ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣብ መንጐ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ርክብ እንተዘየሎ ታሪኽ ኣይስጉምን

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ንመንእሰያት ብምርኣይ ናይ ሕልሚ መሰል ኣለዎም መንእሰያት ከኣ ነቲ ጨናፍር ካብ ኣቦሓጎታቶምን ኣደሓጎታቶምን ብምውሳድ ትብዓት ናይ ትምቢት መሰል ኣለዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ወለዲ ማርያም ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ኢየሱስ ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስቲ ሃናን ምስ እተብዕለሉ ዕለት ተተሓሒዙ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ክበዓል ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሰረት ዕለት 25 ሓምለ ቀዳማይ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ከምእተበዓለን፥ ኣብታ ዕለት እቲኣ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ መንጎ እቲ ንብምሉኡ ሕብረተሰብ ምንጪ ሃብቲ ዝኾነ ወለዶታት ዘሎ ርክብ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ምጉሓፍን ምድርባይን ዝብል ባህሊ ኣብ ዝዓብለሎ ዓለም ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ብፍላይ ነቶም በይኖም ወይ ካብ ገዛ ኺወጹ ዘይኽእሉ ክንበጽሖምን ቀረባኦም ክንከውንን ብኣጽንዖት ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ናይ ፍቕርን ትዕግስትን ጥበብን ዓቀብትን ናይ ተዘክሮ መዛግብትን ጸሓፍትን ትንቢታዊ ሕልምታት ዓቀብቲ መበቈልን እያቶም። ውርሻ እምነትን ኣብ መንጐ ወሎዶታት ማእስር እውን እያቶም። ሓድሓደ ግዜ ተነቀፍቲ መብዛሕቲኡ ግዜ እውን ድኻም ዝስምዖም እውን እንተኾነ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ወትሩ ክቡራት ዝኾኑ ጸሎቶም ከኣ “ንዓለም ክዕቅባ” ዝኽእል እዩ ከምዝበሉን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ሓሳባቶም ናብ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ካብ ምምላስ ኣየቋረጹን፡ ብተደጋጋሚ መተባብዒ ጻውዒት እናቕረቡ ሳላ እቶም ክኢላታት ሃነጽቲ ሰላምን ፍትሕን ኣርኣያ ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ክሳብ እታ ንኣኣቶም እተወከፈት መዓልቲ ምቛም በጺሖምን ዕለት 25 ሓምለ ንዝተብዓለ ቀዳማይ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ክሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም እዮም። ኣብቲ ዕለት 25 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ንዝሓበሩ ኩሎም ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን እውን ንኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታን ብጣቕዒት ፍቕሮምን ቅርበቶምን ሓልዮቶምን ንኸረጋግጹሎም ከምዝዓደሙን ምእመናን እውን ንዕድመ ቅዱስነቶም ተቐቢሎም ብጣቕዒት ቅርበትን ፍቅርን ሓልዮን ንኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ደቂ ደቆምን ብሓባር ኮይኖም ሓደ ካብቲ ባህ ዜብል ገጽ ቤተ ክርስቲያን ኣስተርእዮም እዮም። ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት እተኣትወ ኪዳን ድማ ኣርእዮም እዮም። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኵሉ ማሕበረሰብ ክትበዓል ከምኡ እውን ነቶም በይኖም ዝኾኑ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ክትበጽሕዎም ከምቲ ኢየሱስ ‘ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ’ ዝበሎም ቃል ወትሩ ምሳኻትኩም እየ እንክብል ብዝኣተዎ መብጽዓ ተደሪኽኵም ነታ መልእኽተይ ኣብጽሑሎም። ጐይታ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ከነብዕልን ነቶም ብዕድመ ዝደፋእና ነቲ ኣብዚ ናይ ህይወት ወቕቲ ንዘቕርበልና ጸዋዕታ ዝጠልቦ መልሲ ንኽንምልስ ክሕግዘና እምሕጸን፡ ከምኡ እውን ንሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብዚ ምድርባይን ምጉሓፍን ዝብል ባህሊ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን’ዚ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ምህላዎም ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ንኸነስተውዕል ክሕግዘና ንጐይታ እልምን”

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብዘይ ዘተ ኣብ መንጎ ወለዶታት ታሪኽ ንቕድሚ ኣይስጒምን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ዝገልጽዎ ርክብ ኣብ መንጎ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ደቂደቆምን ብቐጻሊ ድልዱል ክኸውን ዝኽኣል በዚ ምትእስሳር ህይወትን ምይይጥን ተመክሮታት ካብ ምክፋል ከምኡ እውን ታሪኽ ንሓድሕድ ካብ ምክንኻን እዩ እዚ ኸኣ ታሪኽ ንቕድሚት ክስጒም ከምዝገብር እንከብርሁ፥

መንእሰያት ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን የድልይዎም፥ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን መንእሰያት የድልይዎም እያቶም፡ ኪዘራረቡን ክራኸቡን ኣለዎም። ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ነታ እትዓቢ ኦም ዜበርትዕ ታሪኽ ኣለዎም። ቅድሚ ሕጂ ዝነገርኵኹም ሓደ ገጣማይ “እቲ ናይ ሓደ ኦም እንርእዮ ጥጡዕ ፍረ ካብቲ ትሕቲ መሬት ዝተቐብረ ሱሩ እዮ ዝመጽእ” ዝበሎ ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮይ ይመጻኒ፡ ኣብ መንጐ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ምይይጥ እንተዘየለ ታሪኽ ንቕድሚት ኣይስጒምን ህይወት እውን ንቕድሚት ኣይከይድን እዩ፡ ነዚ ንምግባር. . . ንባህልና ብድሆ እዩ! ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ንመንእሰያት ብምርኣይ ናይ ሕልሚ መሰል ኣለዎም መንእሰያት ከኣ ነቲ ጨናፍር ካብ ኣቦሓጎታቶምን ኣደሓጎታቶምን ብምውሳድ ትብዓት ናይ ትምቢት መሰል ኣለዎም፡ በጃኹም ከምኡ ንግበር። ኣብ መንጐ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን መንእሰያትን ርክብን ዘተን ይሃሉ፡ እዚ ድማ ንኹሉ ሰብ ሓጐስ እዩ ዝኸውን፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 July 2021, 18:44