ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓያላት እዛ ምድሪ ብስም እግዚኣብሔር ናይ ሞት ባህሊ ኣወግዱ ሓደራ! ር.ሊ.ጳ.፥ ሓያላት እዛ ምድሪ ብስም እግዚኣብሔር ናይ ሞት ባህሊ ኣወግዱ ሓደራ! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሓያላት እዛ ምድሪ ብስም እግዚኣብሔር ናይ ሞት ባህሊ ኣወግዱ ሓደራ!

ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ክፍሊ ዓለም ብሓደ ወገን ዚወርድ ውሳመመጥቓዕትን እገዳን ማዕቅብን ኪቋረጽ ብስም ኣምላኽ እሓትት! ኣይፋል ንሓድሽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሜላታት። ግጭታት ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት መግንስታት ኣብ ዝኣመሰላ ውድባት እዩ ክፍታሕ ዘለዎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ብሉጽ ድራኸታት ወይ ብጒልቡብ ምኽንያት ብሓደ ወገን ዝግበር እደ ኣታውነት ወራር እንታይ ዘስዕብ ምዃኑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ራብዓይ ዓለም ለኻዊ ሕዝባውያን ምንቅስቓስ ዓውደ ርክብ እተሳተፉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ሓያላት ዓለም ዝያዳ ፍትሕን ምትሕልላይን ሕውነትን ዘለዋ ዓለም ንምርግጋጽ ክዓዩ ብርቱዕ ጻውዒት ኣቕርቢም፡ ዕዳ ድኻታት ሃገራት ኪስረዝ ኣጽዋር ውግእ ኪእገድ ዓመጽን ማዕቀባትን ክውገድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ክረክብን ንዅሎም ሰራሕተንታት ግቡእን ፍትሓዊ ደሞዝ ውሑስ ክኸውን መዓልቲ ስራሕ ክንከይን ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ ኣቲ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዝሓሸን ብሉጽን ዓለም ክህልወና ብሓባር እናሓለምና ነቲ “ምስ ኵሎም ደቅሰብን ምስ ፍጥረትን ተሰማሚዕካ ምንባር” ብናጽነትን ማዕርነትን ፍትሕን ጥራይ ዝርከብ “ሰናይ ናብራ” ንኸይዕወት ዝዓግቱ ብድሆታት ንምስናፍ ጻዕራማት ንዅን። ነቶም ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ስልጣን ዘለዎም ብስም እግዚኣብሔር ነቲ ህልው ኵነታት ዓለምን ክቕይርዎን ሕልምታትና ምስቲ “ኣምላኽ ከም ደቁ ንኣና ዘለዎ ሕልሚ” ዘራኽቡ ክዀኑ ሓቲቶም፡ “ስርዓት ሞት” ኣብ ምውጋዱ ክዓዩ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ርክብ ንዝተረኽቡ ወከልቲ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ዝፈጥሩ ገጠምያን ማሕበራውነት

ነቶም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዝውክሉ ሰባት በቲ ለብዒ ኣዚዮም ንዝሳቐዩ ኣብ ምሕጋዝ “ተስፋ ንምፍጣር ዘለዎም ክዕለትን ትብዓትን” ከምኡ እውን ክብረት ሰብኣዊ ፍጥረት ውሑስ ክኸውን ዝዓዩ “ገጣምያን ማሕበረሰብኣውነት” እንክብሉ ይገልጽዎም፥

ምሳዅም ክረአአይ ኣብ ምንጻግን ኢማዕርነትን ወይ ኣብ ዘይምግዳስ እተመርኮሰ መጻኢ ምህናጽ ዝግበር ኪደት ንኽንደግምን ኣብቲ ፍሉይ መሰል ናይ ምርካብ ዝብል ዘይርአን ክትጻወሮ ዘይከኣልን መዝማዝን ዓማጽን ባህሊ መሰረት ዝገበረ እዋናውነት ምንባር ልምዲ ገርይርና ንኽንቅጽል ኵኑናት ከምዘይኰንና የዘኻኸረኒ።

