ድለ

VATICAN-RELIGION-POPE-ENVIRONMENT-CLIMATE-COP26 VATICAN-RELIGION-POPE-ENVIRONMENT-CLIMATE-COP26 

ንፈጣርን ፍጥረትን ንሰብን ዝግብኦም ክብሪ ንሃብ! ጉባኤ ኮፕ26 ጭቡጥ መልሲ ይሃብ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘እምነትን ሳይንስን: ናብ ኮፕ26 ኣብ ዝግበር ጒዕዞ’ ብዝብል ተማ ሊቃውንቲ ሳይንስን ብተመኲሮ ዝበሰሉን መራሕቲ እምነትን ኣብ ቫቲካን ከምዘጋብኡ እንክምልከት ኣብ ፍጻሜ እቲ ጉባኤ ከኣ ናብቲ ኣብ ግላስጎ ዓዲ እንግሊዝ ዚካየድ ጉባኤ ዝቀርብ ጻውዒት ክቲሞም፤ ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ ቃሎም ብጽሑፍ እንከረክቡ ‘ነቲ ኣብ ተፈጥሮን ዘመደ ኣዳምን ቊስልታት ዘስዕብ ዘርኢ ቅርሕንቲ ንምብዳህ ነንሕድሕድካ ምድግጋፍን ሓላፍነት ብሓባር ምስካምን የድሊ’ እንክብሉ ምዒዶም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ሳይንስን እምነትን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ሰብን ፍጥረትን ዘሎ ርክብ ብጣዕሚ ዝተጠናነገርን እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዝደጋገፍን ምዃኑ እዚ ከኣ ንማለቱ ዘይኮነ ዓሚቊን ውሳጣውን ምጥንናግ ከምዝኾነ ምስ ገለጹ፤ ነዚ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ከም መንገዱ ኪካየድን ፍረ ዘለዎ ክኸውንን ግን ኣብ ሕድሕዳዊ ምድግጋፍን ሓሓላፍነትካ ብሓባር ብምክፋልን ዝተሞኰሩ ጠባያትን ኣገባባትን ምኽታል ከምዘድሊ ምናዳ ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዘኽብረሉን ዝስዕልሉን ምትሕልላይ ዝመልኦ ክብሪ ምስ ዝዝውተር ነቲ ዘርኢ እንብሎ ኣብ ተፈጥሮን ዘመደ ኣዳምን ቊስልታት ዘስዕብ ክንቃለስ ይከኣል ኢሎም፤ ነዘን ዘርኢ ቅርሕንቲ ዝበልወን እንክዝርዝሩ ከኣ ብቀዳምነት ንፍገትን ሥሰዔን ን ኣይ ጥራይ ይጥ ዓመኒ እምበር ናይ ካል ኦት ኣይግድሰንን እዩ ዝብል ሸለልትነት ድንቁርናን ፍርህን ከመይ ዓመጽ ምዃኖም እውን ብዝርዝር መምስ ምኽንያታቶምን ሳዕቤናቶምን ዘርዚሮም ገለጹ።

እዚ ኩሉ ነታ ቅድሚ ዓመት ናብ መላእ ዘመደ ኣዳም ዘቅረብዋ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ንእትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ንሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ስዒቡ ዝቀረበ ብምዃኑ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ኣደራሽ ቡራኬ ከተማ ቫቲካን እንደገና ነቶም ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት ማለት እቲ ዓቢይ ናይ ኣል ኣዝሃር ኢማም ኣሕመድ ኣል ጣይብን ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን በርጠለሜዎስ ቀዳማይ ምስ ዝተፈላለዩ ሊቃውንቲ ሳይንስ ምኩራት ተመራመርትን ዳግም ኣብ ዘጋብኡሉ ሁመት ነበረ።   እዚ ከኣ ነቲ እምነትን ሳይንስን ናብ ጉባኤ ኮፕ 26 ዝብል ዓቢ ጉባኤ ንምስታፍ እዩ፤ እዚ ጉባኤ እዚ ብኣምባሳደራት ንቅድስት መንበር ናይ ዓባይ ብሪጣንያን  ሃገረ ጣልያንን ዝተዋሃሃደ ኰይኑ ብቀንዱ ነቲ ካብ ዕለት 31 ጥቅምቲ ክሳብ 12 ሕዳር ኣብ ግላስገው ዋና ከተማ እስኮትላንድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ክሊማ ንዘካይዶ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ እውን ምስ እዚ ተታሕሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ሓባራዊ ጻውዒት!

