ድለ

2021.10.19 Foyer Nazareth Brazzavile Congo 2021.10.19 Foyer Nazareth Brazzavile Congo 

ር.ሊ.ጳ ኣብ ኮንጎ ንዝርከብ መዕበይ ዘኽታማት ንናኣሽቱ ሕሙማት ዘገልግል መድሓኒት ሰዲዶም!

ኣብ ሻውላት ዋና ከተማ ኮንጎ ብራዛቪል ዝርከብ ፍዋየ ናዛረት ዝበሃል መዕበይ ዘኽታማት ብገበዝ መባእ መንበረ ጴጥሮስን ቤትጽሕፈት እንደራሴ ር.ሊ.ጳን ኣቢሉ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝለኣኽዎ መድሓኒት ከምዝበጽሕ ተገሩ። ናይቲ ትካል ሓላፊት እናቴ ኤሊዝ ቩዋኩዋኒቱ ኩሎም እቶም ሕጻናት ዝከተሙሉ ናይ የቀንየልና ደብዳቤ ከምዝለኣኻን ‘እዚ ተግባር እዚ ር.ሊ.ጳ ኣብ መወዳእታ ኩልና ኣሕዋት ክብሉ ዝጸሓፍዋ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ሓደ መደብ ሥራሕ ምዃኑ የገንዝብ’ እንክብላ በቲ ቅዱስነቶም ዝበልዎን ብተግባር ዘርአይዎ ግብረ ሠናይን ምስጋንኤን ገሊጸን።

ዜና ቫቲካን!

ኣብታ ብኢድ ብዝተወራረቀ ፍደላትን ቃላትን ዝተጻሕፈት ናይ ምስጋና ደብዳቤ እናቴ ቩዋኩዋኒቱ ድሕሪ ሰፊሕ ትንተናን ምስጋናን ናይቶም ዘኽታማት ክታምን ስምን ዘመልክት ኣብድረያ ኣዳ ለይድይ ኦዲልያ ኢማኩለ ጆይስ ቫነስያ መሊና ወዘተ ዝብል ነዊሕ ዝርዝር ኣስማት ይስዕብ። እዞም ኣስማቶም ብዝተፈላልየ ኣገባብ ዘስፈሩ ዘኽታማት ኣብታ ኣብ ላዕሊ ስማ ዝጠቀስናያ መዕበይን መናበይን ዘኽታማት ኣብ ሻውላት ዋና ከተማ ኮንጎ ብራዛቪል ትርከብ ፍዋየ ናዛረት ዝነብሩ ኰይኖም ናብ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝጸሓፍዋ ናይ ምስጋና መልእኽቲ 22 ዝኾኑ ሕጻናት ኣስማቶም ኣንቢሮም። እዛ ኣብ ሓደ ካብ ጥራዝ ዝተወስዳ ወረቃቅቲ ብሰማያዊት ቢሮ ዝተጻሕፈት መልእኽቲ ብቀዳምነት ዝተጻሕፈትሉ ዕለት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2021 ዓም ምዃኑ ድሕሪ ምምልካትን ናብ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ድሕሪ ምባልን ብተደጋጋሚ መርሲ መርሲ መርሲ ቦኩ ማለት የቀንየልና እግዚአብሔር ይሃበልና የቀንየልና ዝብል ናብ ቅዱስነቶም ዘቅንዔ ስለ እቲ ዝተቀበሉ ኣብ ብዙሕ ባኮታት ተዓሺጉ ዝመጸ መድሓኒት ብልቢ ኣመስጊኖም። ኣብቲ ሻውል እቲ ይትረፍዶ ከምኡ ዓይነት መድሓኒት ክትረክብ ማይን መግብን እኳ ብክንደይ ጋዳ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ መድሃኒት ነቶም ብድረፓኖቺስቲስ ዝበሃል ናይ ጀነቲካዊ ሕማም ሕማም ደም ዘገልግሎ ምዃኑን ብቀሊሉ ዘይርከብ ምዃኑን እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ናብ ር.ሊ.ጳ ዝቀረበ ሕቶ ሓገዝ!

