ድለ

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ፍሉይ ጒባኤ ስርዓተ ማልታ ኣብ ግምት ብምእታው ዘመሓላለፍዎ ውሳነ ር.ሊ.ጳ. ነቲ ፍሉይ ጒባኤ ስርዓተ ማልታ ኣብ ግምት ብምእታው ዘመሓላለፍዎ ውሳነ 

ር.ሊ.ጳ. ነቲ ፍሉይ ጒባኤ ስርዓተ ማልታ ኣብ ግምት ብምእታው ዘመሓላለፍዎ ውሳነ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ማሕበር ፈረሰይናታት ማልታ ነቲ ዘሳልጦ ዝነኣድ ዕዮ ግብረ ሰናይ” ማለት ንድኻታትን ንሕሙማንን ንድኹማትን እምነት ምጥባቕን ንዝብል ውፉይ ኣገልግሎቱ ኵሉ ደገፎም ብምርግጋጽ ኣተባቢዕም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ትልንቲ ናይ ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስሮዓተ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘኢየሩሳሌም ሮዲን ማልታን ብሓጹር ብፈረሰይናታት ማልታ ናይ ዝፍለጥ ማሕበር ዓቢይ መምህር ሓው ማርኮ ሉዛጎ ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ነቶም ኣብቲ ማሕበር ናይ ቅዱስነቶም ፍሉይ ወኪል ኮይኖም ንዘገልግሉ ንዘለዉ ብጹዕ ካርዲናል ቶማዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝወሰኑን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እውን ቅዱስነቶም ነቲ ማሕበር ንምሕዳስ እተገብረ ጻዕሪ ኵሉ ከምዝንኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ካብዛ ህሞት እዚኣ ኣትሒዘ ሓው ማርኮ ሉዛጎ ትልንቲ ዓቢይ መምህር ኮይኖም ክሳብ እቲ ፍሉይ ጒባኤ ስርዓተ ማልታን ክሳብ ናይቲ ማሕበር ላዕለዋይ መንግስታዊ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ሓድሽ ዓቢይ መምህር ዝሓርይ ኣብ ሓላፍነት ክቕጽሉን ንኸገልግሉ እውስን”፡ እንክብሉ ነቶም ዕለት 1 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስሮዓተ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘኢየሩሳሌም ሮዲን ማልታን ፍልዩ ልኡኽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቢሎም ንዝሰመይዎም ብጹዕ ካርዲናል ሲልቫኖ ማሪያ ቶማዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹን፡ እቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳነ እቲ ቀጺሉ ዘሎ “ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ህይወት እቲ ስርዓት ኣድላዪ ሕዳሴ ንምርግጋጽ ኣብ ዝጥዕም ኵነታት ምእንቲ ክካየድ” ከምኡ እውን “እቲ ድሮ ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ፍረ መታን ከፍሪ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝተመርኰዘ ምዃኑ እውን ኣፍሊጦም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ንመፍነሳውን ስነ ምግባራውን ሕዳሰ እቲ ስርዓት ብፍላይ ከኣ ንኣባላት ፕሮፈሰራት ከምኡ እውን ነቲ መሰረታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ቅዋምን ሕጊ ናይ ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስሮዓተ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘኢየሩሳሌም ሮዲን ማልታን ንምሕዳስ እተገብረ እወታዊ ስጒምትታት ከምዝነኣዱ ሓቢሩ።

ክቕጽል ዘለዎ ዕዮ ሕዳሰ

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘበገስዎ ሕዳሰ ክቕጽል ኣብቲ ልኡላዊ ወተሃደራዊ ስርዓተ ቤት ሕክምና ቅዱስ ዮሓንስ ዘኢየሩሳሌም ሮዲን ማልታን - ብማሕበር ፈረሰይናናታት ማልታ ኣብ ዝፍለጥ ስርዓት ንብጹዕ ካርዲናል ቶማሲ ከም ፍሉይ ወኪሎም ገይሮም ከም ዝሰመይዎም ክዝከር እንከሎ “ብጹዕነቶም ትእዛዝ ንፍጻም ክለዓል ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ሕቶታት ንምውሳን ዘድሊ ዅሉ ስልጣን ዘለዎም” ልኡኽ እንክብሉ ዝሃብዎም ሓላፍነት ዳግም ከምዘረጋገጹሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ናይቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ደገፍ ር.ሊ.ጳ.

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ማሕበር ፈረሰይናታት ማልታ ነቲ ዘሳልጦ ዝነኣድ ዕዮ ግብረ ሰናይ” ማለት ንድኻታትን ንሕሙማንን ንድኹማትን እምነት ምጥባቕን ንዝብል ውፉይ ኣገልግሎቱ ኵሉ  ደገፎም ብምርግጋጽ ኣተባቢዕም፥ ኣብ መወዳእታ “ብምሉእ እቲ ስርዓት ኣብ ዅሉ ደረጃታት ምስ ብጹዕ ካርዲናል ቶማዚ ብሓቅነቱ ተኣዛዝነትን ኣኽብሮትን ብዘለዎ መንፈስ” ከምዝተሓባባር ርግጸይና እየ ቢሎም፡ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላትን ወለንተይናታት ኣባላትን ኵሎም ጸሎቶም ኣረጋግጊጾም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

28 October 2021, 09:01