ፍረ ናይቲ ንኩሉ ብሥርዓታት ዘወራርቅን ዝቀናጁን ልቢ ግን ከም በረድ ዘዝሕል ሃይማኖት እዩ፤ ን እግዚኣብሔር ዘሐጒሲ ቈየቋ እዮብን ሱቊታኡን እዩ።

ምስክርነት እምነት እዮብከስ ፍጹም ፍትሒ ንክረክብ ናብ እግዚኣብርሔ ካብ ዘቅርቦ ዘየቋርጽ ጥርዓኑን ገዓሩን ይውለድ እሞ ከም ሓደ ሰቂለ ሕልናዊ ተመኲሮ ይዛዘም፤ በዚ ከኣ ‘ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ’ (42.5) ከምዝብል ከኣ ትገብሮ። ክንደይ ሰባት ክንደይከ ካባና ሕማቅ ኣጋጣሚ ኣጋጢሙና ጸልማት ምስ ከበበና ቁሩብ ንቅድሚት ስጉም ኣቢልና ንኣምላኽ ብዝበለጸ ክንፈልጦ ዘይከኣልና፤ ምከ እዮብ ‘ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ’ ክንብል ንኽእል። እንተደኣ ሽምግልና ንኩሉ ብቅኑዕ መንገዲ ምናዳ ነተን እናኸበዳ ዝመጻ ተኣፋፍነትን ንኩሉ ምስኣንን ክስከም ክኢሉ እዛ ምስክርነት እዚኣ ተኣማኒት ትኸውን፤ ሽማግለታት ኣብ ምሉእ መዋእሎም ብዙሕ ርእዮም እዮም፤ ጥልመት መብጽ ዓታት ደቂሰባት ርእዮም! ናይ ሕጊ ሰባት ናይ ሳይንስ ሰባት ናይ እምነት ሰባት ከይተረፉ ን ኣሳዳዲ ምስ ግዳይ ብምድንጋር ንኩሉ ጾር ስቃይ ኣብ ልዕሊ ዝሳቀ ጽዒኖም ፍርዶም ክህቦ ር እዮም! እንተኾነ ይጋገዩ።

ነዛ ንዘሎካ ኩሉ ብምጥፋእ እትስዕብ ኣተለ በቀል ናብ ጽኑዕ ትጽቢት ተስፋ እግዚኣብሔር እትልውጥ ናይ እዮብ መንገዲ ምስክርነት እምነት ዝረኸቡ ሽማግለታት ኣብ ሓንቲ ማሕበረሰብ ንክፍ ኣተ ግብሪ ንምቅላስ መተካእታ ኣልቦ ት ዕድልቲ እዮም፤ ካብ ኣተለ በቀል ናይ ዘሎካ ኩሉ ምጥፋእ ናብ ተስፋ እግዚኣብሔር ንምስዓብ ዝግበር ጽን ዓት ሓደ ለውጢ ኣሎ። ናብ መስቀል ክርስቶስ ኣተኲሩ ዝጥምት ኣዕይንቲ ኣመንቲ ነዚ እየን ዝመሃራ፤ ንሕና እውን ካብ ብዙሓት ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣብ ከቢድ ግዜ ከምቲ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቀል ኰይና ናብ ኣቦኡ ዝውፈ ንዝነበረ ወዳ ጸሎት ምሕባር ክንመሃር ኣሎና። ንሽማግለታትና ብ ዓይኒ ፍቅሪ ንጠምቶም! ናይ ግሊ ተመኲሮታቶም ንመልከት! ኣብ ሕይወቶም ብዙሕ ዝተሳቀዩ ሰባት እዮም፤ መነባብሮ ብዙሕ ዝመሃሮም ሰባት እዮም፤ ብዙሕ ዘሕለፉ ክንሶም ኣብ መወዳእታ እዛ ዝለዓለት ሰላም ክንብላ እንኽእል ምስ እግዚኣብሔር ብምርኻብካ እትርከብ ሰላም ይውንኑ እሞ ‘ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ’ ክብሉ ዝኸኣሉ እዮም። እዚኦም ሽምግለታት እዚኦም ነታ ወዲ እግዚኣብሔር ኣብ ዕፀ መስቀል ናብ ኣቦኡ እንክውፈ ዘላ ሰላም ትመስል እግዚኣብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 May 2022, 13:49
ንኩሉ ኣንብብ >