ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ኣረጋውያንን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሓዲሽ ኪዳን

በጃኹም ኣይትረስዕዎም፥ ምሳታቶም ንተሓባብር። ደው ክንብልን ክንሰምዖምን ንመሃር። ፈጺምና ኣይንደርብዮም። ብፍቕሪ ንሓብሕቦም። ምሳታቶም ግዜ ከነሕልፍ እውን ንመሃር፡ እዚ ኸኣ ብሉጻት ይገብረና

ዕለት 25 ሓምለ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዚብህግዎ፥ ቀዳማይ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እነሓጎታትን ኣረጋውያንንን ከምእተበዓለን ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘዳለውዎ ስብከት ንግሆ ዕለት 25 ሓምለ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት እቲ በዓል መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕረጉ ናይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፊሲከላ ከምዘስምዕዎን፥ “ሃብትታት ባህልን ሕዳሰ መንፈስ ቅዱስን” ብሓባር ናይ ምዕቃብ ኣድላይነት ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝገለጽዎ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎአታትን ኣረጋውያንን ተረፈ ሕይወት ወይ ጐሓፍ ኣይኰኑን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ንዅሎም ኣረጋውያን ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣረጋጊጾምን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ንዅሎም ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ሰላምታኦም ከምዘቕርቡ ብምርግጋጽ ኣበጊሶም፡ ነተን ዳሕረዎት መዓልታት ብምሉእ ሓይሎም ናብ ኣገልግሎቶም መታን ክምለሱ ንኣና ዘይምድካሞም ክሕሸና እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዛ ንኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን እተወፈየት ቀዳመይቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍርናቸስኮ ነቲ ኣብ መንጎ ወለዶታት ዘሎ ርክብ ንምግላጽ ዝጥቀሙለን ሰለስተ ግስታት፥ ምርኣይን ምክፋልን ምዕቃብን ዝብላ ከምዝኾናን፡ እዚ ኸኣ ስስዐን ጽምዋን ንምስናፍ ናይ ሓባር ናይ ሕይወት ሃብቲ ንምክፋልን ብሓባር ንምሕላምን ናይ ሓባር መጻኢ ንምድላው” ዝመርሕ እዩ። ናይ ዕለተ ሰንበት ዕለት 25 ሓምለ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 1-15 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ኢየሱስ ንፊሊጶስ “ዚብላዕ ምእንቲ ኪረኽቡስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ንኽእል? ኢሉ ሓተቶ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኢየሱስ በቲ እቲ ሕዝቢ ዝነብሮ ዝነበረ ጥምየት ክሕተት ፈቐደ” ብምባል፡ ነቲ ሓሙሽተ እንጌራ ስገምን ነቲ ኽልተ ዓሳታትን የብዝሖ፡ ኵሉ ምስ በልዐ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ዝተረፈ፡ “ገለ እኳ ምእንቲ ኸይጠፍእ” እንክብሉ ድማ ክእከቡ። ኢየሱስ ነቲ ናይቲ ሕዝቢ ጥምየት ረኣየ ሓቢሩ ምስኦም ድማ እንጌራ ይቛደስ እቲ ዝተረፈ ኽኣ ኣከብዎ።” እንክብሉ የብርሁ።

ምርኣይ፥ ጥንቁቕ ኣተኵሮ የድሊ

ወንጌላዊ ዮሓንስ ፍልይ ዝበለ ጒዳይ የመላኽት፥ ኢየሱስ እቶም ህዝቢ ንኽረኽብዎ ብዙሕ ብእግሮም ድሕሪ ምጒዓዝ ዘጋጠሞም ጥምየት የስተውዕል፡ ናይ ኢየሱስ ምጥማት ግዲ ዘይብል ወይ ብስራሕ ትሑዝ ዝኾነ ዓይነት ኣጠማምታ ኣይኮነን፥

ይሓልየልና ንህይወትን ፍቕርን ሓጐስን ዘሎና ጽምኢ ክዕንግል ይደሊ። ኣብ የዒንቲ ኢየሱስ የዒንቲ ኣምላኽ ክንርኢ ንኽእል ኢና፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልብና ሒዝናዮ ዘሎና እዚ ኸኣ ነቲ ድኻምን ሃልክታትን ትጽቢታት ሰኒቕና ንቕድሚት እንገብሮ ጉዕዞ ዝምርምር ኢዩ፡ ንድሌት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝርዳእ ምርኣይ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስሙ ዘይፈልጥ ጭፍራ የሎም፥ ነፍሲ ወከፉ ምስ ናይ ገዛእ ርእሱ ጥምየት ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ፍሉጥ እዩ!

ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣብ ግዜ ቝሎዕነትና ኺከናከኑና እከለዉ ኣብ ልዕሌና ተመሳሳሊ ኣርኣእያ ኸም ዝነብሮም ር.ሊ.ጳ. እንከመላኽቱ፥

መብዛሕቲኡ ግዜ ምስቲ ኵሉ መስዋዕትታቶም ንዓና ግዲ ዘይነበሮምን ወይ ብዘይ ካና ብስራሕ ትሑዛት ኣይነበሩን፡ ብትግሃት ዝጥምታ የዕንቲ ዝነበሮምን ብሓልዮት ዝተመልኡ እውን እያቶም ዝነበሩ። እናዐበና ምስ እንኸይድ ሰባት ብጌጋ ኸም እተረድኡና ወይ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥመና ጸገማት ከም እንፈርህ ኰይኑ ክስምዓና ኸሎ ኣብ ልብና እንታይ ይቕየር ከምዘሎ ሕቡእ ንብዓትና ከምኡ እውን ኣብ ውሽጥና ዝነበረ ሕልምታትን የስተብህሉ። ኵላትና ብብርኪ እቶም ዝሓቘፉና ኣቦሓጎታትናን ኣደሓጎታትናን ኢና ዝሓለፍና፡ ሳላ እዛ ፍቕሪ እዚኣ እውን በጽሕታት ኴንና ኢና!