እቲ መደብ ሰፊሕን ብዙሕ መደረታትን እንክህልዎ ምሳኡ ከኣ ንምስትንታን ዘገልግሎ ናይ ሱቊታ ግዜን ዝተፈላለየ ሙዚቃታትን ከምዝህልዎ እዚ ከኣ ብዝተፍላለየ ቋንቋታት ምዃኑ እንክምልከት ኣብ ፍጻሜ ኩሎም ብሓባር ክታሞም ዘንብሩሉ ናይ ሓባር ጻውዒት ዝሓዘ ሰነድ ከምዘቅርብ ምሳኡ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነ ዓለምናን ከባቢኣን ንምሕላው ይሕግዝ ዝበልዎ ናይ ትምህርትን ኲስኰሳን ከማኡ እውን ናይ ስልጠና መደባት ኣታሓሒዞም ከምዝልእኩ ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ነቲ ሰነድ ንፕረሲደንት ኮፕ 26 ኣሎክ ሻርማን ከማኡ እውን ንሚኒስተር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጒዳያት ኢጣልያ ልዊጂ ዲ ማዮ ምስ ካልእ ሠለስተ ገጻት ዝኸውን ኣብቲ ጉባኤ ከቅርብዎ ዝነበሮም መደረ ከረክቡ እሞ ቅዱስነቶም ሕጽር ብዝበለ ‘ኩሎም መታን ክዛረቡ ኣብቲ ግዜ ከይሻሞ ክብሎ ዘሎኒ ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ ቀስ ኢልኩም ባዕልኹም ኣንብብዎ በዚ ከምዚ ከኣ ነዚ ሥር ዓት ቀልጢፍና ክንፍጽም ንኽእል’ ክብሉ ምዃኖም ተመልትቱ።

እንኮ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም!

ኣብቲ ቅዱስነቶም ብጽሑፍ ዘቅረብዎ ሰነድ ናይ ዕለቱ ርክብ ብዙሕ ባህልታትን መንፈሳውነትን ናይ ሓድነት መንፈስ ዝዓሰሎ ሕውነት ከምዘተኣሳስር እዚ እንትርፊ ኩልና ኣባላት እንኮ ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ምዃና ምምልካት ካል እ ኣይኮነን፤ እዚ እንኮ ሕውነት ሥድራቤት ዘመደ ኣዳም ከኣ መለለዪ ነፍሲወከፍ እምነትን መንፈሳው ውርሻ ባህልን እዩ፤ እንተኾነ ክፈላልዩና ዝኽእሉ ባህላውን ፖሎቲካውን ማሕበራውን ዶባትን ሓጹርን ከምዘየሎ ምግንዛብ የድሊ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ምኽሮም ንክህቡ ከኣ ነዚ ውሁብ ዝኾነ ሓድነት ቤተሰብን ኣሕዋትን ብዝበለጸ ንምስትንታን ሠለስተ ነጥብታት የቅርቡ፤ እዚኤን ከኣ ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ምጽግጋዕን ንዘሎና ኩሉ ብሓባር ንምክፋል እንገብሮ ጻዕርን ከምኡ እውን ንኩሉ ሓይልን ሕይወትን ሂቡ ከም ሞቶር ዘንቀሳቅስ ፍቅርን ክብራን ክብርትን ኰና ተኸባቢርና እንነብረሉ ምክብባር ሓድሕድን ሓገዝቲ ምዃነን ኣገንዚቦም።

ምድግጋፍን ንዘሎካ ብሓባር ተኻፊልካ ምኽኣልን!  

ቅዱስነቶም ርሑቅ ከይከድና ነቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ባህርያዊ ምድግጋፍን እቲ ሓደ ብይዘካ እቲ ሓደ ንምንባር ክሳብ ክንደይ ከምዘጸግምን ብምስትንታን መልእልተ ባህርያዊ ውህደት ንዝገልጽዎ ምድግጋፍ ንክገልጹ ‘ኣብ ፍጥረት እንተተዓዘብና ዋላ ሓደ ፍጡር ብዘይ እቲ ካልእ ፍጡር ተነጺሉ ክነብረሉ ዘይክእልን ኣነ በይነይ እየ ኢሉ ተነጺሉ ክነብር ዝኽ እል ፍጡር ከምዘየለን እኳ ደኣ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ጽግ ዕተኛ ብምዃን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናኣማላኤ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ እናኣገልገለ ይነብር እዚ ከኣ ሓባራዊ ተጠቃቃምነት ኰይኑ እንካ ሃባ ዚዓይነቱ ኩሉ ተሓጒሱ ዝነብረሉ ውህደት እዩ፤ ኣታኽልቲ ማይ ሕይወት ዘለዎም ፍጥረታት በቲ ኣምላኽ ስለሠናዮምን ሠናይ ነገር ናይ ኩሉ ፍጥረትን ኣብ ውሽጦም ብዘንበረሎም ሕጊ ተፈጥሮ ይናበሩ’ ድሕሪ ቢሎም እዚ ዘግህዶ ምሥጢር እንታይ ምዃኑ ከኣ ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም።