እዚ ኩሉ ከመይ ኢሉ ክኸውን ከኣለ ቢልካ ምሕታት ንቡር እዩ። እዞ ኣብ ሻውላት ዋና ከተማ ኮንጎ ብራዛቪል ዝርከብ ፍዋየ ናዛረት ኣብ ዝበሃል መዕቆብ ዘኽታማት ዝነበሩ ሕጻናት ኩሉ ምስ ሓርበቶም ቢሮን ወረቀትን ወሲዶም እስኪ እንተተመሰለልና ኢሎም ብቀጥታ ናብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ርድኣና ጸጊሙና ኣሎ እንክብሉ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ እንክምልከት፣ ብዕድል እታ መልእኽቲ ኣብ ኢድ ገበዝ መባእ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲንላ ኮንራድ ክራየውስኪ ብመንገዲ ናይታ ሃገር ቤትጽሕፈት እንደራሴ ር.ሊ.ጳ ማለት ኑንስዮ ትበጽሕ። ብፁዕነቶም እውን ኣይሓመቁን ብኡ ንብኡ ዘድሊ መድሓኒታት ጠራኒፎም ናብቲ መዕቆብ ዘኽታማት ብምልኣኽ ኣብ መጠቅለሊ እቲ መድሓኒታትን ባኮታትን ውህበት ር.ሊ.ጳ ዝብል ብቀይሕ ጽሒፎም ናብታ ሓላፊት ናይቲ ተቊዋም ዝኾነት እናቴ ቩዋኩዋኒቱ ለኣኹ። እናቴን ሰባን ከኣ እንትርፊ ምስጋና ካልእ ክብሉ ኣይከኣሉን።

ዓቢ ምስጋና!

እናቴን ደቃን ነዚ ዓቢ ውህበት ምስ ረኣዩ ከምታ ቅድም ንክልምና ዝጸሓፋኣ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ክብላ በቲ ናይቲ ዓዲ ናይ ሥራሕ ቋንቋ ፈረንሳ ዓቢ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ክጽሕፋ ጀመራ።  ቅድሚ ዝኣገረ ዘቀመጦኦ ቃላት ‘ቅዱስ ኣቦና በዚ መድሓኒት እዚ ገቢሩ ብኣኹም ብወኪል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እግዚአብሔር ከምዝበጽሓና እምነትና’ እንክብላ በቲ ሓገዝ ዝተሰምዔን ሓጐስን ትርጉም ናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ግብረሠናይ ገሊጸን ዓቢ ምስጋና ነቅርብ ኢለን። እናቴን እቶም ናይ መዕቆብ ዘኽታማት ሕጻናትን ጽሒፎም ኣብ ዝኸተምዋ መልእኽቲ ካብ ር.ሊ.ጳ ጀሚርካ ክሳብ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ ናቶም እንደራሴ ኑንስዮ ቤትጽሕፈት ንዘርኣይዎ ፍሉይ ቈላሕታ እንደገና ብምምስጋን ናይዚ ተግባር እዚ ዝለዓለ ትርጉም ቅዱስነቶም ነቲ ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት እትብል ናይ መጨረሽታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ዝጸሓፍዎ ብተግባር የርእይዎ ከምዝለዎ እዚ ከኣ እዛ ሓዋርያዊት መልእኽቲ እዚኣ ክንዮ እቲ ሒዛቶ ዘላ ቃላት መሪሕ ናይ ሥራሕን መደብ ሥራሕ ተልእኮ ድሕነትን ምዃና ከምዝተገንዘቡ ብሰፊሑ እናኣድነቁ ገሊጾም እዚ ከኣ እቲ ቅዱስነኦትም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቤተክርስትያን ዝተቀበልዎ ተልእኮ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ሕውነት ኣብ ማእከል ፍዋየ ናዛረት!

