ድለ

ቆጵሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተእንግድ ኣብ ናይ ምወዳእታ ምድላዋት ትርከብ ቆጵሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተእንግድ ኣብ ናይ ምወዳእታ ምድላዋት ትርከብ 

ቆጵሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተእንግድ ኣብ ናይ ምወዳእታ ምድላዋት ትርከብ

ኣብዚ ዘካይድዎ ምብጻሕ እዚ ንኽብሪ እታ ሃገርን ሕዝብን መንግስትን ኣብ ቤተ መግንስቲ ርእሰ ብሔር ከብጽሑን ምስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲያደስ ክራኸቡን ብዛባ ቆጥሮስ ዝምልከቱ ሕቶታትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስደተንታትን መሰል ሰብኣውን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ለብዒ ኮቪድ 19 ን ክመያየጡ ትጽቢት ይግበር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 6 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ክልተ ሃገራት መዲትራኒያን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ናይቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቀጵሮስ ቅድም እውን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብ ግሪኽ ናይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ክፋል ከምዝኾነን ቆጥሮስ ቅዱስነቶም ንኸተእንግድ ኣብ ናይ  መወዳእታ ምድላዋት ከምእትርከብ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንመንግስቲ ቆጵሮስ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ እዚ ታሪካዊ ፍጻመ እዩ። ብመሰረት ወሃቢ ቃል መንግስቲ ቆጥሮስ 77 ልኡካን ዘጋብያን ኣብቲ ምብጻሕ ንቕዱነቶም ከምዘሰንዩን ካልኦት 200 ልኡካን ጋዜጠይናታት እውን ብዛዕባ እቲ ናይቲ ምብጻሕ ኪደት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓቢይ ሽፋን ክህቡ ከምዝኾዕኑ እንክገልጹ  እዚ ሓዋርያዊ መገሻ እዚ ሓጺርን ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ፍጻሜታት ዘጠቓልል ከምዝኾነን እቲ ኣብ ኒቀስያ ዋና ናይ ስፖርት መዳ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ውሽጥን ወጻእን ከባቢ እታ ሃገር ካብ ዝርከባ ሃገርት ዝመጹ ብዙሓት ካቶሊካውያን ምእመናን ክሳተፉ ከምዝኾኑን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስ ስደተንታት ኪራኸቡ ከም ዝኾኑን ኣስዒቦም እውን ኣብ ኒቆሲያ ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መስቀል ኣብ መደብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ጸሎት ክሳተፉን። ኣብዚ ዘካይድዎ ምብጻሕ  እዚ ንኽብሪ እታ ሃገርን ሕዝብን መንግስትን ኣብ ቤተ መግንስቲ ርእሰ ብሔር ከብጽሑን ምስ ርእሰ ብሔር ኒኮስ ኣናስታሲያደስ ክራኸቡን ብዛባ ቆጥሮስ ዝምልከቱ ሕቶታትን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስደተንታትን መሰል ሰብኣውን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ለብዒ ኮቪድ 19 ን ክመያየጡ ትጽቢት ይግበር ከምዘሎ ካብ ቆጵሮስ ዝወጹ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥   

ቅዱስነቶም ኣብዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ናይ ቆጵሮስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ሊቀ ጳጳሳት ክርስይሶስቶሞስ ዳግማውን ምስቶም ኣብታ ደሴት ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ክራኸቡን ከምዝኾኑን ካብታ ሃገር ዕለት 4 ታሕሳስ ተሰናቢቶም ንተመሰሳሊ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ኣተንስ ክነቕሉ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣

02 December 2021, 08:35