ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኢየሱስ ነተኵር

ሎሚ እውን እቲ ቃል ክስባእ እዩ ዝደሊ፥ . . . ምጽንናዕን ሓጐስን ሓርነትን ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ክበጽሖ ወንጌል ኢየሱስ ንምግልጋል ንዓኡ ምእዋጅን እዩ ተልእዀና። እዚ ተልእዀ ኵሉ ክርስትያን እውን እዩ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ወርሒ ጥሪ ናይ መወዳእታ ሰንበት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሰንበት ቃል ኣምላኽ እተብዕለሉ ዕለት ከም ዝዀነ ዝዝከር ኰይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ንምዕማቝ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እተወፈየት ሳልሰይቲ ሰንበት ካብ እተፈላለያ ሃገራት ንዝመጹ ምእመናን ምስጢረ ኣገልግሎት ቃል ኣምላኽ ከም ዝሰርዑን፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኵሉ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝጀመረን፥ እቲ ቃል ድማ ኢየሱስ ኢዩ እሞ፥ “ናብ ኢየሱስ ንጠምት . . . ንቓል ኣምላኽ ከኣ ሓንጐፋይ ቢልና ንቀበሎ” እንክብሉ ከም ዝመዓዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ መጽሓፍ መዘናግዒ ወይ ብመንፈሳውነት መላእኽቲ ንኽንሕንቀቕ ኣይኮነን ዝተወሃበና፥ ከምኡ እውን ቃል ኣምላኽ ህይወት ንዘይልውጥ ግዳማዊ ኣምልዀ ንኽንነብር ኣይኰነን ዝተዓደለና፥ ከምዚ እንተዀይኑ ጥዖት ምምላኽ እዩ ዝኸውን፡ ከመይሲ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንራኸብ ካብ ርእስና ክንወጽእ ከምኡ እውን ናብ ኣቝሳሎም ንኽንቀርብ ዝድርኸና እዩ ክኸውን ዘለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኢየሱስ ነተኵር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኢየሱስ ነተኵር

ቃል ኣምላኽ - ንኣምላኽ ይገልጾ። ናብ ሰብ ድማ ይመርሓና፡ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል “ንድኻታትን ንጭቁናትን ሓራ ኬውጽኦም” ከምዝመጸ ይዛረብ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰብ ኣብ ዕለታዊ ኵነታቱ ቀረባ ከም ዝኾነን ከም ዝኸናኸኖን የመላኽት። . . . ቃል ኣምላክ ንእምነትና የዕብዮን የሐድሶን፡ ምእንቲ እዚ ማእከል ጸሎትናን መንፈሳዊ ህይወትናን ንግበሮ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቃል ኣምላኽ ናብ ሰብ ይመርሓና

ግልጸት እግዚኣብሔር ናብ ደቅሰብ ይመርሓና - ንኣምላኽ ምስ ፈለጥናዮ በቲ ንህይወትና ዘይትንክፎን ዘይልውጦን ደጋዊ ኣምልኾ ገይርና ንኽንዕጾ ዝድርኸና ፈተናታት ኵሉ ንሰግሮ። ቃል ኣምላኽ ካባና ንኽንወጽእን በቲ ህዱእ ሓራ ዘውጽእ ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ጌርና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽንራኸብ ይድርኸና። ብፍላይ ኢየሱስ ኣብ ናዝሬት ኣብ ዝሪከብ ሙክራብ ኪሰብኽ እንከሎ፡ ንድኻታት ሓራ ኬውጽኦም ከም እተላእከ ይሕብሮም። በዚ ከምዚ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ኣምልኾ ንብጻይናን ጐረባብትናን ምክንኻን እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኢየሱስ ነተኵር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ኢየሱስ ነተኵር

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝርእየ ፈተና ንቕጽና ኰኒኖም እዚ ፈተና ንቕጽና እዚ ክንልወጥ ዘይድግፍ “ብልሽውናን፥ ጣዖትን ዳርጋ እዋናዊ እቲ ካብ ኣዳም እንወርሶ ሓጢኣት የሎን ክልወጥ ዝከኣል ነገር የልቦን ቢሉ ዝኣምን  ባህሊ ዝስዕብ ኣመለኻኽታ እዩ ዝኸውን። ቃል ኣምላኽ ዝልውጥ ዘንጽሕ ነቲ ኣብዚ እንነብረሉ ዓለም ንዝርአይ ስቓይን መከራን ዕሽሽ ከይንብልን ኣምልኾን ንድኻታትን ሕዙናትን ብግብሪ ምክንኻንን ኣጣሚርና ንኽንበብር ይድርኸና።”

ንቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዘጋጥማ ዘሎ ካልእ ፈተና ‘ግኖስጢስነት - ድሕነት ብፍልጠት’ ዝብል ኣመላኻኽታ እዩ። ቃል ኣምላኽ ምስ ጭቡጥ ኵነታት ዘይራኸብ ገይርካ ምምልካት። ኣብ ክንዱኡስ ቃል ኣምላኽ ክርስቲያን ብመሃዝነትን ብትንቢተይናነትን ንኣሕዋቶም ኣሓቶምን ኣብ ጭቡጥ ኵነታቶም ቀረባ ክዀኑን ካብ ዘይተገዳስነት ክርሕቝ ዝድርኽ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ቃል ምስባእ ማለት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ተልእዀና

ሎሚ እውን እቲ ቃል ክስባእ እዩ ዝደሊ፥ . . . ምጽንናዕን ሓጐስን ሓርነትን ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ክበጽሖ ወንጌል ኢየሱስ ንምግልጋል ንዓኡ ምእዋጅን እዩ ተልእዀና። እዚ ተልእዀ ኵሉ ክርስትያን እውን እዩ። እሙናት ልኡኻት ነብያት ቃል ኣምላኽ ኣብዛ ዓለም ንዀኑ። ቃል ኣምላኽ ማእከል ህይወት ቤተ ክርስቲያን እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኪንሰምዖን ክንጽልዮን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ጽዉዓት ኢና። ኣዚዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዘፍቕሩ ምዃን የድሊ። ስለዚ ቅዱስ መጽሓፍ ምፍቃር ካብቲ ክልወጥ ዝከኣል ነገር የልቦን ዝብል ንቕጽናን ካብ ክውንነትን ኣሕዋትን ኣሓትን ርሒቕካ ምህዋርያዊ ካብ ዝገብር መንፈሳውነትን ናጻ የውጽኣና፥ ቃል ኣምልኻ ጽን ንበሎን ንጸልዮን ኣብ ግብሪ ከኣ ነውዕሎ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

25 January 2022, 08:56