ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ትምህርታዊ ኪዳን ነስፍሕ ዓለም ከኣ ዝያዳ ሕውነት ክህልዎ እዩ ፍራንቸስኮ፥ ትምህርታዊ ኪዳን ነስፍሕ ዓለም ከኣ ዝያዳ ሕውነት ክህልዎ እዩ 

ፍራንቸስኮ፥ ትምህርታዊ ኪዳን ነስፍሕ ዓለም ከኣ ዝያዳ ሕውነት ክህልዎ እዩ

. . . “እቲ መሃይምነት ካብ ምፍጥፋ ክሳብ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ማለት ንርእስን ኣእዳውን ልብን ነፍስን ዘይንጽል ትምህርቲ ናይ ምምሃርት ተልኾና ዘረጋግጾ ምዃኑ ከነፍልጥ ንደሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብዛዕባ “ሃይማኖትን ትምህርትን” ብዝብል ርእሰ ጒዳይ ተመሪሑ ኣብ እተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ንቃል ኪዳን ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ “ኣእምሮን ልብን ነፍስን” ናይ ምምሃር  እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ልምድታት ደጊሞም ብምዝኽኻር ዘለዎ ልዑል ክብሪ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ዓለም ሓቢሮም ብዛዕባ “ሃይማኖታትን ትምህርትን - ናብ ሓደ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ” ዘርእስቱ ክመክር ዝዓደምዎ ዓውደ ጒባኤ ምክያዱን እቶም ተሳተፍቲ “ብዛዕባ እቲ ሎሚ ንትምህርቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ዓበይቲ ብድሆታት ኣማእኪሎም ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ከምእተመያየጡ  ናይ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር መግለጺ ዝጠቀሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መጻኢ ምቕራጽ

ር,ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ 2019 ዓ.ም. ንዅሎም እቶም “ንመጻኢ ዓለም ብኸመይ ከም እንቐርጾ” ንኽመያይጠ ኣብ ዝጠለብዎ ዓውደ ኣኼባ “ትምህርትን ሕንጸትን” ተሳቲፎም ንዝነበሩ ተጋባእያን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ዘኪሮም ለውጢ ክግበር እንከሎ ኸኣ “ሓድሽ ኣድማሳዊ ሓድነትን ሓንጐፋይ ቢሉ ዝቕበል ሕብረተሰብ” ንምምዕብል ዝዓለመ ትምህርታዊ መስርሕ የድሊ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዝያዳ ማሕበረሰብኣዊ ርክባትን ሰብኣዊ ሕውነት “ሰፊሕ ትምህርታዊ ኪዳን የድሊ እንክብሉ ጻውዒት ኣቕርቦም፥ ፍልልያት ብዘየገድስ “ዝያዳ ሕውነት ዝዓሰላ ዓለም ክህልወና እንተድኣ ደሊና ንመንእሰያት ‘ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ንኽህብሉን ክኸስተውዕልሉን ንኸፋቐሩን’ ክንምህሮም ኣሎና።” ትምህርቲ ኣብቲ “ርእስኻ ፍለጥ” ዝብል መሰረታዊ ስርዓት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ “ኣገዳሲ ስርዓት” እውን ክምስረት ከም ዘለዎ እንክገልጹ - ንኣሕዋትን ኣሓትን ምፍላይ፡ ንፍጥረት ምፍላጥ ከምኡ እውን “ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ምስጢር ህይወት ንምምሃር” ነቲ ብሉጽ ልዑልን ምፍላጥ የድሊ። ንመንእሰያት ብዛዕባ እቲ ንህይወት ትርጒም ዘለዎ ሓቅታት ካብ ምዝራብ ድሕር ክነቋርድ የብልናን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖታትን ትምህርትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታትን ትምህርትን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ከጒልሑ እንከለዉ፥ “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ንሕና እውን ብጥበብን ሰብኣውነትን ሃይማኖታዊ ልምድታትን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣድማሳዊ ማሕበረሰብ ዘደንፍዕ ሓድሽ ትምህርታዊ ንጥፈታት ከነነቓቕሖ ንደሊ።” . . . ሓድ ሓድ ግዜ ንሃይማኖታዊ ትምህርቲ እንኰላይ ነቲ ኣብ መንጐ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዚግበር ግጭት ኬበላሽዎ ዚኽእል ጐዳኢ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንኡሳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዚወርድ ኣድልዎ ንመሰላት ኣንስትን ቈልዑን ተነቀፍትን ዘይምኽባር ንፍጥረት ምዝመዛ ተጻዋርነት ዝብሉ ዘርዚሮም፡ በንጻሩ ግን ሕጂ ብሰላማዊ መገዲ ብሓባር ክንነብር ከም ዝቘረጽና አዘኻኽር። ንኽብሪ ኵሉን መሳልት ኵሎምን ምጥባቕ ከምኡ እውን ንዅሎም ፍጥረታት ፍቕርን ሓልዮትን ብሓባር ንዕየይ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ነቲ ተልኾ ዳግም ምርግጋጽ

. . . “እቲ መሃይምነት ካብ ምፍጥፋ ክሳብ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣብ ምቕራብ መሪሕ ግደ ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ልምድታትና ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ማለት ንርእስን ኣእዳውን ልብን ነፍስን ዘይንጽል ትምህርቲ ናይ ምምሃርት ተልኾና ዘረጋግጾ ምዃኑ ከነፍልጥ ንደሊ። ሓደ ሰብ እንታይ ከም ዚስምዖን እንታይ ከም ዚገብርን ይሓስብ ሓደ ሰብ ዚሓሶብ ዚገብሮን ይስምዖ ሓደ ሰብ ከምቲ ዚስምዖን ዚሓስቦን ይግበር፡ እዚ ኸኣ ስኒት ንጽሕና ሰብ ማለት ኵሉ ጽባቐ እዚ ስኒት እዚ እዩ” ምስ በሉ ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ ናይ ጽሞና ጸሎት ክገብሪ ዓዲሞም ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጽሞና ጸሎት ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዝሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቲ እንገብሮ ምይይጥ ፍረ ምእንቲ ከፍሪ ከምኡ እውን መገዲ ሓድሽ ትምህርቲ ንኽንስዕብ ብትብዓት ምእnቲ ክሕግዘና ንኣምላኽ ኣእምሮና ከብርሃልና ንለምኖ” ዝብል ጸሎት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።   

06 October 2021, 09:18