ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንበርጠለመዎስ፥ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነት ንእዋናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ብሓባር ንምዕያይ! ር.ሊ.ጳ. ንበርጠለመዎስ፥ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነት ንእዋናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ብሓባር ንምዕያይ! 

ር.ሊ.ጳ. ንበርጠለመዎስ፥ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነት ንእዋናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ብሓባር ንምዕያይ!

“ፍጥረት ምሕላው ንዓለም ካብ ምፍቃር ካብቲ ኣነ ዝደልዮ ናብቲ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዓለም ዘድልዮ ምስግጋር ማለት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ “ካብ ፍርህን ስስዐን ጽግዕተይና ምዃን ሓራ የውጽእ” ከምዝበሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለጥ 22 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መበል 30 ዓመት ሕርየት ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ “ፍቑር ሓው” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ዝማዕበለ ዓሚቝ ማእስር ከምኡ እውን ካብ ጉዳይ ከባቢ ኣየር ኣትሒዙ  “ምሉእ ሕብረት” ንምቛም እዚ ሎሚ ዘሎ ብድሆታት ንምሉእ ውህደትን ንምግጣሙን ኣብ ዝግበር ጒዕዞ ብሓባር ንኽንቅጽል” ዝብል ናይ ሓባር ጉዕዞ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዘን ዝሓለፋ ትሽዓተ ዓመት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ምስ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዝመስረትዎ ዓሚቝ ርክብ “ፍቑር ሓው” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍውዎ መልእኽቲ ምልስ ቢሎም፥ እዚ ኸኣ መናብር ናይቶም ሃዋርያ ጴጥሮስን እንድርያስን ንምቕርራብ ከምኡ እውን ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ምትሕብባር ንምድልዳል ዝዓለመ እዩ። ፍራንቸስኮ ነቲ ቅድሚ 30 ዓመት ሕርየት ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብፍቑራት ቃላት ዘኪሮም . . . ኣብ ኣገልግሎቶም ንምቕጻል ጥዕና መንፈሳዊ ሓጐስ ከምኡ እውን ብዙሕ ጸጋ” ካብ ኣምላኽ ኣልምን።

ካብ ለስቦስ ናብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ካይሮ ወትሩ “ብሓባር”

“ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይነ ካብ ዝተሓረኵላ ዕለት ኣትሒዝኵም ኣብ ሮማ መጺእኩም ኣብታ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ኣገልግሎተይ ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕርግክዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሓበርኵም” ብዝብላ ቃላት እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ማእስር ዘኪሮም፥ ምስ ስደተይናታት ንምርኻብ ኣብ ለስቦስ ኣብ ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ መገሻ፡ ድሕሪ እዚ እውን ኣብ ቱርክን ኢየሩሳሌምን ኣብ እሲዚ ዝተኻየደ ርክባትና ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ምስ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣሚቱ ዝተኻየደ ርክብን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጒባኤ ቅዱስ ቍርባን ዘካየድዎ ርክባት ይዝክሩ።

ር.ሊ.ጳ. ንበርጠለመዎስ፥ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነት ንእዋናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ብሓባር ንምዕያይ!

ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብቲ “እምነትን ስለ ፍልጠትን” ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ እውን ከምእተራኸቡ ዘኪሮም፡ ነቲ ኣብ ግላስጎ ንኽካየድ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዛዕባ ኵነታት ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መራሕቲ ዓለም ፍጥረት ንምዕቋብ ጭቡጥ ስጒምቲ ኺወስዱ ንምሕታት ብሓባር ዝፈረምዎ ጻውዒት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ዘተኣኻኸበን ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዘዳለዎ “ኵሎም ህዝብታት ናይ መሬት መጻኢ” ብዝብል ኣርእስቲ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ተወከልቲ እተፈላለያ ሃይማኖታትን ናይ ፖከቲካ ኣካላትን መራሕትን ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ርክብ ብሓባር ምስታፎምን እዚ እውን ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ምቕርራብ ዓሚቝ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሓባር ጻዕሪ ፍጥረት ንምዕቋብ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ንፍጥረት ዘሎና ፍቕርን ፍጥረት ኣብ ምዕቋብ ዘሎና ግደታን ኣብዚ መዳይ ኣብ ናይ ሓባር ጻዕሪ እምነት ዘሎናን ነታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ምስንዳው እንከለዉ እውን ካብ ብጹዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርጠለምዎስ ቀዳማዊ ዝቐረበ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብርሃን ድጋፍ ምንባሩ ዘኪሮም፥ ኣብ 1989 ዓ.ም. ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክንክን ፍጥረት ኮይኑ ክሕሰብ ኣብ ተገብረ ውሳነን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝኽሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ክንክን ፍጥረት ዝሳለጥ ናይ ሓባር ጻዕርን ብፍላይ ኣብ 2003 ዓ.ም. ባሕቲ መስከረም በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ፍጥረት ምሕላው ንዓለም ካብ ምፍቃር ካብቲ ኣነ ዝደልዮ ናብቲ እቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ዓለም ዘድልዮ ምስግጋር ማለት እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እዚ ኸኣ “ካብ ፍርህን ስስዐን ጽግዕተይና ምዃን ሓራ የውጽእ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓባራዊ ሓላፍነት ኣብ ቅድሚ እዋናዊ ብድሆታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ሎሚ ኣብ መንጐና ናይ ቍስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳሳት ምስና ምህላዎም ነቲ “መላእ ፍጥረት ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ንምብዳህ ዘሎና ሓባራዊ ናይ ጒስነት ሓላፍነት ዘረጋግጽ እዩ” ቢሎም ብፍላይ ቅዱስነቶም ነቲ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ “ፍጥረት ንምሕላው ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ እውን ካብ ዘቕርብዎ ኣስተንትኖን ብዙሕ ተማሂረን ብዙሕ እዋን እመሃር ኣለዅ። . . . ለብዒ ምስ ተባርዐን ከቢድ ናይ ጥዕናን ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላውን ሳዕበናቱ ንምግጣም ኣድላይነት መንፈሳዊ ለውጢ ደቅሰብ ዝሃብክምዎ ምስክርነት ነባሪ ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ብዅሉ ይስትውዓል ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ዘተ ጐደና

ር.ሊ.ጳ. እቲ ብሓባር ኣብ ጐደና ዘተ ዝግበር ጉዕዞ ምኽንያት ንብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፥ “ኣብ መንጐ ኣመንቲ ክርስቶስ ዕርቂ ንምግባርን ምሉእ ውህደት ዳግም ንምቛምን ዘኽእል ኣብ ፍቕርን ሓቅን ዝተመስረተ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ምህላዉ አመስግን” . . . “ሎሚ እውን እንተ ዀነ ብሓገዝ ኣምላኽ ብርግጽ ኪቕጽል እዩ . . . ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያንና ዘሎ ምቅርራብን ሓድነትን ነቲ ንደቅሰብ ብህጹጽ ዘድልዮም ኵለንተናዊ ሕውነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ናይ ግድን ኣበርክቶ ስለ ዘለዎ ድማ ብሓባር ክቕጽል እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንበርጠለመዎስ፥ ኣብ መንጐና ዘሎ ምሕዝነት ንእዋናዊ ብድሆታት ንምስናፍ ብሓባር ንምዕያይ!
23 October 2021, 09:22