ድለ

2021.10.25 ክሌኣዊ ክርብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር 2021.10.25 ክሌኣዊ ክርብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር 

ክሌኣዊ ክርብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር

እቲ ኣብ ውሽጢ ጀርመን እተራእየ ናይ ቀረባ እዋን ፖለቲካዊ ምዕባለታት” ጥራይ ዘይኮነስ “ብዛዕባ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጒዳያት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝርአዩ ዘለዉ ኣህጉራዊ ግጭታትን ፍታሕ ንምርካብ ብብዝሓ ጐናውነት ዝግበር ቈራጽነትን” ከምእተመያየጡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየርን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚ እተራእየ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣብ ጀርመንን ጒዳይ ስደተይናታትን ዝብሉን ካልኦት ኣርእስታት ኣማእኪሎም ከምእተመያየጡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዕለት 25 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ፍራንክ ዋልተር ሽታይንማየር ኣብ እተገብረ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ጀርመን እተራእየ ናይ ቀረባ እዋን ፖለቲካዊ ምዕባለታት” ጥራይ ዘይኮነስ “ብዛዕባ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጒዳያት ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ጒዳይ ስደተይናታትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝርአዩ ዘለዉ ኣህጉራዊ ግጭታትን ፍታሕ ንምርካብ ብብዙሕ ወገን ዝግበር ቈራጽነትን” ከምእተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ክሌኣዊ ክርብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር
ክሌኣዊ ክርብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር

ርእሰ ብሔር ሽታይንማየር ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ  ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ርእሰ ብሔር ፈደራላዊት ጀርመን ኣብቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ብኣልበርቶ ኸሱስ እተሳእለ ቅብኢ ቅድስቲ ማርያም ንቕዱስነቶም ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን ቅዱስነቶም እውን ብወገኖም ናይ 2021 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእኽትን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እግዚኣብሔር ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንኸናግፈና ዘዕረግዎ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዘርኢ በኣሳእል እተደገፈ ሰነድ ከምዝለገሱሎም ኣፍሊጡ።

27 October 2021, 09:09