ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ብሓሴት ወንጌል ኣትነብርን ሓቛፊት ኵሉ “ንሕናዊት” እያ

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ናይ ገዛእ ርእስና ውሽጣዊ ጸልማትን ብድሆታትን ስለ ዘጋጥመና ነቲ ዘሎና ናይ ሕውነት ስምዒት ጻውዒት ይቐርበልና። ተኸፋፊልና እንተ ድኣ ቀሪብና ካብ ዑረትና ፈጺምና ኣይክንሓውን ኢና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቆጵሮሳውያን ካብቲ ንሕና እንነብረሉ ተመሳሳሊ ጸልማት ሓራ ምእንቲ ኽወጹ ሰለስተ ስጒምቲ ክስዕቡ ንምትብባዕ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማተዎስ ምዕ. 9, 27-31 እተወስደ ብዛዕባ ክልተ ዓይነ ስውራን ዝነበሩ ዝገልጽ ምሳለኣዊ ዛንታ ጠቒሶም፥ ኢየሱስ ክሓልፍ እንከሎ ክልተ ዓይነ ስዉራን “ወዲ ዳዊት መሓረና” እናበሉ ብዓቢይ ድምጺ ከም ዝለመንዎ ዝነገር ታሪኽ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዝመጸ መሲሕ ምዃኑ ከም ዝኾነ ዝነበሮም ምስትውዓል ዝሕብር እዩ። እዚ ታሪኽ እዚ “ጐይታ ኪመጽእ እንከሎ ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበሎ ይሕግዘና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉሉ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ኢየሱስ ክሓልፍ እንከሎ ክልተ ዓይነ ስዉራን “ወዲ ዳዊት መሓረና” እናበሉ ብዓቢይ ድምጺ ከም ዝለመንዎ ዝነግር ታሪኽ ኢየሱስ ናብ ዓለም ዝመጸ መሲሕ ምዃኑ ዝነበሮም ምስትውዓል ኣባና ኣሎኖ ዶ?

ቀዳማይ ስጒምቲ ናብ ኢየሱስ ምኻድ

እቲ ቀዳማይ ስጒምቲ ናይቶም ክልተ ዓይነ ስውራን ዝነበሩ፥ “ኪሓውዩ ናብ ኢየሱስ ምኻድ እዩ” ክርእይዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ “ድምጹ እናሰምዑ ኣሰርኣሰሩ ይስዕቡ።” እቶም ኣብ ወንጌል ተገሊጾም ዘለዉ ክልተ ዓይነ ስዉራን ሰብኡት ብኢየሱስ ዝለ ዝኣመኑ “ብርሃን የዕንቲ ደልዮም ድማ ሰዓብዎ።” እዞም ክልተ ሰባት ኣብ ኢየሱስ እዮም ዝተወከሉ “ኣብ ውሽጢ ጸልማት ታሪኽ ንልብን ንዓለምን ዘብርህ ብርሃን ንሱ ምዃኑ ዝፈለጡ” እያቶም። ንሕና እውን ኣብ ልብና ሓደ ዓይነት “ዑረት” ከም ዘለዎም ከምቶም ክልተ ዓይነ ስዉራን ከኣ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ጸልማት ህይወት ንጥሕል ኢና። ኣብ ጸልማት በይንና ኴይና ንገዛእ ርእስና ክንሓዝንን ብጻይና ጓሂ ክንገብርን ካብ እንደሊ ናብ ኢየሱስ ንኺድ፥ ኢየሱስ ልብና ንኸሕዊ ኣጋጣሚ ንሃቦ።”

ካልኣይ ስጒምቲ፥ ስቓይካ ምንጋር - ምክፋል

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቶም ክልተ ዓይነ ስውራን ንኢየሱስ “ስቓዮም የካፍልዎ” ሓገዝ ክረኽቡ ድማ ብሓባር ይሓትቱ። “እዚ ምልክት ክርስቲያናዊ ህይወትን መለለዪ ባህርይ ናይ ቤተ ክርስትያን መንፈስ እዩ - ምሕሳብ ምዝራብ ከምኡ እውን ከም “ንሕና” መጠን ስጒምቲ ምውሳድ ነቲ ንልቢ ዝትንክፍ ውልቀ ሰብነት ይኣኽለኒ ምባልን ምሕዳጉን።”

