ድለ

ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ብሓብር ንመጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንዘይርአዩ ጭቡጥ ኣገልግሎት ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ብሓብር ንመጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንዘይርአዩ ጭቡጥ ኣገልግሎት 

ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ብሓብር ንመጻኢ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንዘይርአዩ ጭቡጥ ኣገልግሎት

ዕላማ እዚ ዓውደ በዓል ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋንዚግበር ዝነበረ ነቲ መሰረታዊ መሰላት ኣቶም ኣብ ማሕበራዊ ጒዳያት ዝተረሰዑ ንምጥባቕ እዩ

ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ካልኣይ ደረጃ ናይ ራብዓይ ዓለም ለኻዊ ዓውደ በዓል ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ከምእተኻየደን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብቲ ዓውደ በዓል ናብ ዝተረኽቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብሓሙሽተ ቋንቋትት ኣብ መደብ ዜና ቫቲካን ከምኡ እውን ኣብ መትረብ ዩቲዩብን ብተኸታታሊ ከምዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ሓሙሽተ ክፍሊ ዓለምዝመጻ ውድባት ዚሳተፋሉ “ስፍራ ሕውነት”። ንድኻታትን ህዝብታትን ቀንዲ ተዋሳእቲ ንምግባር ተባሂሉ እተፈላለያ ሕዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘራኽብ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተበገሰ መድረኽ እዩ። ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቀትሪ ብሓሙሽተ ቋንቋትት ብዜና ቫቲካን እተመሓላለፈን ኣብ መትረብ ዩቲዩብ ብቐጥታ ዝተመሓላለፍ፥ ዕላማ እዚ ዓውደ በዓል ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋንዚግበር ዝነበረ ነቲ መሰረታዊ መሰላት ኣቶም ኣብ ማሕበራዊ ጒዳያት ዝተረሰዑ ንምጥባቕ እዩ። መሰረት ናይቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ ናይ ምህናጽ መስርሕ፥ መሰል “መሬትን ገዛን ዕዮን” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋትን ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝሓበርዎ እተን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ሓቀይና ለውጢ ንምድንፋዕ “ነቶም ስራሕ ዘይብሎ ምስእነት ስራሕ ዝተጠቕዑ ዘጓንፎም ሓደጋን ከምኡ እውን ነቶም ብዘይ ዘላቕነት ኣብ ስራሕ ዓለም ዘይወግዓውያን ሰራሕተይናታት ዝኾኑን ብዙሓት ካልኦትን” የሕብሮም። ቅዱስነቶም ገና ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ኣብ ዓዓመቱ ብሔራዊ መዓልቲ ጊላዎትን ዝተነጸሉን ዘይብላ ሃገር ምህናጽ ብዝብል መርሕ ቃል መስዋዕተ ቅዳሴ የዕርጉ ከምዝነበሩን እዚ እነሆ ሎሚ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ዓመታዊ መደብ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኵሉ ነገር ኪቕየር ይኽእል እዩ

እቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ራብዓይ ዓመታዊ ቆጸራ ዝበጽሐ ዓውደ ጉባኤ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተላኣከ መልእኽቲ ከብዝበጸሖን፡ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2014 ዓ.ም. ዘጒልሕዎ “ድኻታት ምጒዳል ፍትሒ ይወርዶም ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ኢፍትሓውነት እዚ ይቃለሱ እውን እዮም” ቢሎም “ተጸበይቲ ካብ ምዃን ተላቒቖም ቀንደይና ተዋሰእቲ ክኹኑ እያቶም ዝደልዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መንጐ እቶም ዝሳቐዩ ዘሎ ኣዚዩ ፍሉይ ዝዀነ ምትሕብባር  ዝነብሩ ብሓባር ይጓዓዙ . . . ኣብዚ ኵነት እዚ ዚሳተፉ እተፈላለዩ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣለዉ። ኣብዘን ምንቅስቓሳት እዚኣተን ነኣሽቶ ሓረስቶትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ሸቃሎን መሬት ዘይብሎም ሓረስቶት ወይ ወነንቲ ነኣሽቲ ሕርሻታት ይዋሳኡ።   