በቲ ለብዒ ኣዚዮም ዝተጠቕዑ

ቅዱስነቶም ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ለብዒ ነቲ ንህዝብና ዚጸልው ማሕበራው ዘይማዕርነት ኣግሂድዎ እዩ። ብዘየማትእ ኣገባብ እውን ነቲ ንብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጨንቕ ኵነት ኣቃሊዕዎ እዩ። “ኵላትና በራትካ ምዕጻው ዘምጽኦ ስቓይን” ከምኡ እውን “ካብ ሓደ መዓልቲ ናብ ካልእ መዓልቲ ብቕጽበት ኣብ ኣነባብራና ብኸመይ ለውጢ ክንገብር ከም ዝከኣል ተመኪርናዮ ኢና” እንተዀነ ግን “ኣብ ብዙሓት ሃገራት መንግስታት ምላሽ እኳ እንተ ሃቡ፥ ስነ ፍልጠት ጽን ቢሎም ሓባራዊ ጥቕሚ ውሑስ ንምግባር ደረት ገይሮም እዮም።           መሰረታዊ ትሕተ ቅርጽታት ኣብ ዘይብሉ ኵርናዕ ዓለም - መብዛሕትዅምን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ

ሰባት እትነብርዎ - ኣብ ቤትካ ተዓጺኻ ነቲ ስርዓት ተወሸብ ንምኽባር ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ነቲ ዝተሓተ ክንክንን ዕቝባን ክትገብረሉ ዜድልየካ ዘበለ ጥራይ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ቤት ዞባ ስለ ዝኾነ እውን እዩ። ስደተይናታት ናይ መንነት ሰነድ ዘይብሎም ናይ እግረ መገዲ ሰራሕተይናታት - ግዚያዊ ሰራሕተይናታት መብዛሕቲኡ ግዜ ዝዀነ ይዅን ናይ መንግስቲ ረድኤት ኣይተወሃቦምን ነቲ ልሙድ ዕዮኦም ክፍጽሙ ድማ ኣይከኣሉን እዚ ድማ ነቲ ድሮ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነቶም የብእሶ።

ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘሕድሮ ጸቕጥን ቅልውላው መግብን፥ ስዉር ሳዕቤን ኾረና ተህዋስ

እቲ ስቓይ ዝመልኦ ሲሶ ዓለም ኣብ ዓበይቲ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብቶም ርእይቶ ዝህቡ ሰባትን እዅል ተገዳስነት የብሉን” እዚ ሸለል ናይ ምባልን ናይ ዘምግዳስን ባህሊ ዘነጽር ዘሎ እዩ . . .

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ልዕሊ ዕስራ ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ናብ ክቱር መጠን መግቢ ሻቕሎት ከምዘበሉን ነቲ ኣብ ዓለም ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ብሚሊዮና ዝቑጸሩ ሰባት ብዝሒ ክብ ከምዘበሎን ዋጋ መግቢ ብዘይ መጠን ክውስኽን ብጥምየት ዝሳቐዩ ቝጽሪ እውን ክብ የብል ኣሎ። ንኣብነት ከም ሶርያ ሃይቲ ኰንጎ ሴነጋል የመን ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት እሓስብ፡ ኣንተዀነ ግን ኣብ ብዙሓት ካልኦት ድኻታት ሃገራት ዓለምን ከምኡ እውን ኣብ ሃብታማት ሃገራት እውን ከይተረፈ ጥምየት ይርአ ኣሎ።

ናይ ካልኦት ስቓይ ከም ናትካ ኰይኑ ክስምዓካ

እንተዀነ ግን ኣብዚ ዅነት እዚ እቶም ሰራሕተይናታት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ናይ ካልኦት ስቓይ ከም ናቶም ኰይኑ ክስምዖም ከምዝገብሩን ክርስቲያን ይዅን ኣይዅን ከምቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ቅድሚ ዝጠመዩ ሰባት ንስኻትኵም ባዕልዅም ዝብላዕ መግቢ ሃብዎም” ዝበሎ . . .