እዞም ክልተ ዓይነ ስዉራን እዚኣቶም ብዙሕ ዝምህሩና ንገራት ከም ዘለዎም ቅዱስነቶም ገሊጾም፥ “ነፍሲ ወከፍና ብሰንኪ ሓጢኣት ብገለ መገዲ ዕዉራት ኢና” ቢሎም “ንኣምላኽ ከም ኣቦና ንሓድሕድና ኸኣ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽይንርኢ ይኽልክለና።” እዚ ሓጢኣት እዚ ንክውንነት የዛብዕ። ውሽጣዊ ዑረት በይንና እንተ ተሰኪምናዮ ድማ ይዕብልለና። “ኣብ ጐድኒ ሓድሕድና ደው ክንብል ስቓይና ከነካፍል ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ብሓባር ክንገጥሞ ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ሕውነት ዘሎና ኣርኣእያ ምሕዳስ

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፥ “ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ናይ ገዛእ ርእስና ውሽጣዊ ጸልማትን ብድሆታትን ስለ ዘጋጥመና ነቲ ዘሎና ናይ ሕውነት ስምዒት ጻውዒት ይቐርበልና። ተኸፋፊልና እንተ ድኣ ቀሪብና ካብ ዑረትና ፈጺምና ኣይክንሓውን ኢና” ኣንክብሉ ኣጒሊሖም ንስቓይና ብሓባር ክንጸሮ ከንኮሎና ጸገማትና ብሓባር ክንገጥሞ እንከሎና ከምኡ እውን ንሓድ ሕድና ጽን ክንብሃሃልን ክንዘራረብን እከሎና ኢና እንፍወስ።”

ሳልሳይ ስጒምቲ፥ ብስራት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ስጒምቲ “ብታሕጓስ ምብሳር” ዝብል እዩ ቢሎም፥ “ኢየሱስ እቲ ዝኾነ ከይነግሩ እኳ እንተ ኣዘዞም ንሳቶም ግና በንጻሩ ይገብሩ። ዕላማኦም ንጐይታ እምቢ ምባልን ዘይምእዛዝን ግና ኣይኮነን። ብምፍዋሶም ንዝስምዖም ሓጐስን ነቲ ምስ ኢየሱስ ብምርኻቦም ዘሕደረሎም ሓሴትን ኪቈጻጸርዎ ዘይምኽኣሎም እዩ። እዚ ሓደ ክርስቲያን ናይ ምዃን መግለጺ እዩ።”

ነቲ ሓራ ጸውጽእ መልእኽ ወንጌል “ብሓጐስ” ስለ ዘገልገሉ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቅዳሴ ንዝሓበሩ ሰባት ኣመስጊኖም፡ ብሓሴት ወንጌል ኣብ ምብሳር ኣገልግሎቶም ድማ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። ልክዕ ከምቶም ኣብ ወንጌል ዝተነግረሎም ክልተ ዓይነ ስዉራን “ንኢየሱስ ከም ብሓድሽ ንራኾቦን ንዅሎም ነቶም እንራኸቦም ከኣ ተባዓት መሰኻር ኢየሱስ ንምዃን ካብ ገዛእ ርእስና ንውጻእ።”

ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ “ጐይታና ኢየሱስ እውን ኣውያት ዕረትና እናሰምዐ ኣብ ጐደናታት ቄጥሮስ ይሓልፍ ኣሎ። ኣዒንትናን ልብናን ኪትንክፍን ናብ ብርሃን ኪመርሓናን መንፈሳዊ ዳግመ ውልደትን ሓድሽ ብርታዐን ኪህበና እዩ ዚደሊ” ቢሎም “ጐይታ ኢየሱስ ብርሃንካ ካብ ጸልማት ከም ዚዓቢ ንኣምን ኢና። ከተሕውየና ከም እትኽእል ምሕዝነትና ከተሐድሶ ሓጐስና ከተዛይዶም ከም እትኽእል ንኣምን ኢና” እክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

Photogallery

ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ብሓሴት ወንጌል ኣትነብርን ሓቛፊት ኵሉ “ንሕናዊት” እያ
04 December 2021, 22:58