ድለ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ

ብነትጒ እቲ ኣብታ ኣብ ድቡባዊ ፓሲፊክ እትርከብ ደሴት ቶጐ ተሕተ ማያት ባሕሪ ዝርከብ ሁንጋ ቶንጋ ሁንጋ ሃፓይ እተሰምየ ኣሳተ ጐመራ ዝተጐድኡ ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትም ዘረጋገጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ነቲ ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ ዝካየድ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ኢጣሊያ መጓዓዝያ ነፋሪት ሰራሕተይናታት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ጽንኵር ኵነትን ከምዝዘከሩን ከምኡ እውን ኣብ ቶጐ ብምኽንያት ነትጒ እሳተ ጐመራ ንዝተጐድኡን ቅርብቶም ጸሎትምን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ሰላምታ፡ ዕለት 18 ጥሪ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ከም እተጀመረ ብምዝኽኻር “ነፍሲ ወከፍ እተጠመቐ ሰብ ነቲ ኢየሱስ ዝደለዮ ኪፍጽም ማለት ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ ዝብል ናብ ኣቡኡ ንዘጸለዮ ድላይ ዘገልግል ክኸውን ሓላፍነት ኣለዎ” ቢሎም “ኵሎም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ኣብ መገዲ ሓድነት ምእንቲ ኪጸንዑ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ “ኣብ መንጐ ኣመንቲ ምሉእ ሕብረት መታን ክህሉ ንጐይታ ከይተሓለልና ንኽንልምኖ እዕድም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብርን

እቲ ቅዱስ ሓላዊ ሰራሕተይናታት ዝዀነ ቅዱስ ዮሴፍ፥ ነቶም ናይ ስራሕ ኵነታቶም ኣብ ሰንፈላል ዘሎ ዘኪሮም መሰልን ክብርን ኵሎም ሰራሕተይናታት ክኽበር ብፍላይ ብስእነት ስራሕ ዝተጠቕዓ ኣባይቲ ስድራ ክድግፎምን ፍታሕ ክረኽቡን ደግፎም፥ መሰል ሰራሕተይናን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰል ኵሉ ክኽበር ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም ንዅሎም ብስእነት ስራሕ ንዝሳቐዩ ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጸሎትን ቅርበትን ነቶም ኣብ ቶንጋ ብምኽንያት ነትጒ እሳተ ጐመራ ዝተጐድኡ

ብነትጒ እቲ ኣብታ ኣብ ድቡባዊ ፓሲፊክ እትርከብ ደሴት ቶጐ ተሕተ ማያት ባሕሪ ዝርከብ ሁንጋ ቶንጋ ሁንጋ  ሃፓይ እተሰምየ ኣሳተ ጐመራ ዝተጐድኡ ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትም ዘረጋገጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ በቲ ዕለት 15 ጥሪ እተኸስተ ነትጒ እሳተ ጐመራ ትሕተ ማያት ባሕሪ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ብዙሕ ህዝቢ ከም እተጐደአን መላእ ክፍሊ እታ ደሴት እውን ብቐጸላ ሓሙኹሽቲ ከም እተሸፈነን ኣገልግሎት ሓይሊ መብራህትን መራኸብን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝገበረን ክሕበር እንከሎ- ንዅሎም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ማህሰይቲ ዝወረዶም ቤቶም ንብረቶምን ዝባደሞም ኵሎም ሓገዝ ክቐርብን ስሌኦም ድማ ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 January 2022, 17:46