ድለ

ርክብ ቅዱስነቶም ምስ ኣቡናትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን መሃራን ትምህርተ ክርስቶስን

ናይቲ ወድዛ መሬት ዝኾነ ሓዋርያ ባርናባስ ኣሰር ስዒበ መንፍሳዊ ነጋዳይ ኰይነ ኣብ ማእከልኵም እርከብ . . . ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 11, 23 ጠቒሶም ከምቲ ባርናባስ ናብ ኣንጽዮኪያ ምስ ተላእከ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ከምእተሓጐሶ ልክዕ በዚ መንፈስ እዚ እበጽሓኵም። . . .

ቅዱስነቶም በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት ክልተ ቆጵሮስ ኣብ ዝርከብ ላርናካ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሑ ንኽብሮም ናይ ረፓብሊካዊት ቆጵሮስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲያደስን ብናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መንግስትን በርገሳውያንን መንፈሳውን ላዕለዎት መራሕቲን ዕባባ ብዝሓዙ ሰለስተ ቈልዑ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮን ናይ ቆጵሮስ ክቡር ዘበዐይና ሰላምታን ናይ ሃገረ ቫቲካንን ቆጵሮስን ሰንደቓዊ መዛሙር ምስ ተሰምዐ ብርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ ተሰንዮም ምስ ናይታ ሃገር ላዕለዎት ናይ መግስቲ ኣካላትን ተላልዮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰዓት 14.20 ብቐጥታ ኣብ ኒኮሲያ ናብ ዝርከብ ካቴድራል ቅድስተ ማርያም ጸጋዊት ብምኻድ በቲ ናይ ቆጵሮስ ሓዋርያዊ መገሻ መርሓ ግብርታቶም መሰርት ኣብቲ ካቴድራል ምስ ካህናትን ገዳማውያንን ዲያቆናትን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን ምስ ናይ ቄለሲያውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳት ቺፕሮ ኣባላት ተራኺቦምን መዝሙር ምስ ተሰምዐ ብናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ብስም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቆጵርሶ ናይ እንቋዕ ደሓም መጻእኵም ቃል ሰላምታ ምስ ተሰምዐ ድሕሪ ዝቐረበ መዝሙር ኣብ ቆጵሮስ ዘገልግላ ፍራንቸስካዊት ድንግልን ናይ ሓንቲ ኣባል ማሕበር ደናግል ጁሰፒና ድንግል ቃል ምስክርነት ምስ ቀረበ ባህላዊ ቅዱስ ማህሌት ቀሪቡን ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 13, 1- 4 ምስ ተነበ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፥

ርክብ ቅዱስነቶም ምስ ኣቡናትን ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን መሃራን ትምህርተ ክርስቶስን

ጻድቕነትኵምን ኣሕዋተይ ጳጳሳትን

ክቡራት ካህናትን ደናግል ገዳማውያንን

ኩቡራት ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም

ኣብዚ ኣብ መንጐኹም ምርኻበይ ሕጉስ እየ! ንብጹዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ ስለ ዘቕረቡለይ ቃል ሰላምታ ምስጋናይ ክገልጽ እፈቱ፡ ንዅላትኵም ስለ ኣገልግሎትኵም እመስግን ብፍላይ ነቶም ኣብ ዓውዲ ሕንጸትን እተገልግሉ ኣብ ኣባይቲ ትህርቲ ብተሳልጥዎ ርክብን ዘተን ዘራኽብ ድልድል እትሃንጹ ኢኻትኵም ምስሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ኣብዝኾነ ማሕበራውን ናይ ስራሕን ማዕቅፍ ስለ እትፍጽምዎ ጥብቂ ርክብ አመስግን።

ናይቲ ወድዛ መሬት ዝኾነ ሓዋርያ ባርናባስ ኣሰር ስዒበ መንፍሳዊ ነጋዳይ ኰይነ ኣብ ማእከልኵም እርከብ . . . ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 11, 23 ጠቒሶም ከምቲ ባርናባስ ናብ ኣንጽዮኪያ ምስ ተላእከ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ከምእተሓጐሶ ልክዕ በዚ መንፈስ እዚ እበጽሓኵም። . . .

ኣብ ብዝሓነት ዘሎ ሃብቲ እርእዮ ኣለኹ . . . ኣብዛ ደሴት እዚኣ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈት ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰላም እብል። ንሊባኖስ ክሓስብ እንከለኹ ብዙሕ ስቓይ ይስምዓኒ . . . እቲ ስቓይን መከራን ምንጪ ሰላም ክኸውን ጸሎተይ እዩ፣ . . . ንስኻትኵም ኣብ ቆጵሮስ እቲ ምኡዝ ሽታን ጽባቐን ወንጌል ንምስፋሕ እተገልግሉ ኢኻትኵም።

