ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ ሰላም ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት ይጽልዩ! ልቢ ደቂ ሰባት ካብ ውግእን ወረ ውግእን ሓራ ይኹን!ር.ሊ.ጳ

ብማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዝተሰናደወ ናይ መላእ ዓለም መራሕቲ ሃይማኖታት ስለሰላም ንምጽላይ ኣብ ኮለሰዩም ሮማ ይካየድ ኣሎ! ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ምሳኣታቶም ብምስታፍ ስለሰላም ከምዝጸለዩን ‘ነፍሲወከፍና ልብና ንምንጻሕ ኣበርቲዕና ክንሠርሕ በዚ ከኣ ዓለምና ብሰላም ክመልእ እዩ’ ኢሎም ሓደራ ከምዝበሉን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝጀመረ ናይ ክልተ መዓልቲ ጸሎት ሰላም ሮማ ካብ መላእ ዓለም ብዝተረኽቡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ብዙሓት ምእመናንን ተሰንዩ ሓሙስ ምሸት ከምዝተዛዘመ እንክምልከት እዚ ብመበል 35 ዓለምለኸስ ርክብ ስለሰላም ብማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ከምዝተሰናደወን ከምዝተሰነየን እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

መሪሕ ሓሳብ ናይቲ ርክብ ‘ሕዝቢ ከም ኣሕዋት መጻኢ መሬትና’ ዝብል ተማ እንክኸውን ካብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ማለት ካብ ክርስትያን ኣስላም ዕብራውያን ተኸተልቲ ብዱሃ ተንሪክዮውያን ተኸተልቲ ሂንዱን ሲክን ተረኺቦም ነሮም። ነቲ ርክብ ከኣ ብኩሉ ኩሉ መንፈስ ሕዳሴ ዝዓሰሎ ብምንባሩ ሓዲስ ጅማሮ ክብሉ ገሊጾሞ።

ሓዲስ ጅማሮ!

ከምዝዝከር እዚ ምንቅስቃስ እዚ ብነፍሰኄር ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ኣሲዚ ዝጀመረ ኰይኑ ኣብዚ መበል 35 ዓለምለኸ ርክብ ስለሰላም ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት እንክሳተፍዎ ብመንፈስ ኣሲዚ እንደገና ከም ብሓዲሽ ንጀምር እዚ ከኣ መንፈስ ሕውነትን መንፈስ ዘተን እዩ ብማለት ጀመርዎ።

ፕረሲደትን ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዝኾኑ ማርኮ ኢምፓሊጾ ኣብ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ ነፍስወከፍ ነቲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተርኽበ ዕድል ኣይነጥፍእ። እዚ ዕድላት እዚ ሓዲሽ ምጅማር እምበር ካብ ነንሕድሕድና ዝፈላሊ ውድቀት ከይከውን ዘለዎም ሠናይ ምንዮት ብመልእኽቲ ርእየት ማለት ቪድዮ ኣቅሪቦም።

ልቢ ደቂሰባት ካብ ውግእን ወረ ውግእን ሓራ ይኹን!

እቲ ኣብ ኮለሰዩም ዝብሃል ኣብ ሕምብርቲ ሮማ ዝርከብ ጥንታዊ ቦታ ዝተፈጸመ ሥርዓተ ጸሎት ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተፈላለዩ እምነታት እንክሳተፍዎ ቅዱስነቶም ኣብ ማእከል እቶም መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኰይኖም ብጸሎት ቅድሚ ምዝዛሞምን ቃል ምዕዳኖም ምሃቦምን ንቁሩብ ካልኢታት ኩሎም ብጸጥታ ንኩሎም ግዳያት ዝተፈላለዩ ውግኣት ዘኪሮም ጐይታ ንልብታት ዘመደ ኣዳም ካብ ውግእን ወረ ውግእን ሓራ ክገብር እውን ጸሊዮም።

ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከኣ ከም መኽፈቲ ዘረባኦም ነቶም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ስለዚ መደብ ጸሎት ማለት ምእንቲ ሰላም ክጽልዩ ንሮማ ንዝወሓዙ ኣመስጊኖም ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸሎት ምንጪ ሓይሊ ኰይኑ ሰላም ከምዘምጽእን ጽልኢ ንዝመልኦ ልብታት ደቂሰባት ኣጽዋሩ ከምዘወርድ ከምዝገብርን ገሊጾም ኩልና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ስለሰላም ክንጽሊ ምስ እንጋባእ ንቦታ ዓመጽ ናብ ቦታ ሰላም ክንቅይር ከምዝከኣል ገሊጾም።

