ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ዝህቦ ሓጐስ ፈጺሙ ዘይንክይን ምልኡን ዘይቅድመ ኵነታውን ኢዩ!

እታ ኣብ ቃና ዘገሊላን ወትሩ ጽን ቢላ እተከታተል ኣደ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝፈጸሞ ስራሕን ተኣምራቱን ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ትሓግዘና!

ኣምላኽ ንኣና ደላይ እቲ ዝበለጸ  ሕጉሳት ክንከውን ድማ እዩ ዚደልየና - ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ኣጸድ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓባር ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 2, 1- 11 ዝተወስደ ብዛዕባ መርዓ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝዛረብ ምንባብ መሰረት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር “ነቲ ተራ ሰባት ዜድልዮም ቀሊልን ጭቡጥን ነገር ናይ ምርኻብ ኵነት” እዩ ዘነጽር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣዚዩ ፍሉጥ ካብ ዝኾኑ ጥቕስታት እቲ ሎሚ ኣብ ቃና ዘገሊላ ብዛዕባ እተፈጸመ መርዓ ዚገልጽ ኣብ ቅዳሴ ዝተነበ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 2 እተወስደ ምንባብ እዩ። ኣብኡ ኢየሱስ ማይ ናብ ወንይኒ ብምቕያር ንሰብ ሓዳር ጽምኢ ሓጐሶም ኣርወየሎም። እዚ ኢየሱስ “ዝፍጸሞ ቀዳማይ ተኣምር ክኸውን እንከሎ ኣብኡ ድማ ክብሩ ኣርኣየ ደቀ መዛሙርቱ እውን ብኣኡ ኣመኑ፥”

ሓይሊ ናይቲ ዝፈጸሞ ተኣምር

ኣብቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ ምንባብ ብዛዕባ ተኣምር ፍሉይ ሓይልን ወይ ከኣ ከም ሓያል ተግባርን ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ተኣምር ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ዘለዓዓሎ እምት እዩ ዝዛረብ። ስለዚ ቅዱስነቶም ናይቲ ተኣምር መሰረታዊ ምልክትን መልእኽትን፥

ፍቕሪ ኣምላኽ ዝገልጽ ኣፋፍኖት እዩ፡ እዚ ኸኣ ንሓይሊ ናይቲ ተኣምር ዘይኰነስ ብዛዕባ ነቲ ተኣምር ክፍጽም ዘለዓዓሎ ፍቕርን ነቲ ተኣምር ንኽፍጽም ዝቶኽቶኾ ጒዳይን እዩ ዘመላኽት። ብዛዕባ እቲ ወትሩ ቀረባን ለዋህን ርሕሩሕን ዝዀነ ፍቕሪ ኣምላክ ይምህረና፡ እቲ ቐዳማይ ምልክት ክልተ ሰብ ሓዳር ኣብታ ልዕሊዅሉ ኣገዳሲት ዝዀነት መዓልቲ ህይወቶም ኣብ ሽግር ከም ዝነበሩ የርእይ። ኣብቲ ዝፈልጥዎም ኵሎም ዝተዓደምሉ መርዓ እዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይጐድል ስለዚህ ኣብቲ መዓልቲ ሓጐሶም ሓጐስ ከይህሉ ዝገብር ኵነት የጋጥሞም። . . .

እቲ ተኣምር ነዚ ኵሉ እዚ ከነስተውዕል ይምህረና።

እግዚኣብሔር ብቅርበትን ብምስትውዓልን ስጒምቲ ይወስድ

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዛዕባ እቲ ዝጐደለ ነገር በቐዳምነት ዘስተብሃለት እያ። ስለዚህ ንኢየሱስ ብዛዕባ እቲ እተማልዶ ነገር እትሕብረሉን እትሓተሉን መገዲ ከኣ ኣገባብ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ምስትውዓል እዩ።

ኢየሱስ በቲ ብማርያም እተወሃቦ ሓበሬታ መሰረት ጣልቃ ይኣትው። ኵሉ እቲ ዝፈጸሞ ከኣ ድሕሪ መጋረጃ እዩ ዝተፈጸመ፡ ኢየሱስ ነቶም ኣገልገልቲ መርዓ ነቲ ኣጋንእ ብማይ ኪመልእዎ ነገሮም፡ ነቲ ማይ ከኣ ናብ ወይኒ ይቕየሮ። ኣምላኽ ብቕርበትን ብምስትውዓልን እዩ ዝዓዪ። ደቀ መዛሙርቱ እውን ሳላኡ እቲ መርዓ ባህ ዘብል ኮይኑ ረኸብዎ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝወሰዶ ስጒምቲ ማለት ብቐረባ ዝረኣዩ እውን እዮም፡ ኢየሱስ ይሕግዘናን ብዘይ ርኣዩለይን ስምዑለይ እንካን ሃባን ብጽሞናን ተሓቢኡን ትሒቱን ድማ የገልግለና፡ . . . እቲ ኣዚዩ ጥዑም ዝኾነ ወይኒ ዝጠዓሙ ዕዱማት ስለ እቲ ጥዑም ወይኒ ነቶም መራዑት እያቶም ዘመስግኑ፡ እቲ ዝተፈጸመ ዅነት ብቐረባ ዝረኣዩ ደቀ መዛሙርትን እቶም ኣገልግልትን እያቶም ዝነበሩ። ኣብ ኣቶም ድማ እምነት የጠጥዕን ማለት ኣብ ኢየሱስ ህላዌ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ምስትውዓል ክህሉ ይገብር።

