ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ሓንቲ ስድራ ቤት ስለ ዝዀንና ማይን መግብን ዝጐድሎ ሓደኳ ከይህሉ

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መግቢ ምፍራይ እዅል ኣይኮነን የግዳስ ስርዓተ መግቢ ነባሪ ምዃኑ ጥዑይ ኣመጋግባ ከም ዚህብን ንዅሉ ሰብ ኪበጽሖ ከም ዚእኽልም ምግባር እውን ኣገዳሲ እዩ” (ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ረአ)

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ-19 ዝኸታተል ሽማግለ ብምትሕብባር ንገለ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጠንቂ ጥምየት ንምጥፋእን ክብሪ ሰባትን መሬትን ንምሕላውን በዚ መሰረት እውን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘቕርብዎ ዕድመን ምሕጽንታን ዘጣመረ ክስቱ - ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘሕተመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ዓለም ዘሎ ጥምየት ንዅሉ ሰብ ጸገም ኢዩ። ምስዓሩ ናይ መላእ ዓለም ስነ ምግባራዊ ግዴታ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ምስ ጥምየት ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ ንኣካባቢ ዘይሓልይ እንተድኣ ኮይኑ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዙሕ መግቢ ዘለዎምን ብዙሓት ከኣ ጥሙይ ከብዲ ዘለዎም እንተድኣ ኮይኖም ብሓቂ ጥምየት ንምውጋድ ክብጻሕ ዝከኣል ሸቶ ኣይክኽወንን እዩ” ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከም መእተዊ ዝገበረ ክሱት - ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካልእ ሓድሽ ኣገባብ ፍርያትን ኣህላኽነትን

እቲ ዝተዳለወ ክሱት መልእኽቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ እተፈላለየ ናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽትታት ጸሚሩ ዘቕርብ ኮይኑ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዛዕባ ምቕያር ኣገባብ መግቢ ዝኣመሰለ እተሓላለኸ ጒዳይ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ምዃኑ ዝሕብር ዘቕረብዎ መደረ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም. ኣብቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዖ መደረ “መሰል መግቢ ውሕስነት ኪወሃቦ ዚኽእል ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ርእሰ ነገር ማለት ብዛዕባ እቲ ብጥሜትን ብጒድለት መግብን ዚሳቐ ሰብ እንተ ተጨኒቕና ጥራይ እዩ።” ከምዝበሉን እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ተረኺቦም “ኣብ ኣነባብራን ኣብ ኣጠቓቕማን ሃብቲ ኣብ መለክዕታት ምህርቲ ከምኡ እውን ኣብ ኣመጋግባ ለውጢ ኽግበር ሓሳብ ንምቕራብ” ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ንዘስመሩሉ ሓሳብ ዘዘኻኽር ምዃኑ የመላኽት።

ዘሳቒ ጥምየት ዘስዕቦ መከራ

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “መግቢ ምፍራይ እዅል ኣይኮነን የግዳስ ስርዓተ መግቢ ነባሪ ምዃኑ ጥዑይ ኣመጋግባ ከም ዚህብን ንዅሉ ሰብ ኪበጽሖ ከም ዚእኽልም ምግባር እውን ኣገዳሲ እዩ” (ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መግቢ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ረአ) ዝበልዎ ሓሳብ ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብቲ ኣብ 1992 ዓ.ም. ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣመጋግባ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ስግጢር ፍድፋድ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሱ፥ ር.ሊ.ጳ. “ንዅሉ ሰብ ዝኸውን መግቢ ኣሎ እንተዀነ ግን ኵሉ ሰብ ከኣ ኣይኰነን መግቢ ዝረክብ ዘሎ” (ናብ ናይ 2015 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት ናብ ዝተኻየደ ምርኢት ህልዮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ረአ) እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምቕራብ፡ እቲ ክሱት መልእኽቲ ቀጺሉ፥ ብጥምየት ሙማት ሓደ ካብቲ ክብረትካ ዝቕንጥጥ ዝኸፍአ መገድታት እዩ - “ሎሚ እውን እንትኾነ ፍራንቸስኮ ክንደይ ኣዴታትን ኣቦታትን ኢዮም ንገዛእ ርእሶምን ንብጽሒት ደቆም እዅል እንጌራ ብዘይምርካቦም ዝሳቐዩ ዘለዉ” (ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ረአ) እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ የቃልሕ።

ሓልዮት ምግባር መገዲ ምቕያር ማለት እዩ

እቲ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ-19 ዝኸታተል ሽማግለ ብምትሕብባር ንገለ ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጠንቂ ጥምየት ንምጥፋእን ክብሪ ሰባትን መሬትን ንምሕላውን በዚ መሰረት እውን ናብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዘቕርብዎ ዕድመን ምሕጽንታን ዘጣመረ ክስቱ - ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “እቶም ዝደኸዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣዴና መሬትን በቲ ዘምጻእናዮ ጒድኣትን ምጒዳል ፍትሕን እህህ ይብሉን እዚ ኸኣ እንኽተሎ መገዲ ክንቕይር ዝጽውዕ እዩ። ክንልወጥን መገድታትናን ክንቕይርን ሓልዮት ንፍጥረትን ተፈጥሮን ክህልወና ዘተሓሳስብ ጻውዒት እዩ፡” (ዕለት 16 መስከረም 2020 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ረአ) እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሱ፡ ድሕሪ እዚ ነቲ “ኣቦ ንዓና ንዅላትናን ሎሚ ዜድልየና እንጌራ ከም ዝህሉ ግበር” ዝብል ክፋል ናይታ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎት ብምዝኽኻር፥ እቲ “እንጌራ” ዝብል ቃል - “ንማይን መድሃኒትን ገዛን ስራሕ እውን ዝምልከት እዩ፡ መሰረታዊ ኣድላዪ ንሕይወት ዝውክል እዩ” (ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ረአ) ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ማሕበር ረድኤት “ሓደ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ንዅሉ ዚኸውን መግቢ” ብዝብል ኣርእስቲ  ዘካይዶ ወፈራ መሰረት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ - “ሓንቲ ስድራ ቤት ስለ ዝዀንና ማይን መግብን ዝጐድሎ ሓደኳ ከይህሉ” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ጻውዒት ከምዝዛዘም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

31 July 2021, 08:32