ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ “ነቶም ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ስደተይናታት ንሓግዞም፡ ኣውያቶም ይስማዕ ኣሎ”

ንዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ነዚ ናይ እዋንና ዘሕዝን ትርኢት ግዲ ዘይብሎምን ዘይምልከቶምን ርሑቕ ዘሎ ዘይትንክፎም ኵነት ገይሮም ከይርእይዎ ሓደራ ቢሎም፥ “ኵላትና በዞም ንብዙሕ ዓመታት ግዳያት ነዚ ኣዚዩ ኸቢድ ኵነታት ተቓሊዖም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተሓተትቲ ንዅን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከቡ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታት ዕቝባ ዝደልዩ ሰባት ዝርከብዎ ኢሰብኣዊ ኵነት ኰኒኖም፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ሕይወቶም ንሓደጋ ዝቃላዕ ስደተይናታት ምድሓን ቀዳምነት ክህበሉን ብስሩዕን ሕጋዊ ኣገባብ ስደተይናታት ምቕባልን ዕቝባ ከፍቅድን “ስደተይናታት ናብተን ዝመጹለን ሃገራት ምስጓግ ደው ይበል” እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ጒዕዞ ባሕሪ ሕይወት ሰብ ንምድሓን ቀዳንት ምሃብ ብቑዕ ኵነታት መነባብሮ ስሩዕ ኣገባብ ስደት ከምኡ እውን ዕቝባ ናይ ምሃብ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ምውዓል” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፥

“ፈጺመ ኣይርስዓኵምን”

ቅዱስነቶም ነቶ ኣብ ሊቢያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝርከቡ ዕቝባ ዘድልዮም በኣሸሓት ዝቝጸሩ ስደተይናታትን ዘለዎም ጥልቂ ቅርበት ኣረጋጊጾም ነቶም ስደተይናታት ናይ መጸናንዒ ቃላቶም ብዛዕባኦም ዘለዎም ብርቱዕ ሻቕሎትን ናይ ሓቂ ብዛዕባኦም እውን ከምዝሓስቡን ብዘረጋግጻ ቃላቶም ኣቢሎም፥

            ብፍጹም ኣይርስዓኵም እየ! ኣውያቱኩም እሰምዕ ምእንታዅም እጽሊ!

ጻውዒት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “መብዛሕቲኦም እቶም ስደተይናታትን - ኣንስትን ኣሰብኡትን ቈልዑን ኢሰብኣዊ ዓመጽ ከምዘጋጥሞምን ኣህጉራዊ ማሕበርሰብ ከኣ “ነቲ ኣብ ሊቢያን ኣብ ብምሉእ መዲታርንያን ከባቢ ዘሎ ዋሕዚ ስደተይናታት ንምቍጽጻር ሓባራውን ጭቡጥን ነባርን መፍትሒ ንምርካብ ዝኣተዎ መብጽዕዓ ኽሕሉ” እሓትት።

            እቶም ናብ ዝመጹለን ሃገራት ዝፋነዉ ክንደይ ይሳቐዩ . . . ኣብኡ ናይ ሓቂ መዳጐን ደንበታት ኣሎ!

ስደተይናታት ናብተ ድሕንነት ዘይብለን ሃገራት ኪምለሱ የብሎምን

“ስደተይናታት ናብተን ዝመጹለን ውሕስነት ዘይብለን ሃገራት ምምላስ ከቋርጽ ኣለዎ” ቢሎም ኣተሓሒዞም እውን “ንድሕነት ደቅሰብ ኣብ ጒዕዞ ባሕሪ ካብ ዝጋጣም ሓደጋ ምድሓንን ከምኡ እውን እቶም ስደተይናታት ብሕጋዊ ኣገባብ ንኽስደዱ ዘኽእል ስሩዕ ናይ ስደትን ዕቝባን መስርሕ ክህሉ” ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ኵሉ ሓላፍነት ይሰመዖ

ንዅሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ነዚ ናይ እዋንና ዘሕዝን ትርኢት ግዲ ዘይብሎምን ዘይምልከቶምን ርሑቕ ዘሎ ዘይትንክፎም ኵነት ገይሮም ከይርእይዎ ሓደራ ቢሎም፥ “ኵላትና በዞም ንብዙሕ ዓመታት ግዳያት ነዚ ኣዚዩ ኸቢድ ኵነታት ተቓሊዖም ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ተሓተትቲ ንዅን” ኵላት ምእንታኦም እውን ክንጽልይ ይግብኣና፥

            ብጽሞና ኵላትና ብሓባር ስሌኦም ንጸሊ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝኸታተል ላዕለዋይ ድርገት፥ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንመንግስቲ ሊቢያ ነቲ እቶም ዕቝባ ዝደልዩን ስደተይናትትን ዘለዎም ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ክብርን ሰብኣዊ መሰላትን ብዘኽብር መገዲ ምላሽ ክህበሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሰበ ስልጣን ሊቢያ ኣብቲ መብዛሕትኦም ስደተይናትትን ዕቝባ ሓተትትን ሰባት ዚነብርሉ ከባቢ ዘውርድኦ መጥቓዕትን ማእሰርትን ብዙሃት ሰባት ሞይቶምን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ኣብ ኣባይቲ ማእሰርቲ ተዳጒይኖም ከምዝርከቡን ኣብ ምዕራባውን ማእከላይ መዲትራኒያን ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት ፍልዩ ወኪል ቪንሰንት ኮቸተል ገሊጾም፥ “ሰበ ስልጣን ሊቢያ መሰላቶም ዘኽብርን ነባሪ ፍታሕ ዝልለየሉን ውጽኢታዊ መደብ ከዳልዉ ይግባእ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

26 October 2021, 08:43