ንተራን ጭቡጥን ሰብኣዊ ድልየት ናይ ምርኻብ ምልክት

እቲ ዝተፈጸመ ተኣምር ኣብ ቃና ዘገሊላ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ መርዓ እምበር ኣብቲ ምዕሩግን ውሩይን ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ኣይኰነን ዝተፈጸመ። ተራ ሰባት ዘድልዮም ተራን ጭቡጥን ነገር ዘማእክል ተግባር። ጽሞናን ርአዩለይን ስምዑለይን ኣንካን ሃባን ዘይብል ተግባር፥

ኢየሱስ ከተንስኣናን ክድግፈናን ድሉው እዩ። ነቲ ዝፈጸሞ ኣብ ሕይወትና ዝሰርሖ ተኣምርታት ኵሉ ጽን ቢልና ንከታተሎ እንተድኣ ኴይንና ከኣ ብፍቕሪ ንስዓር ደቀ መዛሙርቱ ድማ ንኸውን!

ኢየስሱ ዝህበና ሓጐስ ምሉእን ዘይቅድመ ኵነታውን እዩ

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ኣብ ቃና ዘገሊላ ዝፈጸሞ ተኣምር ካልእ ዘመላኽቶ መዳይ እንታይ ምዃኑ እንሕብሩ፥ ኢየሱስ ነቲ ተኣምር ንኽፍጽም ዝተጠቐመሉ ኣገባባት እዩ ቢሎም፥ ብሓፈሻኡ ኪርአ እንከሎ እቲ ኣብቲ መርዓ ኢየሱስ ድሕሪ ዝፍጸሞ ተኣም ዚቐርበ ወይኒ ፥እዚዩ ምቑርን ዜፈስህን” እኳ እንተነበረ፥ ኢየስሱ እቲ ብዕሎት መርዓ “በቲ ብሉጽ ወይኒ ክዛዘም” ይገብር . .

ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣምላኽ እቲ ዚበለጸ ኪገብረልና ከም ዚደልን ሕጉሳት ክንክውን ከም ዝደልየናን ዚሕብር እዩ። ደረትን ቅድመ ኵነታትን ዘየንብር እንካን ሃባን ዘይብል ግዳሰ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና። ኢየሱስ ዝፍጽሞ ተግባር ካልእ ሕቡዕ ረብሓ ዘለዎ ኣይኰነን፡ እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ኢየሱስ ዘንብሮ ሓጐስ ምሉእን ካብ ረብሓ ናጻን እዩ።

ኣብ ህይወትና ምልክት ለውሃት ነናዲ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ጐይታ ከም ዘፍቅረናን ነዚ ንኣና ዘሎዎ ምፍቃር ንኸርእየና ኢሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህይወትና ዝፈጸሞ ተኣምር ንኸነስተውዕል ተዘክሮታትና ክንምርምር ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ንኣብነት “እታ ኣምላኽ ፍቕሪ ንኽረክብን ንኸስተማቕርን ዝገበረና ኣጸጋሚ ህሞት ድዩ ካልእ ኵነትን . . . ምልስ ቢልና ነስተውዕል”፥

ለውሃቱ ኪስምዓኒ ዝገበረ ብኸመይ ዝበለ ተኣምር እዩ? ጐይታ ቀረባይ ከም ዝኾነ እተሰመዓኒ መዓዝ እዩ? ለውሃቱ ሓልዮቱ እተሰመዓኒ መዓዝ እዩ? ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዘንታታትና ነዚ ኵነት እዚ ንጽሕፍ ኢና፥ ምዕራፍ ህይወትና እውን እዩ . . . ነዚ ምልክታ እዚ ነናዲ ንዘክሮ! ኣምላኽ ምሳይ ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎን ኣብ ልበይ ዓቢይ ሓጐስ ዘንበረላን መዓልቲ ተዘክሮ ንግበር። ማርያም ምሳና ኣብ ዝነበረትሉ  ስሌና ዘማለደትሉ እዋን ምልስ ቢልና ተዘክሮ ንግበር። እታ ኣብ ቃና ዘገሊላን ወትሩ ጽን ቢላ እተከታተል ኣደ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝፈጸሞ ስራሕን ተኣምራትቱን ኣኽቢርና ንኽንርእዮ ትሓግዘና!

ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም ብሓባር ምስቶም ነጋዶ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ደገሙ ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 January 2022, 16:50