ልክዕ ከምቶም ኣብ ድፋዕ ክንክን ጥዕና ዘለዉ ሓኻይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ሰራሕተይናታት ጥዕናን ኣብቲ ኣብ እተሓረገ ከባቢ እትዓዩ ኢኻትኵም፡ ብኣዅም ኣቢለ ናይ ሓልዮት ‘ሰማዕታት’ ምልክት ዝኾኑ ብዙሓት ክፈልጥ ክኢለ እየ። ጐይታ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዎ ምዃን እምነት ኣሎኒ። ኵሎም እቶም ንፍቕሪ ዘፍቅሩ ሰባት ብሓባር ኰይኖም ጸረ ለብዒ ዝተቓለሱ ብሓባር ብዛዕባ ሓዳስ ዓለም ኪሓልሙ ዝኽእሉ እንተዝዀኑ ነይሮም ኵሉ ነገር ድሮ ምተቐየረ!

ንቝጠባዊ ስርዓት ምቕያር

ር.ሊ.ጳ. “ካብ  ሓደ ቅልውላው ፈጺምካ ከምቲ ዝነበርካዮ ኴንካ ኣይውጻእን” ቢሎም ዳግም ምስ ኣዘኻኸሩ፥ ካብቲ ለብዒ “ወይ ዝሓሸ ወይ ካብ ቀደም ዝገደዱ ኴይና ኢና እንወጽእ” ስለዚ ነዚ ንምምሕያሽ ዝድርኽ ኣጋጣሚ “ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መደባት ምምላስ ብሓቂ ርእሰ ቅትለትን ሕድሕዳዊ ቅትለትን ቅትለት ማሓድሮን ምፍጻም እዩ ዝኸውን።” ዝሓሸ ኴይናን ንኽንወጽእ “ብዙሓት እቲ ናይ መዋቕራዊ ሓጢኣት ዝኾኑ ኣገባባትና ወጅሂ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘለዎ ማሕበራውን ቍጠባውን ኣገባብ ገይርና ክንዕርዮ ኣድላዪ እዩ፥

እዚ ዘየቛርጽ መኽሰብ ዝብል ስርዓት እዚ ካብ ቍጽጽር ደቅሰብ የምልጥ ኣሎ። ነዚ ዘይቋርጽ መኽሰብ ዝብል ናብ ደልሃመት ዝመርሓና ዘሎ ኪደት ደው ንኸነብሎ ግዚኡ ሕጂ እዩ፡ ሕጂ ግዜ እንኰለና . . .

“ብስም ኣምላኽ” ጻውዒት ቅዱስነቶም ንሓያላት እዛ ምድሪ

ስለዚ እቲ ለውጢ ክረጋገጽ ነቶም ዚቈጻጸሩን ኪውስኑ ክእለት ዘለዎም ሰባት “ብስም ኣምላኽ”፥

ብስም ኣምላኽ ነተን ዓበይቲ ናይ ስነ መድሃቲት ትካላት፥ ዝርከቡ ኣፋውስ ናጻ ግበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ሰብን ህዝብን ክትባት ክረክብ ግበሩ። ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚእታዊ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝበን ጥራሕ ክትባት ዝረኸቡ ዜጋታት ዘለወን ድኻታት ሃገራት ብዙሓት እያተን!

ብስም ኣምላኽ ንቝጠባዊ ጉጅለታትን ንዓለም ለኻዊ ውድባት፥ ድኻታት ሃገራት ንህዝበን መሰረታዊ ድላይ ኬማልኣሎምን ንረብሓታት ህዝበን ዝጻረር ዘለወን ናይ ወጻኢዕዳታት ክስርዛ!

ብስም ኣምላኽ እተን ዕደና ነዳዲ ዘካይዳ ትካላት ነዳድን ማዕድናትን . . . ዱርን ጠሊ ዘለዎ ቦታታትን ኣኽራናትን ሓምላይ ሃብትን ምጥፋእ ከቋርጻን ወሓይዝን ባሕርን ከይብክላ ከምኡ እውን ህዝብን መግብን ዝምርዝ ተግባራተንን ከወግዳ!