ዓለምና ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተኣሳሰረን ዝተጠናነገን ምዃኑ ምፍላጥ ነቲ ንሕና እንፍጽሞ ጐዳእቲ ነገራትን ሳዕቤናቶምን ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ ንዝጐድ ኡ ጠባያትና ኣለሊ ንምኽ ኣልን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መለኮታዊ ውህደት ዝበልናዮ ምድግጋፍን ንዘሎካ ብሓባር ተኻፊልካ ንምኽኣልን ዝሕግዙ መፍትሒታት ምልላይ የድሊ ኢሎም።

ኣንፈት ምቅያር!

ቅዱስነቶም ናብዘን ዘሕለፍናየን ክልተ ዓመታት ለበዳ ኮቪድ 19 ምልስ ይብሉ እሞ ካብ ኡ ዝተማሃርናዮ ጉዳይ እንተልዩ በበይንኻ ብተናጸል ካብቲ ቅልውላው ክውጻእ ከምዝይከኣል ምዃኑ የብርሁ እሞ፤ ‘ነፍሲወከፍና ብዛዕባ ሓለዋ ተፈጥሮን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓላፍነትና ክንሽከም መሠረታዊ ጓዳይ ኰይኑ ኣንፈት ክንቅይር ግድን እዩ ነዚ በቲ ግላዊ እምነትናን መንፈሳውነትና ዝረኸብናዮ ርድኢት ክነጐልብቶ ኣሎና፤ ነዚ ሓላፍነታዊ ተበግሶ ሞቶር ኰይኑ ዘንቀሳቅስ ከኣ ሓይሊ ፍቅሪ ምዃኑ ምግንብዛ፤ ካብ መዓሙቊ ልቢ ነፍሲወከፍ ምስ ዚኸውን ከኣ ፍቅሪ ነፍሲወከፍ ካብ ገዛእ ር እሱ ውጽእ ኣብ መንጎና ምትእስሳር ከምዝህሉ ገቢሩ ህላዌና የስፍሕ፤ እዚ ሓይሊ ፍቅሪ እዚ ግን ሓንሳእ ተበጊሱ ሱቊ ዝብል ዘይኮነ ዕለት ዕለት ወትሩ ሕያው ኰይኑ ክቅጽል የድሊ፤ ኣብዚ እምነትን መንፈሳውያን ባህልታትን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎም’ ኢሎም።

ፍቀሪ ምስትያት ናይ ሓንቲ ንመንፈሳዊ ሕይወት ከምዝግባእ ብ ዕምቈት ዝነበረት ሕይወት እያ፤ ክንዮ ባህላውን ፖሎቲካውን ማሕበራውን ዶባት ሰጊሩ ዝዝርጋህ ፍቅሪ ብሓቂ ተግባራዊ ኰይኑ ብዝበለጸ ነቶም ናይ መጨረሻ ክፍሊ ኅብረተሰብ የገልግሎ፤ ንዶባት ን ኣይ ይጥ ዓመኒ ዝብል መንፈስ ኣሸኒፎም ንድፋዕ ኣነነት ዝጋልሁ ከኣ እዚኦም ክፍሊ ኅብረስተሰብ እዚኦም ኢዮም ኢሎም።  

ዘርኢ ግጭት!  

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ጽሑፎም ኩሉ እቲ እንምነዮን እንሓስቦን ብዘይ ምንም ጸገምን ገድልን ዝስገር ከይመለስና ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ብግህዶ እንርእዮ ከም ባህሊ እውን ተኣታትዩ ዘሎ ኣብ መኽሰብን ምህርትን ጥራይ ዘድሃበ ባህሊ ነቶም ዘይፍርዩ ዘየኽስቡ ዝበሎም ክፍሊ ኅብረተሰብ ዳርጋ ምጒሓፍ ክትብሎ ዘድፍር ጐስዩ ዝሓልፍ ነዚ ምኽንያት ዝኾኑ ኣብቲ ብሓባር ዘቅረብዎ ጻው ዒት ዘርኢ ግጭት ብምባል ንዝጠቀስዎም ጸገማት ይዝርዝሩ፤ ‘ንፍገትን ስሰዔን ዝመለለዪኡ ህርፋን ከማኡ እውን ኣብ ቅድሚ ጽጉማትን መሰሎም ዝሰኣኑን ዝረኤ እንታይ ገደሰኒ ዝብል መንፈስ ዝዓብለሎ ሸለልትነት ምሳኡ ብዝተታሓሓዘ መንገዲ ድንቊርናን ፍርህን ምስቲ ዘሎ ጒድለት ፍትሕን ውሕስነት ምስኣንን ዝተጋነነ ዓመጻትን ኰይኖም እዚኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ከባብን ተፈጥሮን ሰፍ ዘይብል ዕንወት ብምስዓብ ብሓባር ንዕዘቦ ዘሎና ክሊማዊ ለውጥን ዘውርዶ ዕንወትን ምድረበዳነት ምምራዝ ከባቢ ወዘተ. እዚ እቲ ድሮ ኣብ ፍቅሪ ብሓቂ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ ከም ዝተገልጸ ኣብ መንጎ ዘመደ ኣዳምን ተፈጥሮን ከባብን ብመንጽር ፍቅሪ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ንዘሎ ዝምድና የዕኑ። ምንጭና እዚ ፍቅሪ እዚ ኰይኑ ናይ መወዳእታ መዕለቢና እውን ኣብዚ ፍቅሪ እዚ እዩ ኢሎም።

