ድለ

2021.12.01 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ሂቦም 2021.12.01 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ሂቦም 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንቅድስቲ ማርያም ሕድሪ ሂቦም

ናብ “ምንጭታት እምነትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባራዊ ዘተ ሃገራት” ዘካይድዎ ምብጻሕ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም ኵሉ ብጸሎት ከሰንዮም ተማሕጺኖም ምስ ዝደተይናታት ክራኸቡን ዝቆሰለ ሰብኣዊ ኣካል ክትክፉን ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሮ እቲ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 35 ኣህጉራዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ዕለት 1 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻ መደባቶም ቅድሚ ምንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብምኻድ ኣብ ፊት ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን በማላድነታ ጸሎት ኣዕሪጎምን ሓዋርያዊ መገሻኦም ነማላድነታ ሕድሪ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ሮማ ናብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንድሳዊ ንግደት ፈጺሞም ንቅድስተ ድንግል ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሕድሪ ሂቦም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስላ ዕንባባ ኣንቢሮም ብሕታዊ ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ እዚ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ ናብ ቆጵሮስን ግሪኽን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ንዕቝባ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክወሃብን ኵሉ እውን ብጸሎት ከሰንዮም ዕለት 1 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ሓቲቶም፥ ናብ “ምንጭታት እምነትን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባራዊ ዘተ ሃገራት” ዘካይድዎ ምንጻሕ ከምዝኾነ እውን ገሊጾም ኵሉ ብጸሎት ከሰንዮም ተማሕጺኖም ምስ ዝደተይናታት ክራኸቡን ዝቆሰለ ሰብኣዊ ኣካል ክትክፉን ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ ከምዝበሉ የዘኻኽር።   

02 December 2021, 10:09