ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ክቡር ዋጋ ዝሓትት እውን ይዅን ነቶም ኢየሱስ ዝምስክሩ ልኡካነ ወንጌል ነመስግን ፍራንቸስኮ፥ ክቡር ዋጋ ዝሓትት እውን ይዅን ነቶም ኢየሱስ ዝምስክሩ ልኡካነ ወንጌል ነመስግን 

ፍራንቸስኮ፥ ክቡር ዋጋ ዝሓትት እውን ይዅን ነቶም ኢየሱስ ዝምስክሩ ልኡካነ ወንጌል ነመስግን

ምስክርነቶም ብቐዳምነት ብኣካል ሓድሓድ ግዜ ኸኣ ክቡር ዋጋ ብምኽፋል ሓይሎም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን የውዕሉ። ከምኡ ዚግበሩ ኸኣ ሃይማኖት ንምስዳዕ ዘይኮነስ ኣብተን ኢየሱስ ዘይፈልጣ ሃገራት ኣብ ህይወቶም ወንጌል ንምምስካር እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌል ምዃኑ ብምዝኽኻር ወንጌል ናብቲ ዘይበጸሖ “ብዘይ ግብረ ምስዳዕ ሃይማኖት” ዘብጽሑ ነጣቕዓሎም ቢሎም ከምኡ እውን ዕለት 23 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትላ ሓዳስ ብጽዕንት ሳንድራ ሳባቲኒን ከምዝዘከሩን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም “ነቶም ኣብ ዘመንና ዝነብሩ ላኡካነ ወንጌል ናብቲ ጽንፊ መልክዓ ምድራውን ባህልን ሓደጋ እውን ዘጋጥም እንተዀነ ወንጌል ዘበጽሑ ኣብዛ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ ወንጌልን ኣድናቖትናን ኣኽብሮትናን ብጣቕዒት ንግለጸሎም ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ኣብ ግንባር ዝርከቡ ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናንን ነመስግኖም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምስክርነቶም ብቐዳምነት ብኣካል ሓድሓድ ግዜ ኸኣ ክቡር ዋጋ ብምኽፋል ሓይሎም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን የውዕሉ። ከምኡ ዚግበሩ ኸኣ ሃይማኖት ንምስዳዕ ዘይኮነስ ኣብተን ኢየሱስ ዘይፈልጣ ሃገራት ኣብ ህይወቶም ወንጌል ንምምስካር እዩ!

ሓዳስ ብጽዕቲ፥ ኣብ ኣገልግሎትን ውዕዉዕ ስምዒትን

ቅዱስነቶም ነተን ክልተ ሓደስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትለን ደቃ ሓጐስናን ኣኽብሮትናን ብጣቕዒት ንግለጸሎም ቢሎም፥ ዕለት 23 መስከረም ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ብረሺያ እናቴ ሉቺያ ዘንጽሕተ ድንግልማርያን ካብ ማሕበር ደናግል ኣገልግልቲ ፍቕሪ ኣብ 45 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልደት “ዓቃልን ኣአንጋዲትን” ጓል ቤተ ክርስቲያን ዘኪሮምን ኣስዒቦም እውን ገና ኣብ መበል 22 ዓመት ዕድመኣ ኣብ ሰማይ ቤት እተወልደት ናይ ሕክምና ተማሃሪት ዝነበረት ሳንድራ ሳባቲኒ ብሰንኪ ሓደጋ ማኪና ዝሞተት ኣባል ናይቲ ብኣባ ኦረስተ በንዚ እተመስረተ ናይ ኣገልግሎት ማሕበር ህይወታ ኣብ ኣገልግሎት ድኻታትን ዝተናዕቁን ዘወፈየት “ሕጒስትን ብዓቢይ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ዝተነቓቐሔት ናይ ሕይወታ ማእከል ጸሎት ዝገበረት ጓል ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ብጽዕትን ከምዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ እተዛዘመ ንተጋባእያን ናይ ኢጣሊያ ቅነ ሕብረተሰብኣውን ነቶም ካብ ትረቪዞ ክሳብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ስፖርት ነቶም ጅማውቲ ብዘልምስ ሕማም ዝተጠቕዒ መሃንዲስ ማተዮ ጋመሮ ዝተሳተፍሉ ካብ ቅዱስ ሚካኤል ክሳብ ሞንተ ሳንት ኣንጅሎ ኣብ ዝተኻየደ ናይ እግሪ ግዕዞ ንዝተሳተፉ ሰላምታኦም ከምዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

26 October 2021, 08:39