ብስም ኣምላኽ እተን ትካላት መግብን፥ ዋጋታት መግቢ ብዙሓት ህዝቢ ዓለም ንጥምየት ዝዳርግ ኣሰራራሐኤን ከወግዳ ጻውዒት አቕርብ . . .

ኣምረትን ነጋዶን ኣጽዋር ዓመጽን ውግእን ዘለዓዕል ንጥፈታቶት ምሉእ ብምሉእ ከቋርጽጹ ብስም ኣምላክ ክሓትት እደሊ፡ እዚ ኸኣ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ከባቢ እቲ ብሚሊዮናት ዝቝጸር ህይወት ዋጋ ዘኽፍል ዘስዕቦ ስነ መልክዓ ምድራዊ ፖለቲካ ምፍሕፋሕ ዝወልዶ እዩ።

እቶም እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝፈጥሩ ሰባት ናይ ሰባት ተኣፋፍነት ብምምዝማዝ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምዝርጋሕን ጽልእ ዘባዝሕ መደረታት ምፍናውን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምህዳንን ዝገብርዎ መኽሰብ ጥራሕ ዝብል ውዲት ርእየት ዓለምን ፖለቲካዊ ዕበልላን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ዅሉ እዚ ብስም ኣምላኽ ደው ከብልዎ እጽውዕ!

ኣገልግሎት ቀረብ ህንጸት ንዅሉ ክፉት ክኸውንን ኣብ መንጐ መምህራን መርበባዊ መስርሕ መሰረት ተምክሮን ብቕዓትን ናይ ምልውዋጥ ዕድል መታን ክህሉ ኣብ እዋን ተወሸብ ኵነት እውን ድኻታት ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ መታን ከይንጸሉን ብስም ኣምላኽ ነቶም ዓርሞሸሻት ትካላት ተለመራኽበታት ጽውዒት አቕርብ!

መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ድህረ ሓቂ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ጸርፊን ምክፋእ ከምኡ እውን ነቲ ናብ ነውርን ህውከትን ዝስሕብ ሕማቕ ስሕበት ኣገባባተን መወዳእታ ክግበራሉ ብስም ኣምላኽ ክሓትት እደሊ! ነቶም ኣዚዮም ዝቘሰሉ ሰባት ድንጋጸ ከርእያን ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ምህናጽ ኣበርክቶ ክህልወን መታን።

ሓያላት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ክፍሊ ዓለም ብሓደ ወገን ዚወርድ ውሳመመጥቓዕትን እገዳን ማዕቅብን ኪቋረጽ ብስም ኣምላኽ እሓትት! ኣይፋል ንሓድሽ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሜላታት። ግጭታት ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት መግንስታት ኣብ ዝኣመሰላ ውድባት እዩ ክፍታሕ ዘለዎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ብሉጽ ድራኸታት ወይ ብጒልቡብ ምኽንያት ብሓደ ወገን ዝግበር እደ ኣታውነት ወራር እንታይ ዘስዕብ ምዃኑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ!

ጻውዒት ንፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መግንስታትን ፖለቲከይናታትን ኵለን ናይ ፖለቲካ ውድባትን “ንቝጠባዊ ብሉጻት ጥራይ ምስማዕ” ኣወጊዶም ገዛእ ርእሶም “ኣብ ኣገልግሎት መሬትን መዕቈብን ስራሕን ጽቡቕ ህይወትን ዚሓትቱ ህዝብታት” ከብሉን መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ “ስም ኣምላኽ ውግእ ወይ ዕልዋ ንምልዕዓል ከቶ ከየውዕልዎን” እሓትት ኣብ ክንዱኡስ ድልድ ፍቕሪ ኩሃንጹ እምሕጸን” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓባራዊ ሕያዋይ ሳምራውያን ተግባር ሕዝብታት ዝልውጥ ሓይሊ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ዘይምጽውዋርን ጽልእ ዓሌትን ከምኡ እውን ጽልእ ንድኻታትን ዝብል ዝገማምዕ ናብ ዘይምግዳስን ውልቃውነትን ዝመርሕ ንሰባት ከኣ ዝሓሸት ዓለም ብሓባር ንኸይሓልሙ ዘተዓንቕፎን ህዝባውነት ዝብል ትረኻ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ብሉጽ ዓለም ዝብል ሕልሚ ዘጋጥም ብድሆ ኣብ ምእላይ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ከም “ሓባራዊ ሕያዋይ ሳምራውያን” ኮይነን ዝዓያ እያተን፡ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ “ንናይ ህዝብታት ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ናይ ምቕያር ሓይሊ ፈልዩ ዘርኢ እዩ። ነቲ ብገሊኡ ብናይ ኢንዳስትሪ ባህሊ ዝግለጽ ባህርይ ዘይኰነስ ነቲ ንወንጌል እተወፈየ ኣማራጺ ብንጹር ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም፥

