ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን

“ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ፖለቲካዊ ተግባራትን ተበግሶታትን ኣብ ክንዲ ብጒጅለ ዝቐውም ንሰብኣዊ ሕውነት ዘገልግል ክኸውን ናብቲ ኵሉ ዝክእል ኣምላኽ ክጽልዩ ልባዊ ምሕጽንታይ አቕርብ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኡክራይን ንሰላም ስግኣት ዝኾነ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ሳዕቤናቱ ዓቢይ ሻቕሎት ከም ዘሕድረሎም ገሊጾም ኣብታ ሃገር ሰላምን ድሕንነት ክሰፍን ዕለት 26 ጥሪ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ኡክራይን ክኸውን ጻውዒት ኣውቕሪቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ግጭት ዘምጽኦ ሳዕቤን ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው፥

“ኵሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሰናይ ፍቓድ ዘለዎም ፖለቲካዊ ተግባራትን ተበግሶታትን ኣብ ክንዲ ብጒጅለ ዝቐውም ንሰብኣዊ ሕውነት ዘገልግል ክኸውን ናብቲ ኵሉ ዝክእል ኣምላኽ ክጽልዩ ልባዊ ምሕጽንታይ አቕርብ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶ ካብ ዕለት 18 – 25 ጥሪ ዝቕጽል ዘሎ ቅነ ጽሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ዘኪሮም፥ እዚ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድንት ክርስቲያን ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መኣዲ ጸሎት ዘቐራረበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፥ ቅዱስ ሂሮኒሞስ ዘልዮን ጓሳን ድልድል ምዕራብን ብምራቕን ብምዃኑ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ሓድነት ቢላ ከም ዝሰመየቶ ገሊጾም፡ ሓድነት ክርስቲያን መታን ክውን ክኸውን ኣማላድነቱ ኣይፈለየና ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ዕለት 22 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሳን ሳልቫዶ ኢየሱሳዊ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣባ ሩቲሊዮ ግራንደ ጋርሲያን ክልተ ዓለማውያን ምእመናንን ፍርራንቸስካዊ ካህን ኣባ ኮስመ ስፐሶቶን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጽእና ከም ዝኣወጀትሎም ዘኪሮም፥ “ሰማዕትነት ዝሓትት እውን እንተዀነ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ብምቛም ንወንጌልን ንሓቅን ፍትሕን ካም ምምስካር ድሕር ዘይበሉ” ቢሎም “ጅግኑን ኣብነቶም ንዅሉ ሰብ ብዛዕባ ሕውነትን ሰላምን ብትብዓት ናይ ምምስካር ባህጊ ዘሕድር ክኸውን ንጸልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

25 January 2022, 09:06