ኣብ ቆጵሮስ ንእትርከብ ላቲናዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ሰላምታይ አቕርብ። . . . እዚ ሓደ ናይታ ሃገር ኣካል ብዝሓ ሕብርታትን መግለጽን እዩ። ኣብ መንጐ ቆጵሮስን ኤውሮጳን ዘሎ ርክብ መግለጺ እውን እዩ . . . ካቶሊክ ማለት ኵላዊ ማለት እዩ እሞ ነዚ ኵላውነት እዚ ዘንጸባርቝ ምዃን ይግባእ፡ ቤተ ክርስቲያን ንዅላቶም ብምሕረት ኣምላኽን ብፍቕርብ ብዝቐርበሎም ዕድመ ንዝመጹን በዚ ጸጋ እዚ ንዝብጽሑን ሓንጐፋይ ዝብል ኣቀባብላ ዝረኽብሉ ክፉት ቦታ እያ። ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መናድቕ የልቦም እዚ ከኣ ርክብ ዘለዎ ሓባራዊ መንበር ቦታን ከምኡ እውን ብዙሕነት ዝሕቆፈሉ ስፍርራ እያ።

ፍቱዋተይ ብዛዕባ ወዲ እዛ መሬት እዚኣ ባርናባስት ሕይወትን ተልእኽዕን ክልተ ቃል ክብል እደሊ፥

እታ ቀዳመይቲ ቃል “ትዕግስቲ” እትብል ቃል እያ፡ በርናባስ ብቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም እተመርጸ ዓብዪ ናይ እምነትን ሚዛናውን ሰብ ከምዝነበረ ይንገር። ልክዕ ከም ዳህሳሲ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንኸለልይ ድማ ተላእከ። ምስ ብዝሓ ሃይማኖትን ባህልን ድማ ተራኸበ . . . ናብ ዘይትፈልጦ ባህልን ቋንቋን ምኻድ ቀሊል ኣይኮነን ስለዚ ትዕግስቲ ይሓትት። ካልእ ባህልታትን ልምድታትን ንምጽናዕ ዝግበር ትዕግስቲ ብዘይ ታህዋኽን ቅድመ ፍርድን . . . በርናባስ ምሳታቶም ይኸውን።

ፍቱዋተይ በዓል ዓቕልን ትዕግስትን ቤተ ክርስቲያን ተድልየና . . . ብለውጥታትን ምቅይያራትን ዘይትጭነቕን ዘይትርበሽን ቤተ ክርስቲያን ብብርሃን ወንጌል ሓድሽ ምዃንን ነቲ ኵነታት ብስትውዓልን ብህድኣት ትቕበሎ። ኣብዛ መሬት እዚኣ ነቶም ካብ ካልእ ገማግም ዝመጹ ሓደስቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምቕባል ዝግበር ዕዩ ክቡር እዩ። ኣብ ቆጵሮስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክቡር ዋጋ እዚ ክፉት ኣእዳው ኣለዋ ሓንጐፋይ ኢላ እያ እትቕበልን እትሓብርን እተሰንይን ኣብ ኤውሮጳን ካልእን ቦታታን ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ መልእኽቲ እዩ። ምርባጽ ዘይኮነ ነቲ ህልው ኵነታት ብምንባብ ናይ ግዜ ምልክታ ምዃን እዩ ዘድሊ . . . ንኣቡናት ንኻልእ ቀረባ ኣብ ምዃን ዕጉሳት ጓሶት ኵኑ ኣብ ጸሎት ደለይቲ እግዚኣብሔር ኣብ ምዃን እይትብኮሩ እብል። ምስ ካህናት ዝራኸቡን ንካህናት ቀረባ ምዃንን ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ኣሕዋትን ኣሓትን ብኣኽብሮትን ብምሕረትን ኣምላኽ ቀረባ ክትኰኑ እላበው። ካህናት ከኣ ንምእመናን ኣብቲ ዝርከቡሉ ቦታ ምዃድን ኣብኡ ምርካቦምን ኣብኡ ክትነብሩ ኣየስልክየኩም ምስ ህዝቢ ኵኑ። ንምእመናን ተዓገስዎም ንኸተተባብዕዎም ድልዋት ኩኑ ደኺመ ዘይብሉ ኣገልገልቲ ሕድገትን ምሕረትን ኣምላኽ ዅኑ . . እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘንብሮ ቅዱስ ታሪኽ ኣሎ . . . ንእተፈላለየ መንፈሳዊ ስምዒትን ንእምነትካ እትገልጸሉ እተፈላለየ መገድታት ንእተፈላለየ ባህልታት ኣእዛንን ልብን ምጥራይ . . . ቤተ ክርስቲያን መዓቀኒ ክትገብር ዘይኮነ ኣብ ትዕግስቲ ክትሓብር እያ እትደሊ . . . ኣብቲ ጒዕዞ ሲኖዶሳውነት ድማ ነዚ ኢና ክንገብር እንደሊ . . ትዕግስቲ ዝመልኦ ጸሎት። ቤተ ክርስቲያን ንኣምላኽ ልኡም ንምዃና ብትዕግስቲ እትሰምዕ ከምኡ እውን ንሰብ ክፍትቲ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ኢና እንደሊ ብጸጋ ኣምላኽ!

