ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣገልግሎት ዉፉይ ፍቕሪ ሓቢርና ንዕየይ በዚ ድማ ውህደት ናባና ከብል እዩ!

ቅዱስነቶም ኣቃልብኦም ናብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ በርናባስ ገይሮም “ወዲ ምጽንናዕን ማዕዳን” እዩ እዚ ኸኣ “ወንጌል ንምእዋጅ ኣድላዪ ዝኾነ ክልተ ባህርያት ዘጣመረ” እዩ። “ደቂ ምጽንናዕ ክንከውን እንተ ደሊና ሓንቲ ቓል ቅድሚ ምዝራብና እውን ከይተረፈ ጽን ኢልና ክንሰምዕን ክንሓትትን ንኻልኦት ክንራኸቦምን ወንጌል ከነካፍሎምን እዩ ዝግብኣና

ቅዱስነቶም ኣብ ጐድኒ ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ጻድቕነቶም ክርይሶስቶሞስ ዳግማዊ ኮይኖም ምስ ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቶም ናይዘን ክልተ ኣቢያተ ክርስትያን ኑዛዜ እምነት ሰዓብቲ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘየለ እሞ ኣብ መንጐኦም ዘሎ “ዘይዕረቕ ዝመስል ፍልልያት” ከይሓባብኡ ኣብ ብዙሕነቶም ናብ “ኣደነት ቤተ ክርስቲያን” ብሓባር ክኸዱ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓባራዊ ማእስር ንምጒላሕ ከማኡ እውን ነቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ዘተ ቅዱስ በርናባስ ከም ኣብነት ዝወስድ ክኸውን ዘለዎም ባህጊ ኣኲሊሖም ነቲ “ሓባራዊ ሓዋርያዊ መበቆል” ኣዘኻኺሮም “ስለዚ ወረስቲ እቲ ሓደ ሓዋርያዊ ቅንኣት ኢና፡ ሓንቲ መንገዲ እውን ትሓቝፈና፥ እቲ ሓቛፊና መገዲ ከኣ ወንጌል እዩ። ብዝያዳ ሓድነትን ምሉእ ውህደትን እናደለና በቲ መገዲ - ወንጌል ብሓባር ክንጓዓዝ ባህ የብለኒ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምጽንናዕን ምዕዶን

ቅዱስነቶም ኣቃልብኦም ናብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ በርናባስ ገይሮም “ወዲ ምጽንናዕን ማዕዳን” እዩ እዚ ኸኣ “ወንጌል ንምእዋጅ ኣድላዪ ዝኾነ ክልተ ባህርያት ዘጣመረ” እዩ። “ደቂ ምጽንናዕ ክንከውን እንተ ደሊና ሓንቲ ቓል ቅድሚ ምዝራብና እውን ከይተረፈ ጽን ኢልና ክንሰምዕን ክንሓትትን ንኻልኦት ክንራኸቦምን ወንጌል ከነካፍሎምን እዩ ዝግብኣና። ሰዓብቲ ካቶሊክ እምነት ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝቕጽል ሒደት ዓመታት ብሲኖዶስ ኣቡናት ኣቢሎም ከዕምቝዎ እዮም” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣገልግሎት ዉፉይ ፍቕሪ ሓቢርና ንዕየይ በዚ ድማ ውህደት ናባና ከብል እዩ!

ጸሎትን ምቅርራብን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ጸሎትን ምቅርራብን ከምኡ እውን ኣብቲ ዘጨንቕ ኵነታት ዘበለ ኵሉ ኣረጋጊጾም፡ በዚ ድማ ዝበለጸ ትብዓትን ተስፋን ኣባኻትኵም ክዓስል እምነ። ሓዘንኵምን ሓጐስኩምን ናይታ እዩ። ከምናትና ጌርና ኢና እንርእዮ። እዚ ከምዚ ኢሉ ጸሎትኵም ከም ዜድልየና እዩ ዝስምዓኒ። እዚ እውን ኣብቲ ምስ ፓትሪያርክ ጻድቕነቶም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ናይ ግሊ ርክብ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ዝሓለፈ ፍልልያት ምስጋር

ቅዱስነቶም ኣብ ህይወት ቅዱስ በርናባስ ተክለ ሰብነት እቲ ካልእ ዓቢይ ኣገዳሲ ዝኾነ ድማ ትብዓቱ እዩ። ተባዕ ጥቕሚ ርእሱ ዝስውእ። ብግልጺ ወይ ብትብዓት ኣብ ዝግበር ህርኵት ጻዕሪ ልሙሳት ኣይንዅን ወይ ብዛዕባ እቲ ምስ ወንጌል ዋላ ሓንቲ ርክብ ዘይብሉ ብዛዕባ “ዘይዕረ ፍልላይ” ንምዝራብ ኢድና ኣይንሃብ” ቢሎም . . . ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበረ ምፍልላይ ናባና ከይነስግሮ ግራት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብትዕግስትን ብጽንዓትን ብጭቡጥ ህርኵት ጻዕሪ ንኸነማዕብል ቅዱስ በርናባስ ጻውዒት የቕርበልና።” ኣብነት እታ “ቅድስተ እምቤት ወርቃዊት ከተማ” ሎሚ ናይ ስግደትን ኣምልኾን ስፍራ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ኣዚዩ ፍቝር ዝኾነን። እዚ ቅዱስ ስፍራ እዚ ኣብ ትሕቲ እታ ንደቃ እትእክብ ኣደ ኣምላኽ ኣብ እምነትን ህይወትን ናይ ምትሕብባር ትእምርቲ እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓሶትን ምስሉይነትን ምስናፍ

ካልእ ናይ ቅዱስ በርናባስ መግለጺ እቲ ዘጋጠሞን ብዙሕ ዘሳቐዮን ፈተና ሓሶትን ምስሉይነትን እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ዝሓለፈ ንጒዕዞና ኺዓግቶ ዚኽእል ሓሶትን ምትላልን ብዙሕ እዩ። ስለዚ ጐይታ መገድታትና ዘይኮነስ መገዲ ቅዱስ በርናባስ ክንስዕብ ዜኽእለና ጥበብን ትብዓትን ክጽግወና ንለምኖ።”

መርሳታትን ድልድላትን

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፥ ከም ቅዱስ በርናባስ ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ከም ዘለዉ ኣዘኻኺሮም፥ እዞም ቅዱሳት እዚኣቶም “ናብቲ ኵላትና እንምነዮ ወደብ ብሓባር ክንጐዓዝ የተባብዑና።” ካብ ላዕሊ ተበጊስና ነታ ድሮ ኣብ መንጐ ምብራቕን ምዕራብን ድልድል ዝኾነት ቆጥሮስ ብሓባር ክንሃንጻ የተባብዑና እዚ ድልድል እዚ ኸኣ ኣብ መንጐስ ሰማይን ምድርን ዘሎ ድልድል እዩ” እክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣገልግሎት ዉፉይ ፍቕሪ ሓቢርና ንዕየይ በዚ ድማ ውህደት ናባና ከብል እዩ!
04 December 2021, 22:44