ድለ

ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ሰነድ ኣቡ ዳቢ ንምፍራን ዝተገብረ ጉዕዞ ኣብ ሓብቲ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ሰነድ ኣቡ ዳቢ ንምፍራን ዝተገብረ ጉዕዞ ኣብ ሓብቲ መጽሓፍ 

ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብን ሰነድ ኣቡ ዳቢ ንምፍራን ዝተገብረ ጉዕዞ ኣብ ሓብቲ መጽሓፍ

እታ መጽሓፍ ኢሚራት ዓረብ ነቲ እቶም ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ዝወሰድዎ ተብገሶ ኣብ ምድጋፍ ዝነበሮ ግደ እተጒልሕን እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሃይማኖት ምስልምና ክርስትናን ዘተ ንምግባርን ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእን ዘካይድኦ ናይ ሓባር ክርብ ኣበርክቶ እተመላኽት

ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ኣባይቲ መሸጣ መጻሕፍቲ እታ መሓመድ ኣብዱልሳላም ዝደረስዋ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመት ኣብ መንጐ እቶም ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝገልጽ ታሪኻዊ ሰነድ ህይወት ዝሃቡ ክልተ ናይ ሓይማኖት መራሕቲ ናይ ሓባር ርክባቶም ምዕባለን እተዘንትው ናይ ዓቢይ መምህር ኣልጣይብን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጽሑፋት ከም መቕደም ዝተነብራ መጽሓፍ ነንበብቲ ከምዝቐረበት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ”ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓቢይ መምህርን፡ ኣብ ኣዃኽ መገዲ” ዘርእስታ ታሪኻዊ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ደሪሶምን ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ከቲሞም ክሳብ ንወግዓዊ ንምቕራብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ጉዕዞ እተዘንትው ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመት ኣብ ምስሪ ናይ መንግስቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዳይናን ንልዕሊ 9 ዓመት ናይ ምስሪ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣሕማድ ኣል-ጣይብ ኣማኻሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉን ከምኡ እውን ናይቲ ድሕሪ ሰብኣዊ ሕውነት ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ዝቖመ ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ሰብኣዊ ሕውነት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ፈራዳይ ሞሓማድ ኣብዱላሳልም ዝደርስዋ መጽሓፍ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ነንበብቲ ከምዝቐረበትን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝነበሩን ዝወዓሉን፥ ቀጥታዊ ምስክርነት

ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዛዕባ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝከታተል ማእከላይ ሽማግለ ኣባል ኣብዱልሳላም ኣብ ገሊኡ እዋን ናይቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ብናይ ሓባር ርክብን ንኽብሪ ኣብ ዝተመስረተ ሓድሕዳዊ ምብጽጻሕን ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ሎሚ ኸኣ ኣብቲ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ “እምነትን ስነ ፍልጠትን ናብ ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ብከላ ከባቢ ኣየር ዋዕላ” ብዝብል እርእስቲ ኣብ እተዳለወ ዓውደ ኣኼባ ናይ እተኻየደ ርክብ ቀጥታዊ ምስክርነት እዮም። እቶም ደራሲ ነቲ ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ዓበይቲ ናይ ሓይማኖት መራሕቲ ዘሎ ምይይጥን ሓባራዊ ምርድዳእን እናዓበየን ይኸይድ ከምዘሎ ብዓይኖም ርእዮም እዮም። መበቈል ናይቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተገብሩ ኣኼባታትን ስዒቡ እውን ሰነድ ኮይኑ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ኣብ ኤሚራት ዓረብ ሓገራት ምብጻሕ ኣካይዶም ኣብ ኣቡ ዳቢ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ክገብሩ እንከለዉ ናይ ዝተበብረ ሃዋሁ እውን ዝነበሩን ዝወዓሉን ቀጥታዊ ምስክር እዮም።

መቕድም ናይታ መጽሓፍ

እታ መጽሓፍ ኢሚራት ዓረብ ነቲ እቶም ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ዝወሰድዎ ተብገሶ ኣብ ምድጋፍ ዝነበሮ ግደ እተጒልሕን እዚ ድማ ኣብ መንጐ ሃይማኖት ምስልምና ክርስትናን ዘተ ንምግባርን ኣብ ዓለም ሰላም ንምምጻእን ዘካይድኦ ናይ ሓባር ክርብ ኣበርክቶ እተመላኽት እያ። ናይታ ብቤት ማሕተም ቅዱስ ጳውሎስ ዝተሓትመት ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት መጽሓፍ መቕድም ደረስቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢይ መምህር ኣል-ጣይብን ከምዝኾኑን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ “መገዲ ሕውነት ናይ ሓባርን ከምኡ እውን ኣጸጋምን ጉዕዞ እዩ። እተዀነ ግን ንደቅሰብ መድሕን ሕይወት እዩ” ዝብልን ከምኡ እውን “ናይ ሓቂ ኣመንቲ  - ንመሰላት ካልኦት በቲ ንገዛእ ርእሶም ዝጣበቑሉ ሃይሊ ገይሮም ዝሕልዉን ዘኽብሩን ዝጣበቑን እያቶም፡ ምኽንያቱ ሓደ ኣማኒ ክቕበሉ ዝኽእል እንኰ ኣኽራርነት ኣኽራርነት ፍቕሪ እዩ” ዝብል ሕሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 October 2021, 09:24