ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ተባዓትን መሃዝትን መሰኻኽር ወንጌል እዮም!

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብ 23 ቋንቋታት ዝትርጐምን ኣብ 114 ሃገራት ብጽሑፍ ተሓቲሙ እውን ዝዝርጋሕ ከም ዝኾነ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወትሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ከምዘቕርቡ ዝዝከር ኮይኑ እነሆ ድማ ኣብታ ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብምስማዐ ርእየት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ጸዋዕታ፥ ቃል ብስራት ብሓድሽ ቋንቋን ብትብዓትን ጥበብን ብኣተኵሮን ምምስካር ዝብል እዩ። ቢሎም እዚ ጸዋዕታ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብመሃዝነትን ብትብዓትን ብሓጐስን ብብዙሕ ሰላምን ሓድሽ መገዲ ክፈት” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ክኸውን እንከሎ እዚ ኸኣ ብፍሉይ ንመምህራን ትምህርተ ክርስቶስ እናሓሰብ ኮይኑ እምነት ናይ ምምሕልላፍን ምዕማቝን ተልእኾ መተካእታ ዘይብሉ ተልእኾ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ምዃን ጸዋዕታ ተልእኾ ምእመናን እዩ። ጸዋዕታን ተልእኾን እዩ! ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ምዃን ማለት፥ ትምህርተ ክርስቶስ ምምሃር ዕዮ ዘይኮነስ ናይ ምዃን ክእለት እዩ። ስለዚህ ንፉዓት መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ የድልዩ እዮም። ዘሰንዩን እምነት ብስነ ኣገባብ ሜላ እውን ዘብርሁን እውን እያቶም።

ከምዝበሉን ኣፍሊጡ፥

ምስክርነት ብህይወት

ኣብ ሓያሎ ክፍለ ዓለም ወንጌላውነት ብመሰረቱ ኣብ ኢድ ናይ ምትህርተ ክርስቶስ መምሃራን እዩ ዘሎ፡ ምእንቲ እዚ ስለ እቲ ብውዕዉዕ ስምዒት ዝፍጽምዎ ናይ ተልእዀ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ከነመስግኖም ኣሎና፥

ንወንጌል በመሃዝነት ዝእውጁ እምበር ከም መለኸት ዝነፍሕዎ ዘይኮኑ፥ ሓድሽ መገዲ ብምርሃው ብቓልን ብህይወትን ጥበብን ዝእውጁ መምህራን ትምህርተ ክርስቶስ እያቶም ዘድልዩና!

ቢሎም ጸሎት ምእንቲ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ዓ.ም.  ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ተላብዮም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ “ብትብዓትን ብምህዞን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ብሓጐስን ብብዙሕ ሰላምን መሰካኽር ምእንቲ ክዀኑ ነቶም ቃል ኣምላኽ ክእውጁ ኣተጸውዑ ብሓባር ንጸሊ” እንክብሉ ከም ዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብ 23 ቋንቋታት ዝትርጐምን ኣብ 114 ሃገራት ብጽሑፍ ተሓቲሙ እውን ዝዝርጋሕ ከም ዝኾነን ቅዱስነቶም ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት፥ ገዲም ኣገልግሎ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘጽደቕዎ ሕጊ፥ ናይ መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኣገልግሎትን ጸዋዕታን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ዓቢይ ግደን ናይ ምቛም ምኽንያቱ ከኣ ካብ እምነት ዝምንጭው ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ ሓደ ክፍሊ ናይ ኣገልግሎት ጸዋዕታ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 December 2021, 08:44