ብዛዕባ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ክሓስብ ከለኹ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ እንታይ ከምዝዝክር እተን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ይፈልጥኦ ዶ ይኾና? ብዛዕባ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ እተገብረ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ዓሌታዊ ዓመጽን ወይ ልዕልና ተባዕትዮ ዝብል ኣመለኻኽታ መሰረት ዚፍጸም ምጓድል ፍትሒ መልሲ ንምሃብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ብፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኪጽሎ ወይ ኪምዝመዝ ዝኽእል ምዃኑ የነጽር። እቲ ኣገዳሲ ነገር ግን ኣብቲ ኣንጻር እቲ ሞት እተገብረ መርኣያ እቲ “ሓባራዊ ሕያዋይ ሳምራዊ ምንባር ዝጻዓረ እውን ነይሩ እዩ”፡ እዚ ምንቅስቓስ እዚ በቲ ንስልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃም እተተንከፈ በሰላ ሰብኣዊ ክብረት ምስ ርኣየ ሕይዋይ ሳምራውነት ካብ ምንባር ኣይቦኸረን።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ንብዙሓት የጨንቖም እዩ

ንድኻታት ሓለፋ ዝብል ኵላዊ ጽሕፍቶ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ተጠቃምነትን ምትሕልላይን ሓገዝ ምሃብን ተሳታፍነትን ዝብል ሓባራዊ ረብሓ ዝኣመሰለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ትምህርቲ፥

ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኽዛረብ ከለኹ ገሊኦቶም ይግረሙን ደሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ነቲ ህብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ሰረተ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ዝብሎን ዘቕርቦ ኣስተንትኖን ዘሕስር ገይሮም ይገልጽዎን፥ እዚ ኣይሕርቐንን ኣየጒህይነንን እዩ። እዚ ሓደ ክፋል ድሕሪ እቲ ሓቂ ዘሎ እተኣልመ ውዲት እዩ። እዚ ውዲት እዚ ንዝዀነ ይኹን ነቲ ዘሎ ርእሰ ማላዊ ዓውሎማውነት ዝጻረር ሰብኣውነት ዝማእክል ጻዕርታት ኵሉ ንምእላይ ዝሃቀነ እዩ። እዚ ኸኣ ናይቲ ከም ውዳቕ ምሕሳብን ምጉሓፍን ዝብል ባህልን ምልከ እደ ጥበብን ረባሕታ ውጽኢት ውጽኢት እዩ።

ቢሎም፥ “ገሊኦም ኣሕዋት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ናይ ምሉእ ባህሊ ቤተ ክርስቲያን ክዝከር እንከሎ ዘጒህዮም” ከምኡ እውን ካልኦት ኵሎም ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝደረስውዎ ኣስተዋጽኦ ሕብረትሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንኸንብቡ እዕድም”

ር.ሊ.ጳ. ነዚ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዚ ብዙሕ ግዜ ንሰባት ዘጨንቕ እኳ እንተዀነ ከየዘኻኸርዎ ኣይሓልፉን እዮም ከመይሲ እቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ር.ሊ.ጳጳሳት ዘይኰነስ ወንጌል እዩ!