ኣብ ታሪኽ በርናባስ እቲ ከጒልሖ ዚደሊ ካልኣይ ኣገዳሲ መዳይ ድማ፥ ኣብ ጠርሰስ ምስ ጳውሎስ ዘካየዶ ርክብ ዝነግር ታሪኽ፡ ሕውነት ዝዓሰሎ ምሕዝነቶም . . . ምልዋጥ ጳውሎስ ዘፍረሆምን ሓዋርያ ከምዝኾነ ዘይኣመኑን (ግብረ ሓዋ. 9, 26)። በርናባስ ግና ምስኡ ይወስዶ (ፍቕዲ 27) ደስ እተብል ቃል እያ። እዚ ኸኣ ነቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ሒዝዎም ኣብ መገዲ ገሊላ ዝወስዶም እዚ ኸኣ ናይ ደቅሰብ ኣቑሳልን ሓጢኣትን ኵነትን ክትንክፉ መታን። ሕያዋይ ሳምራዊ ኵን ዝብል ተልእኾ ክነብሩ ብቓልን ሕይወትን የርእዮም።

. . . በርናባስን ጳውሎስን ከም ክልተ ኣሕዋት! መስጐጒቲ እናወረዶም ክነሱ ወንጌል ንምእዋጅ ብሓባር ይጓዓዙ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣንጽዮኪያ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ብሓባር ጸንሑ . . . ነዚ ቃል እዚ ድማ ናብ ቆጵሮስ ኣብጸሖ . . . ሕውነታዊ ፍቕሪ ስለ ዘብርሁ ዝነበሩ ድማ ተልእኾኦም ይዓብይ ነበረ።  . . .

ፍቝራት ኣሕዋትን ኣሓትን ንዓለም መጋብርያ ሕውነት ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ተድልየና። ኣብዚ ኣብ ቆጵሮስ ብዙሕ መንፈሳውን ባህላውን ልምድታት ኣሎ እንተ ዀነ ግን በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ንመንነትና ዘስግእ ኰይኑ ክስምዓና የብሉን . . . ኣብዚ ፍተና እዚ እንተድኣ ወዲቕና ፍርህን ምጥርጣርን ይመርሓና እሞ ውዕሊ ሓዲሩ ድማ ናብ ውግእ ይመርሕ። ደቂ ሓደ ዘፍቅረና ኣቦ ኢና። . . . ኣብ መጻኢ ንሰብ ብቑዕ ዝኾነ ነገር ንምሕናጽ ብሓባር ምዕያይ ምፍልላይ ምስጋሩ መናድቕ ምፍራስ ከምኡ እውን ሕልሚ ሓድነት ምኹስኳስ ኣድላዪ ምዃኑ ንዅሎም እቶም ኣብ መላእ ኤወሮጳ ዝርከቡ ሰባት ከነዘኻኽሮም ንኽእል። ንሓድሕድና ክንቀራረብን ክንተሓዋወስን ብሓባር ክንመላለስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንከውን ኣሎና።

ስለቲ ንስኻትኩም እትገብርዎን ስለቲ ወንጌል እትእውጅሉ ሓጐስ ከምኡ እውን ስለቲ ወንጌል እትድግፉሉን እትገብርዎን ጻዕርን ውሬታን አመስግነኩም። እቶም ቅዱሳን ሓዋርያት ጳውሎስን በርናባስን ዘአንፈትዎ መገዲ ንሱ እዩ። ወትሩ እተስተውዕልን እተሰንይን እትሓብርን ዕግስቲ ቤተ ክርስቲያን ክትኰኑ ተስፋ እገብር። እታ ንሓድሕድ ቦታ እትህብ እትካታዕ ግንከኣ ሓድነት ዘለዋ ዕግስትን ዓቃልን ሕውነታዊት ቤተ ክርስቲያን ክትኰኑ እላበው። እባርኸኵም ሓደራ ምእንታይ ድማ ጸልዩ፥ የቐንየለይ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ልክዕ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ንኽብሪ ሃገር ቆጵሮስን መንግስትን ህዝብን ናብ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ነቒሎምን ብርእሰ ብሔር እናስታሲያደስ  ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣብኡ ምስ ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ኣካይዶምን ናይ ገጸ በረኸት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተፈጸመ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታትን ናይ መንግስቲ ላዕለዎ ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ልዕልዎት ኣካላትን ናብ ዝተረኽቡሉ ኣዳራሽ በጺሖም ርእሰ ብሔር ኣናስታሲያደስ ወግዓዊ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ምስ ኣስምዑ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም መደረ ከምዘስምዑን ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ናብቲ ዝዓርፍሉ ኣብ ኒኮሲያ ናብ ዝርከብ እቲ ኣብ 1973 ዓ.ም. ብሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝቖመ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሕንጻ ንምሕዳሮም ከምዝኸዱን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

Photogallery

ርክብ ቅዱስነቶም ምስ ኣቡናትን ካህናት ገዳማውያንን ገዳማውያትን መሃራን ትምህርተ ክርስቶስን
03 December 2021, 08:31