ካብ ቦታ ዓመጽ ናብ ቦታ ሰላም ምቅያር!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እቲ ንጸሎት ዝተጋብኡሉ ቦታ ምልስ ኢሎም ቦታ መቅተሊ ናይቶም ብእምነት ዝስደዱ ዝነብሩ ክርስትያንን ካልእ ዓመጻት ዝፍጸመሉ ዝነበረ ቦታ ምዃኑ ዘኪሮም እንተሎሚ በቶም ካብ ኩሉ ኲርንዓት ዓለም ስለሰላም ክጽልዩ ብዝተጋብኡ ናብ ቦታ ሰላም ከምዝተቀየሩ ገሊጾም።  

ኣብ ዘሎና ኩነታት ክነስተውዕል ብምዝኽኻር ከኣ ንሕና እውን ከምቶም ቀደም ቀደም ኣብዚ ኮለሰዩም ዝበሃል ዓውዲ ዓመጽን ቅትለትን ስደትን ዓመጽን ውግእን ክዕዘቡ ዝመጹ ዝነበሩ ኣሕዋት ንኣሕዋት ክቀትሉ እንከለው ተዓዘብቲ ዓመጽን ውግእን ክንከውን ንኽእል። እቲ ዝገደደ ከኣ ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለምና ዝፍጸም ዘሎ ከምቲ ቀዳሞት ኣብ ኮለሰዩም ከም መዘናግዒ ካብ ርሑቅ ዝዕዘብዎ ዝነበሩ ንሕና እውን ከምኡ ንህልው ኩነታት ውግእን ወረ ውግእን ከም መዘናግዒ ብምርኣይ ተዓዘብቲ ዓመጽን ውግን ክንከውን ንኽእል ኢሎም።

እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም! እንተኾነ እዞም ሎሚ ኣብ ፈቀዶ ውግእ ዝሞቱ ዘለው ኣጒባዝን ሕጻናትን መጻወቲ ኣይኮኑን ይብሉ እሞ ‘ኣብ ወሰን ደው ኢልና እንዕዘብ ምንም ዘይዓጠናን ዘይስመዓናን መንፈስ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ ዝብል ዝንባሌን ዘሸነፈና ክነከውን የብልና። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ምስ ሰብኣውነትና ዝሳተፉን ሕልምታት ዘመደ ኣዳምን ቃልሱን ተኣፋፍነቱን ዝከታተሉን ክንደናገጽ ኣሎና’ ኢሎም።

ምኽንያቱ እንክገልጹ ከኣ ‘ሽሕ’ኳ ነዚ ሓቂ እዚ ንምቅባል ዓቢ ትብዓት ዘድሊ እንተኾነ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ዘጋጥም ዝኾነ ጉዳይ ይምልከተናን ይትንክፈናን እዩ። ምናዳ ኸኣ እቲ ውድቀት ፖሎቲካን ሰብኣውነትን ዝኾነ ውግእ’ ኢሎም።

ውግእ ፍሽለት ፖሎቲካን ሰብኣውነትን እዩ!

ብሕይወት ደቂሰባት ብምጥላዕ ዝጻወት ውግእ ፍጹም ውድቀት ፖሎቲካን ሰብኣውነትን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቲ ብ2019 ምስ ዓቢይ ኢማም ኣል ኣዝሃር ብሓባር ዝኸተምዎ ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ዝገልጽ ሰነድ ብምዝካር ኣብዚ ታሪኻዊ ፍጻሜ እዚ ሕጹጽ ዕዮ ገዛ ሃይማኖታት ክኸውን ዘለዎ ንልቢ ዘመደ ኣዳም ካብ ውግእን ወረ ውግእን ሓራ ምውጻእ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ከም ኣመንቲ መጠን ደቂሰባት ካብ ልባቶም ጽልኢ መዝሒቆም ንክድርብዩ ክንሕግዝን ንዝኾነ ዓመጽ ክንኩንን ሓላፍነትና እዩ። ሃየ እምበኣርከስ ብዘይ ምንም ተጒላባነት ኣጽዋር ውግእ ክውግደን ንውግእ ዝወጽእ ገንዘብ ክጐድልን ንመሠረታውያን ኣድላይነታት ደቂሰባት ኩሉ ቁርብ ክኸውንን በዚ ከኣ መጋበሪ ሞት ናብ መጋበሪ ሕይወት ከምዝልወጥ ንግበር። ከመይ ሰላም ንጽሕና ልቢ እዩ ዘድልዮ’ ኢሎም።”

ሰላም ንጽሕና ልቢ የድልዮ!