ህርኵት ጻዕሪ ምእንቲ ናይ ሓባር ጥቕምን ናጽነትን

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ክልተ መሰረታዊ ስርዓታት እንክሕብሩ፥ እዚ ኸኣ ምትሕብባር ዝብል “ንሓባራዊ ረብሓ ገዛእ ርእስ~ ምጽናዕን ምዕያይን” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ደገፍ ውልቃዊ ምልካዊ ውዲት ኣገዲድካ ዝግበር ሓባራዊ ምንቅስቓስ ወይ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ማእከልነት ዝብል መደብ” ዝጻረር እዩ፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ሓባራዊ ጥቕሚ “ናይ ብሕቲ ተበግሶ መንነት ናይ ሓደ ዓዲ ወይ ማሕበርሰብ መደብ ንምጭፍላቕ ከም መመኽነይታ ገርካ ክትጥቀመሉ ከም ዘይከኣ የጒልሑ።

ናይ ዅሉ ዕለታዊ መነባብሮ ውሕስ ዝግበር ደሞዝን ምንካይ መዓልቲ ስራሕን

እዋኑ “ስጒምቲ እንወስደሉ እዋን እዩ” ቢሎም ጭቡጥ ስጒምትታት ክወሰዱ ሓሳብ እንከቕርቡ - ትሑት ኣታዊ ወይ ኣድማሳዊ ዶሞዝ ኵሉ ዕለታዊ መነባብሮኡ ከሰንፍ ዘብቅዖን ከምኡ እውን መዓልታዊ ስራሕ ምንካይን ዝብሉ ጠቒሶም በዚ መሰረት እዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “መሰረታዊ ዝኾነ ኣድላዪ ንምርካብ ዓቕሚ” ክህልዎ ይኽእል።

ሃብቲ ብመሰረት ሰብኣውነት ክመሓደርን ንዅሉ ክባጻሕን መታን ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ። ሃብቲ ፍታሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንዅሉ ክባጻሕ መታን መንግስቲ ናይ ገንዘብን ቍጠባን ሜላ ክሕንጽጽ ሓላፍነት ኣለዎ እዚ ኸኣ ሃብቲ ብሓደ ጉጅለ ክውነን እንከሎ ኣዚዩ ዝሳቐ ማእከላይ ደርቢ እዩ። ስለዚ እዚ ውጥረት እዚ ከይህሉ መታን።

ናይ ስራሕ መዓልታት ምንካይ ዘለዎ ረብሓታት ኣብ ታሪኽ ክርከብ ይከኣል እዩ።

ኣብ መበል 19 ዘመን እቶም ሰራሕተይናታት ኣብ መዓልቲ ዓሰርተ ሓደ ክሳብ 16 ሰዓት ይሰርሑ ከምዝነበሩን ናብ ሸሞንተ ሰዓት ምስ ወረደ ድማ እቶም ብዙሓት ናይ ስራሕ ሰዓታት ምንካይ ቅልውላው ቍጠባ ከስዕብ እዩ ዝብልዎ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ክውን ኣይኮነን፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ክኣትዉ መታን ናይ ስራሕ ሰዓት ንዅሉ ምብጻሕ የድሊ፡ ብዙሓት ብብዝሒ ስራሕ ብዙሓ ከኣ ብስእነት ስራሕ ክሳቐዩ ኣይግባእን።

ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ከተማታትን ጽን ምባል

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ ደጋዊ ክፍሊ ህልውናን ከተማታትን ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት፥

ንደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ጽም ምባልን በራትካ ምኽፋትን ክሳተፉ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ስቓይ ዓለም ምስቶም ዝሳቐዩ ኣብ ምዃን እዩ ብዝበለጸ ክርድኣና ዝኽእል፡ ካብ ተመክሮይ ከምዝረኣኽዎ እቶም ብሰንኪ ምጒዳል ፍትሕን ዘይማዕርነት ንስልጣኖም ብዘይ ግብኡ ምጥቃም ጽልኢ ዓሌትን እተሳቐዩ ሰባት ነቲ ካልኦት ዘጋጥሞም ዘሎ መከራ ብዝሓሸ መገዲ ክርድኦን ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ናይ ተስፋ መገድታት ክኸፍቱ ክሕግዝዎንን ክኢሎም እዮም፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 October 2021, 09:02