ቀዳማይ ኣኺባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት

ነቲ ክህሉ ዝይብሉ ኣብ ዓለም ዓቢይ ዕንቅፋት ዝኾነ ድኽነት ብትኽክልን ብግቡእን ምግጣም! ናይ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ምስ ከም ሰብኣዊ ክብረት ንፍጥረትን ማብራዊ ፍትሕን ምጥባቕ ዝኣመሰለ መሰረታውያን ጒዳያት ዝተኣሳሰራ እያተን። ንሸውዓተ ዓመት ዚኣክል እቶም ካብ ከተማን ገጠራትን ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዝዓዩ ዝምዝመዙን ሰራሕተይናታት ዝውክሉ እተገሉን ብዛዕባ ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ዓለም እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምጉዳል ፍትሒ ዘለዎም ሻቕሎት ንምግላጽን ብዛዕባ እዚ ንምዝታይን ክእከቡ ጸኑሖም እዮም። እቲ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዛዕባ መሰረታዊ መሰላት ዝተሓረሞም ሰራሕተይናታት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ከምዝነበረን ኣብዚ ኣብ ሮማ ኣተኻየደ ርክብ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. “ድኻታት ዝጓድኡ ከይኮኑን ኣብቲ ዘለውሉ ህይወት ንኽነብሩ ዘለማምዶምን ንምቅጽጻሮም ዝኣመቱ ዝሕንጸጹ ስነ ሜላ ካብ ድኽነት ዘላቕቕ ኣይኮነ፡ እዚ ኸኣ ድኽነት ምውጋእ ማለት ኣይኮነን . . . ኣዞም ኵሎም ኣሓትን ኣሓትን ሕዝባውያን ምንቅስቓስ ኮይኖም ምርኣይ ክንደይ ባህ የብል። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት እዚ ድማ ዝሕድስ ንፋስን ተስፋ ዝሓሸ ብሉጽ ዓለምን ክስምዓካ ይገብር” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ የዘኻኽር።

ካልኣይ ዓውደ ኣኼባ

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ.ም. እቲ ካልኣይ ኣኬባ ኣብ ቦሊቭያ ዝተኻየደ ከምዝነበረን ኣብቲ ርክብ እቲ እውን ካብ 40 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 1,500 ተጋባእያን ከማተረኽቡ ዜና ቫቲካን እንከዘኻኽር። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ህልው ሜላታት ዓለም ዘላቕነት የብሉን ስለዚህ ናይ ሓቂ ለውጢ ህጹጽ እዩ” ከምዝበሉን ሰራሕተይናታትን እንነብረላ መሬት እውን ዘይትጻወሩ ሜላ እዩ። ምዕሩይን ቅኑዕን ክፍሊት . . . መላእ ዓለም ዝትንክፍ ለውጢ የድሊ! እቲ ካብ ኣህዛብ ዝውለድ ዓውሎማዊ ተስፋ ኣብ ድኻታት ዚዓብን ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ዘሎ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ዝትክእ ይዅን!” ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ሳልሳይ ኣኼባ

ናይተን ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ሳልሳይ ዋዕላ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2016 ዓ.ም. ዝተኻየደ ከምዝነበረን ኣብቲ ኣጋጣሚ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “እቶም እተገሉ ውድባትን ካልኦት ክፍሊ ሕብረተሰብ ነተን ናይ ሓቂ ቅልውላው ዘሕልፋ ዘለዋ ደሞክራስያውያን ሃገራት ንምሕዳስ ዳግም ህያው ክኾኑ ይጽውዑ። . . . ኣብዚ ልሙስ ምድንጋር ከምኡ እውን ኣዕናዊ ውጥናት ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ቀንደይና ተዋሳእቲ ናይ ሓባር ረብሓ ዝብሉ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘነቓቕሕዎ ክብርታት ብሓገዝ እግዚኣብሔር ነቶም ፍርህን ተስፋ ምቑራጽን ዝምዝምዙ ናይ ሓሶት ነቢያት ዝስዕር ይዅን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ራብዓይ ኣኼባ

እቲ ራብዓይ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ብኽልተ ደረጃ ዝካየድ ከምዝኾነን እቲ ቀዳማይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኻየደ እዚ ኸኣ ልብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ሰራሕተይናታትን ተነቀፍትን ዜጋታት ኣብ ዘሕድሮ ጽልዋ ዘማእከለ ኮይኑ። ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናብ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ . . . ኣብቲ ምስ ኮቪድ - 19 ዝግበር ውግእ ንስኻትኵም ኣብቲ ሓደገይና ድፋዕ እትዋግኡ ናይ ሓቂ ዘይርይ ሰራዊት ኢኻትኩም። ኣብዚ ዋላ ሃደ ንበይኑ ዘይድሕነሉ ዘሎ እዋን ምትሕብባርን ምትሕልላይን ኣጽዋሩ ዝገበረ ሰራዊት ኣሎ” ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ካልኣይ ደረጃ ራብዓይ ኣኼባ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ከማተኻየደ ኣፍሊጡ።

19 October 2021, 08:57