ቅዱስነቶም እንታይነትን ኣድላይነትን ሰላም ንምግላጽ ‘አታ ብዘይከኣ ማንም ከም ኣሕዋት ወይውን ኣሓት ክነብራ ዘይከኣል ሰላም ኣመንቲ ኩሉ እምነታት ክስዕብዋ ዘለዎም ንቅድሚ እተሰጉም መንገዲ እያ። ስለዚ ዋላውን እቶም ወግሔ ጸብሔ ንምፍልላይ ንምግርጫውን ብምሉእ ሓይሎም ዝጽዕሩ እኳ እንተሃለው እንተ ንሕና ብሓባር ናብ ሰላም ምጒዓዝ ብግዲ ከምዘድልየና ስለእንኣምን ነንሕድሕድና ሰላም ክንገብር ድሕሪ ደጊም ፈጺምና ሓደ ተጻይ እቲ ሓደ ከይለዓል ብምውሳን ንቃለስ’ ኢሎም።

ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰላም ንጽሕና ልቢ ከምዘድልያ እዚ ከኣ ምስ ኩሉ ተሰማሚዕካ ምኽኣል ወይውን ንኩሉ ሕራይ ጥራይ ዘይኮነ ዝንባሌ ልቢ ምሉእ ብምሉኡ ክነጽሕ ኣለዎ። ስለዚ ኩሎም ኣመንቲ ናይዘን ኩለን ሃይማኖታት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከም ጸላኢ እትምልከተሉን ናይ ኣኽራርነትን ፈተናታት ከሸንፉ ኣለዎም። ከመይ እዚ ተጻይ ፍጥረትን እግዚአብሔርን ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ ኢሎም።

ተጻይ ፍጥረትን እግዚአብሔርን ዝፍጸም ሓጢኣት!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ነቲ ህልው ኩነታት ብሰላም ንምንባር ንጽሕና ልቢ ከምዘድሊ ምስገለጹ ናብ መጻኢ ገጾም ይጐዓዙ ምናዳ ከኣ መጻኢ እዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት መሬትን ኩሉ ፍጥረን ከመይ ኮን ይኸውን ይብሉ እሞ ነፍስወከፍና ብዛዕባ ኩሉ ፍጡርን ብዛዕባ እዛ ናይ ሓባር ገዛናን ክንሓስብን ክንውፈን የዘኻኽሩ።

ነዙይ ብዝምልከት ፍቱው ዓርከይ ዝብልዎም ኢኩመኒካዊ ፓትርያርክ በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ዝበልዎ ብምጥቃስ ማለት ‘ተጻይ ባህርያዊ ዓለምና ዝፍጸም ሓጢኣት ተጻይ ገዛእ ርእስናን ተጻይ እግዚብሔር ዝፍጸም ሓጢኣት ምዃኑ’ ኣስሚሮምሉ። ወዲሰብ መሲልዎ ዝፈጸሞ ጌጋ ከኣ ‘ኣብ ልብታትናን ኣብ ተፈጥሮን ዘውረዶ ብከላ እዩ። ስለዚ ሃይማኖታት ንሰላም ክሰርሓ ኣለወን’ ኢሎም።

ሃይማኖታት ንሰላም ይቊማ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ተሳተፍቲ ናይዚ ንመበል 35 ግዜኡ ዚካየድ ዘሎ ዓለምለኸ ርክብ ሰላም ትብዓት ክህልዎ ብምምሕጻን ትብዓት ብትብዓቱ ከኣ ንጒዕዞ ታሪኽ ንምልዋጥ ብትብዓት ክጽልዩን ብግብሪ ገለ ክገብሩን ሓደራ ኢሎም። ‘ሃየ እምበር ሃይማኖታት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝኾናሉ ዘመን ንሕለም። ኣሕዋት እምነታት ሕዝብና ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኖም ብሰላም ዝነብሩሉ ዕርቀ ሰላም ገሮም ከኣ ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ንፍጥረት ኩሉ ንክከናኸኑ ዝሕግዙሉ ሕልሚ ንሕለም’ እንክብሉ ቃሎም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 October 2021, 13:37