ኣብ ሸበድበድ ዝነፍጽ ሕብረተሰብ ዘይግድስ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ምስ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን እንታይ ርክብ ከምዘሎና ገዛእ ርእስና ንኽንሓትት ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንዝክሮምን ነሰንዮምን ምዃንና ገዛእ ርስና ንሕተት፥

ብስራሕ ትሑዝን ዘይግደስን ብብዙሕ ነገራት እተዋሕጠ ከምኡ እውን ደው ክብል ሰላም ክብል ክሓልይ ዘይኽእል ሕብረተሰብ ክርኢ ኸለኹ እሳቐ። ኵላትና ስሙ ዘይፈል ህዝቢ ስለ ዝዀንና ንገዛእ ርእስና ኸነለሊ ዘይኽእል ሕብረተሰብ የፍርሃኒ እዩ።

ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣቃልቦና የድልዮምን ኣብ ጐድኖም ከምዘሎናን ቀረባኦም ምዃንና ቀረባና ምዃኖምን ክስምዖም የድልዮም።

መንነትናን ዘሎናን ምክፋል

ር.ሊ.ጳ. ከም ዝገለጽዎ እቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ሳላ እቲ ንኽልኦት ኬካፍሎ ፍቓደይና ዝኾነ ወዲ ዝሃቦ ህያብ እዩ ቢሎም ኣስዒቦም፥

ሎሚ ኣብ መንጐ መንእሰያትን ዓበይትን ሓድሽ ኪዳን ኪእቶን ሓባራዊ ሃብቲ ህይወትን ምክፋልን ብሓባር ምሕላምን መጻኢ ዅሎም ንምድላው ኣብ መንጐ ወለዶታት ዘሎ ግጭት ምስጋር የድሊ። እዚ ኺዳን ህይወትን ሕልምን መጻእን እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ማእስር ስለ ዚፈርስን ጽምዋ ስለ ዝስምዓና ስስዐ ስለ ዚርብሸና ብጥሜት ምሞትና። መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ማሕበረሰብና ‘ ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እዩ ዝሓስብ’ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘሎ። እዚ ግን ይቐትል! ወንጌል እንታይነትናን ዘሎና ከነካፍል እዩ ዝምሕጸነና በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢና ኽንዓግብ እንኽእል።

ቅዱስነቶም ኣኣስዒቦም፥ ትንቢትን ተመክሮን ልምድን ሓድሽነትን ብምውህሃድ ጥራይ ኢና ንቕድሚት ክንስጒም እንኽእል። ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን መንእሰያትን ዓበይትን ሓባራውነት ክህልው ይምዕዱ።

ምዕቃብ፥ ዋላ ሓደ ኪድርበይ የብሉን

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣይድርበይን ዝኾነ ይኹን ነገር እውን ጥፉእ ኣይኰነን። ኢየሱስ ነቲ ዝተረፈ እንጌራ ኪእከብ ከምዘለዎ ኣዚዩ ዘገድሶ ካብ ኮነ፡ ዝያዳ ሰባት ኪሕለዉ ከምዘለዎም የገድሶ እዩ፥ ‘ዋላ ሓደ’ኳ ክድርበ የብሉን’ ቢሎም፥

ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን ተረፍ ህይወት ኣይኰኑን ክድርበዩ ዘለዎም ጉሓፍ እውን ኣይኰኑን። እዚ ኣብ መኣዲ ህይወትና ዝተረፈ ኽቡር ቍርጽራጽ እንጌራ ኸኣ ዝዕንግለና እዩ። ወለዶ ታሪኽ ስለ ዝኾንና ኣረጋውያን ክፍሊ ህብረተሰብ ዝጾርዎ ተዘክሮ ኣይንረስዕ፡ ኣብ ጐደና ዕብየት ሓልዮምና እዮም ሕጂ ህይወቶም ክንሕሉ ጸገማቶም ከነፍኵሰሎም ዘድልዮም ነገራት ክንሰምዕ ኣብ መዓልታዊ ዕዮኦም ኵሉ ፍዅስ ክብሎም ጽምዋ ምእንቲ ከይስምዖምን ኵነታት ምፍጣር ካባናን ግደታናን እዩ።

ምስ ኣረጋውያን ሓድሽ ኪዳን ምሕናጽ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መወዳእታ ስብከቶም፥ ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ነቶም ኣብ ጐረባብትና ዘለዉ ኣረጋውያንን ዘሎና ቆላሕታ ከመይ ምዃኑ ሕልናና ክንምርምር ዓዲሞም፥ እዚ ኸኣ ነቲ ዝተቐበልናዮ ሰናይ ንምዝካር ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ እዩ፥

በጃኹም ኣይትረስዕዎም፥ ምሳታቶም ንተሓባብር። ደው ክንብልን ክንሰምዖምን ንመሃር። ፈጺምና ኣይንደርብዮም። ብፍቕሪ ንሓብሕቦም። ምሳታቶም ግዜ ከነሕልፍ እውን ንመሃር፡ እዚ ኸኣ ብሉጻት ይገብረና፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ኣረጋውያን ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሓዲሽ ኪዳን
26 July 2021, 18:33