ኣኽብሮት ፍጥረትን ብጻይን ፈጣርን!

ቅዱስነቶም ብሰፊሑ ንዘሎ ጸገማት ድሕሪ ተንቲኖም እሞኸ ደኣ እንታይ ይገበር ናብ ዝብል ደረጃ ይሰግሩ እሞ ክልተ ሓሳብ የቅርቡ፤ እታ ሓንቲ ኣብነትን ክ ውሰድ ዘለዎ ስጉምትን እንክተመልክት እታ ካል አይቲ ከኣ ኲስኰሳ ኰይነን መቀረት ተስፋ ክህባ ከምዝኽእላ፤ በዚኤን ንክን ዕወት እቲ ከም ሎሚ ብዙሕ መጋበርን ትምህርትን ረኺቡ ዘይፈልጥ ዘመደ ኣዳም እንተደልዩ ክገብሮ ከምዝኽ እል ብምእማን ሓሳቦም የቅርቡ፤ ጥቅልል ብዝበለ ከኣ ጸዋዕታ ኣኽብሮት እንክብሉ ክብሪ ነንዝግብኦ ክነቅርብ ይምሕጸኑ።

ኣኽብሮት ንፍጡር ኣኽብሮን ንብጻይ ኣኽብሮት ከኣ ንገዛእ ር እስና ብመንጽር እቲ ን እግዚኣብሔር እነቅርቦ ክብሪ ክወሃብ የድሊ፤ እንተኾነ ኣብ መንጎ እምነትን ሳይንስን እውን ሕድሕዳዊ ምክብባር ሕድሕዳዊ ምምልላእ የድሊ፤ ከምዚ ብምግባር ከኣ ንምክንኻን ተፈጥሮን ንምክልኻል ድኻታትን ምክብባርን ሕውነትን ዝ ዓሰሎ መርበብ ንምህናጽን ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዘተ ብም እታው ክዋስ ኡ የድሊ ኢሎም።

ካብ ኮፕ 26 ጭቡጥ መልስታት የድሊ!

እዛ ኣኽብሮት ትብል ኣብ ሰማይ ተንጠሊጢላ ዘላ ብሓሳብ ጥራይ ተውርዳን ተደይባን ኣምር ዘይኮነት ኣብ ተግባር ክትረኤ ዘለዋ ንካል ኦት ንክትፈልጥን ምሳኣቶም ኣብ ዘተ ኣቲኻ ብሓባር ንክትጐዓዝን ዝዓለመት ነዚ ፈቲና ጸሊእና ብሓብር ክንፍጽሞ ዝተወሰነልና ሓባራዊ ጒዕዞ ብሓባር ንምፍጻም እትሕግዝ ዋና መጋበሪት ምዃና ዝገለጹ ቅዱስነቶም፤ እዚ ጒዕዞ ናብ ኮፕ 26 ግላስጎ ዘቅርቦ ጻው ዒት እንትርፎ ነዚ ር ኡይ ጸገማት ጭቡጥ ግብራዊ መልሲ ክህብ ምምሕጻን በዚ ከምዚ ከኣ ንመጻኢ ወለዶ ብሩህን ተስፋ ዘለውን መጻኢ ምብርካት እምነበር ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ፍሚሜ እቲ ርክብ ቅዱስነቶም ከም ምልክት ማሕተም ናይቲ ርክብ ምስ ኩሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብ ቦታ ኣታኽልቲ ከተማ ቫቲካን ንዝኽሪ ሓንቲ ኦም ኣውሊዕ ተኺሎም፤ ነቶም ነቲ ፍጻሜ ብ ኣካል ክሳተፉ ዘይከኣሉ ከኣ መልእኽቲ ር እየት ማለት ብቪድዮ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ እቲ ርክብ ተዛዘመ።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 October 2021, 13:55