ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቆጥሮስን ግሪኽን ዘካይዶ ሓዋርያዊ መገሻ ጸልዩ! ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቆጥሮስን ግሪኽን ዘካይዶ ሓዋርያዊ መገሻ ጸልዩ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምእንቲ እቲ ኣብ ቆጥሮስን ግሪኽን ዘካይዶ ሓዋርያዊ መገሻ ጸልዩ!

“ተስፋ ደልዮም ናይ ዝተሰዱ ብዙሓት ስደተይናታት ዝቖሰለ ኣካል ክትንክፍን ቀረባኦም ክኸውን ኣጋጣሚ ዝረኽበሉ ንግደት እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ድሕሪ ቍሩብ መዓልታት ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ከካይድዎ ዝኾነ መበል 35 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ሓቢሮም እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ንግደት እንክብሉ ድማ ገሊጾም “ኣብተን ብታሪኽን ስልጣነን ሃባታም ዝኾና ክልተ ሃገራት ምእቲ ዘካይዶ ምብጻሕ ሓደራ ጸሎትኵም እሓትት ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቶም ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ስደተይናታት ዝቘሰለ ኣካል ንምትንካፍን ምእንቲ እምነትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነትን ኣሚቶም ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ንዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ጸሎት ኵሉ ሓደራ እንክብሉ፥

ጽባሕ ናብ ቆጵሮስ ድሕሪኡ ኸኣ ናብ ግሪኽ ክኸይድ ነቶም ኣብ ታሪኽን መንፈሳውነትንስልጣነን ሃብታማት ዝኾኑ ፍቝራት ዝህብታት እዘን ሃገራት እዚኣተን ከብጽሖም እየ። ናብቲ ኣብ መንጐ እተፈላለያ ቃለ ኑዛዜ ዝነብራ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ሓዋርያዊ እምነትን ሕውነትን ምንጪ ዝግበር ጒዕዞ እዩ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዝቖሰለ ኣካል ብዙሓት ስደተይናታት

“ተስፋ ደልዮም ናይ ዝተሰዱ ብዙሓት ስደተይናታት ዝቖሰለ ኣካል ክትንክፍን ቀረባኦም ክኸውን ኣጋጣሚ ዝረኽበሉ ንግደት እዩ” ቢሎም፥ ኣስዒቦም ነቲ ድሕሪ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ደሴት ግሪኽ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታት ዘካይድዎ ምብጻሕ ዘኪሮም “ብጸሎትኵም ኣሰንዩኒ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናብ ዓይኒ ማያት ዚግበር ጒዕዞ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዕለት 27 ሕዳር 2021 ዓ.ም. ናብ ቆጵሮስን ግሪኽን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ሰላም፥ ምእንቲ እዚ ጒዕዞ እዚ ብሓባር ንጸሊ ቢሎም፥ ነዚ መገሻ እዚ “ናይ ሕውነትን ናብቲ ኤውሮጳን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣናስርን ዓይነ ማያት” ዝግበር ጒዕዞ እንክብሉ ገሊጾም፥ እዚ ሓባራውዊ ምንጭታት እዚ ኣብ ሕውነትን ምትሕብባርን ጥራይ ከም ዝዕንብብ ብምእማን ዳግም ናብ ለስቮስ ከበጽሕ እየ፡ በዚ ሕልሚ እዚ ድማ “ናባኻትኵም እመጽእ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 December 2021, 08:57