ድለ

ፍራንቸስኮ ንምእመናን ካቶሊክ ሩሲያ፥ ኣብ መገዲ ሓድነት ምስጓም! ፍራንቸስኮ ንምእመናን ካቶሊክ ሩሲያ፥ ኣብ መገዲ ሓድነት ምስጓም! 

ፍራንቸስኮ ንምእመናን ካቶሊክ ሩሲያ፥ ኣብ መገዲ ሓድነት ምስጓም!

ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ቅዋመ ንገዛእ ርእሱ ምእንቲ ኽሕድስን ከነጽሕን ከምኡ እውን “ብሓገዝ ኣምላኽ ንገዛእ ርእስኻ ንኽትምልከትን ዝዀነ ይኹን ርእሰ ምብዓልን ርእሰ ውከሳን ዝብል ዝዀነ ይኹን ፈተና ንምውጋድ፡ “ርእሰ ግንዛቤ ኤቅለሲያውነት” ዘድልዮ ሓያል ህሞት እዩ

ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመበል 30 ዓመት ቅዋሜ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሩሲያ ናብ ናይ ሩሲያ ክቶሊካውያን ሃዋርያውያን መስተናብር መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ምስ ኵሎም ሱታፌኦም ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ብምሉኡ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ፈደራላዊት ሩሲያ “ብሓጐስን ብትሕትናን ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ንጹር ብርሃን ዝህብ ወንጌላዊ ዘርኢ” ይኵን። ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣብ ሩስያ ዝርከብ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ካቶሊካውያን ሓዋርያዊ መስተናብር ቅዋሜ ምኽንያት ናብ መላእ ሩሲያ ሓርያውያን መስተናብር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ኰይኑ “ምስ ኵሎም ንኽራኸቡ” ዘለዎም ድላይ ገሊጾም፡ “መሰኻኽር ምዃን ንኣምላኽ ኣዚዩ ዘሐጒስን ንብምሉኡ ሕብረትረሰብ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣበርክቶ ዘለዎ እዩ፡ ክርስቲያናዊ ምስክርነት ናይ ኵሉ ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡን ስኡናትን ዕሽሽ ዝበሃሉን ስቓዮም ናቱ ዝገብር እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ወንጌል ንምዕባይ

ር.ሊ.ጳ. ዝኽሪ እቲ መበል 30 ዓመት “ሕጋዊ በዓል ኣካል” ኴይንካ ካብ ምቛም ንላዕሊ ነቲ ካብ ጐይታን ካብ ቶም ናይ ሓቂ ቅዱሳን ንጉዕዞ ዝደገፉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣተቐበልዎ ሰናይ ነገር “ተዘክሮ” ናይ ምግባር ህሞት እዩ። ብተወሳኺ እውን “ብመስረት ወንጌል እናዐበኻ በቲ ዘጸናንዕ ጽንዓት መንፈስ እናተጸናናዕካ ንቓል ኣምላኽ ብዝያዳ ልኡም ኣብ ምዃን ንምዕባይ” ከም ኣጋጣሚ ገይርካ ክንበብ ዘለዎ እዩ። ነዚ ዝለዓለ ትእዛዝ ፍቕሪ ብምሕላው ምስ ኵሎም ሰባት ብምርኻብን ብምትሕብባርን ምስ ኣኣሕዋትን ኣሓትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍሉይ መገዲ ኽንራኸብን ክንካፈልን ኣሎና።”

ኣገዳስነት “ግንዛበ ርእሰ - ኤቅለሲያውነት”

ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እቲ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ቅዋመ ንገዛእ ርእሱ ምእንቲ ኽሕድስን ከነጽሕን ከምኡ እውን “ብሓገዝ ኣምላኽ ንገዛእ ርእስኻ ንኽትምልከትን ዝዀነ ይኹን ርእሰ ምብዓልን ርእሰ ውከሳን ዝብል ዝዀነ ይኹን ፈተና ንምውጋድ፡ “ርእሰ ግንዛቤ ኤቅለሲያውነት” ዘድልዮ ሓያል ህሞት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናብ ሓድነት ኣብ ዝመርሕ መገዲ ምስጓም

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ከም “ብሓደ መንፈስ ተጠሚቖም ሓደ ኣካል ክምስርቱ ማለት ኣብ ከባቢ ልምዲ ምብራቓውያን ክርስቲያን ንዅሎም ማሕበረ ክርስቲያን ከምኡ እውን ወትሩ ብሓገዝ ጐይታ “ሓባራዊ ምፍላጥን በብደረጃ መገዲ ሓድነት ንምዕምቝ” ከምርሑን፡ ንገዛኣ ርእሶም “ኣሕዋትን ኣሕዋትን” ምዃኖም ኣስተውዒሎም ናብቲ ሓድነት ዝብል እግዚኣብሔር ዝሕብረና ኣብ ነፍሲ ወከፍ በዓል ቅዱስ ቁርባን ውህደት ናብ ዝብል ሸቶ ሓባራዊ ጒዕዞ” ዘለዎ ኣገዳስነት ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

15 October 2021, 08:56