ማእከል ሕውነት ፍዋየ ናዛረት ዕለት ዕለት ነቶም ገዛ ዘይብሎምን ምንም ውሕስነት መጻኢ ዘይተዓደሎምን ቈልዑ ተቀቢሎም ክንዮ መግብን መሕደርን ገዛን ዓራትን ብመንፈስ ክርስትና ዝምራሕ ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ንምባር እውን ቀጻሊ ኲስኰሳ ከምዝወሃቦም ዘመልከተ ጸብጻብ እቲ ተቊዋም፣ ልዕሊ ኩሉ ግን መንፈሳዊ ሓይሊ ፍቅርን ሓፈሻዊ ሕውነት ዘመደ ኣዳምን ከምዝስቆረም ገሮም ኩለንትናዊ ሰብኣዊ ኩስኰሳ ከምዝወሃቡ ይገልጽ። ዜና ቫቲካን ንእናቴ ቩዋኩዋኒቱ ብዛዕባ እቲ ማእከል ሓጺር ሓበሬታ ክህባ ምስ ሓተተን ‘ዕለት ዕለት ነዞም ልዕሊ 20 ዝኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዝርከቡ ካብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ መነባብሮን ኩነታትን ዝመጹ ሕጻናት ንምቅላብን ንምክንኻንን  ቀሊል ኣይኮነን። ምናዳ ናይቶም ማንም ዘይብሎም ዘኽታማት ከምኡ እውን ቤተሰቦም ዝራሕርሕዎም ወይውን ጸገም ሥነኣእምሮ ዘለዎም ወለዲ ዘለዎም ድኻታን ጽጉማትን ውሉድ’ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ። ገሊኦም ካብዚኦም ብብርቱዕ ሕማም ዝተታሕዙን ፍሉይ ብዝኾነ መድሓኒታት ክሕገዙ ዝኽእሉ ገሊኦም ከኣ እንተተኻኢሉ መጥባሕቲ ተኻዪዱ ዓንቊዕ ዓጽሚ ብምቅያርስ ይኹን ካልእ ምዕቡል መጥባሕቲ ብምክያድ ክፍወሱ ዘለዎም እዮም። ኣብዚ ዓዲ መድሓኒት ብጣዕሚ ክቡር ስለዝኾነ ብቀሊሉ ኣይርከብን’ እንክብላ ብሓጺሩ ኩነታት ናይቲ ተቊዋምን ኮንጎ ባራዛቪልን ገሊጸን።

ሓንቲ ዓባይ ሥድራቤት!

ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ንምብርካት በይንኻ ክግበር ስለዘይከኣል ምስ እናቴ ኤሊዝ ቩዋኩዋኒቱ ዝሰርሓ ብዙሓት ወለንታውያን ከምዘለዋ እንክምልከት፣ ሓንቲ ካብዚኤን ኢማኩለ እትብሃል ኣብ ዝሓለፈ በቲ ማእከል ዝተሓገዘት ኰይና ርእሳ ምስ ከኣለት ኣብቲ ማእከል መእለይ ዘኽታማት ከም ምልክት ምስጋና ብወለንታኣ ክተግልግል ዝወሰነት ይርከባኦ። ኢማኡለ እውን ብወንገና ኣብቲ ተቊዋም ዝረኸበቶ ተመኲሮ እንክትገልጽ ‘ብግለይ ጽቡቅ ተመኲሮ እዩ ኰይኒኒ። ንክትዓብን ንገዛእ ርእስኻን ንካልኦትን ብዝበለጸ ንክትፈልጥ ምናዳ ኸኣ ብሓባር ንክትጽሊ ይሕግዘካ። ኣብዚ ማእከል እንርከብ ኩልና ሽሕ’ኳ ናይ ሥጋን ደምን ምትእስሳርን ዝምድናን እንተዘይብልና ማንም ካብዞም ኣብዚ ዘለው ከም ኣቦ ኣደ ሓው ሓውቲ ኰይኖም ይስምዑኒ። ከመይ ፍዋየ ናዛረት ነቶም ኣብኡ ዝነብሩስ ይኹን ነቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ሓደ ገዛ ሓንቲ ዓባይ ሥድራቤት ክትከውን ዝተወሰነት እያ በዚ ከኣ እያ ናይታ ቅድስት ሥድራቤት ናዝሬት ዝተጠምቀት’ እንክትብል ዕግበታ ገሊጻ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 October 2021, 13:09