ድለ

ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ቅርበትን ፍቕርን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ቅርበትን ፍቕርን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ቅርበትን ፍቕርን ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እቲ ንጥቕሚ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንዅሎም ደቅሰብን ዘወፍይዎ ስቓይ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ማሕበርሰብ ቀረባኡ ክኸውን ዘተባብዕ እዩ

ካብ መላእ ዓለም ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ጽቡቕ ትምኒትን ቅርበትን ደገፍን  መግለጺ መልእኽትታት ይመሓላለፍ። ካብ ቓጣር ክሳዕ ባሕረይን ካብ ፓራጓይ ክሳዕ ምያንማር ከምኡ እውን እስያውያን ኣቡናት ንር.ሊ.ጳ. ስለ እቲ ብጠንቂ ለብዕን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላው ኣብ ከቢድ ኵነት ንዝርከብ ንህዝቢ ቢርማንያ ዝግለጽዎ ሓልዮትን ዝምስክርዎ ቅርበትን ስለ ጸሎቶምን ንቕዱስነቶ ምስጋናኦም የመሓላልፉ ከምዘለዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ዓለም ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅርበትን ፍቕርን ዚገልጽ ምስክርነት ይመሓላለፍ ከምዘሎን ካብ ናይ ቃጣር ንጉስን ከምኡ እውን ካብ ንጉስ ሞሮኮ ሞሓመድ ሻድሻይ ዕለት 7 ሓምለ “ናይ ኣኽብሮትን ሃልዮትን ኣድናቖትን” ኣብ ዝገልጽ መልእኽቶም “ከሃሌ ኵሉ ፈጣሪ ጸጋኡ ከብዝሓሎምን ክቡር ሰብኣዊ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ምስፋሕ ተልእኾኦም ኣሳልጦን መታን ምሉእ ጥዕናን ነዊሕ ዕመን ክጽግዎም ንምሕጸን” ከምዝበሉን ተመሳሳሊ መልእኽቲ እውን ካብ ተሓባባሪ ንጉስ ቀዳማይ ሚንስተር ባሕረይን ሳልማን ቢን ሃማድ ኣል ክሃሊፋ ዕለት 7 ሓምለ “እቲ ዝተገበረልኵም ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ዕዉት ብምንባሩ እንቋዕ ሓጐሰኵም እናበልና ምሉእ ጥዕናን ሓጐስን ንምነየልኵም” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብስም ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ኣይሁድ ናይ ውስጠ ሃይማኖታት ቤት ምኽሪ ዘተ ሓላፊ ራባይ ዳቪድ ፎክስ ሳንድመል ዕለት 8 ሓምለ ብናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓውደ ኣዋርሕ ዕለት 28 ታሙዝ 5871 ዓ.ም. “ምእንቲ ቅልጡፍ ሕውነትን ምሉእ ጥዕናን ጸሎትና ነዕርግ” ቢሎም ንኣባላት እቲ ሽማግለ እውን “ቅዱስነቶም ጽቡቕ ከምዘለዉ ዝተወሃበ ሓበሬታ ሓጐስ ይፈጥረሎም። ንዅሎም እቶም ዝከናኸንዎም ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ንጽሊ። ሕውየት ናይ ሮማ ጳጳስ ንዅሎም ህሙማን ናይ ስጋን ናይ መንፈስን ምሕዋይ ዝጽግው ናይ ኣግዚኣብሔር ምሕረት ቡራኬ ከምዝኸውን ተስፋና ህያው እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣሱንሲዮን ዝተኣከበ መበል 230 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ናይ ሃገረ ፓራጓይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፥ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍቕርን ቅርበትን ዝገልጽ መልእኽቲ ከምእተመሓላለፈን ብጹዓን ጳጳሳት ፓራጓይ ኣብቲ ዕለት 9 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ፓራጓይ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ዝኽሪ ሻድሻይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ንበርገሳዊ ማሕበረሰብ ኣገዳስነት ማሕበራዊ ምይይጥ ህያው ክኸውን ዘቕረብዎ ምዕዳን ሕዝቢ ኣብ ምትግባሩ ትግሃት የርእይ ከምዘሎ መስኪሮም፡ “ብሕውነትን ተኣማንነትን ኣኽብሮን ንናይ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ብምሉእ ምእዙዝ መንፈስ ንቕዱስነቶም ንተኣምራዊት ቅድስተ ማርያም ካኩፐ ሕድሪ ንብል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዓን ጳጳሳት ምያንማር እውን ዕለት 11 ሓምለ 2021 ዓ.ም. “ኣብቲ መላእ ዓለም እቲ ሕያዋይ ጐይታ ኣብ ሕይወትኵምን ተልእኾዅምን ከሰንየኩም ዝብል ኣብ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ምሕጽንታ ጸሎት ንሓብር፡ መላእ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ምያንማር ይብሉ ብጹዓን ጳጳሳት ምያንማር ኣብቲ ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ጐይታ ንር.ሊ.ጳ. ናብቲ ዝቖሰለ ዓለም ምጽንናዕ ኣብ ምቕራብ ኣገልግሎቶም ብነዊሕ ዕድመ ክባርኾም ጸሎቱ ዘየቋርጽ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ህዝቢ ቢርማንያ በቲ ር.ሊ.ጳ. በርጎሊዮ ብቐጻሊ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር ኣዋን እቲ ኣብታ ንእሽተይ ዝኾነ ሃገር ዘሎ ህዝቢ በቲ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝቖሰለን ተዳኺሙን ኣብ ዘለሉ ግጭትን ኮቪድ - 19 ቁጠባዊ ቅልውላውን ይገጥም ኣሎ፡ ኣብ ከምዚ ኵነት እዚ ሓልዮትኵምን ጉስነትኵም የጸናንዓና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ካቶሊክ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኣዚዩ ንስቓይ ከምእተቓለዔን ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝወርድ መጥቓዕቲ ምኽንያት እውን ገዛእ ርእሱ ንምድሓን ፈቕዶ ዱር ይስደድ ከምዘሎ ብጹዕ ካርዲናል ቦ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም፡ “ሕጽረት መግብን ክንክን ጥዕናን ንህይወት ብዙሓት ዜኣታት ኣብ ጽንኵር ሓደጋ የእትው ኣሎ፡ ካብ ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት እውን ሓገዝ ንሓትት፡ ኣብተን ክልተ ሰበኻታት ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዝግመት ዝተመዛበለ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ሓገዙ ካብ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝጽበ፥ ኵነታት እናኸፍኤ እዩ ዝኸይድ ዘሎ” እንክብሉ እዚ ዅሉ “ፍታሕ ክረክብ ብዘቕረብዎ ጻውዒት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ካብ ናይ ኢጣሊያ ናይ ቤት ማሕቡስ ኣባይቲ ጸሎት ቆሞሳትን እሱራትን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘገልግሉ ወለንተይናታትን ካህናትን ደናግልን ዕለት 10 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብጽሞና ኣብ ጥቓ ናይ ክርስቶስ መስቀል ኮይኖም ዝነብርዎ ዘለዎ ህሞት፥ “ብጸሎቶም ከምዘሰንይዎምን ኣብ ጐድኖም ከምዘለዉ ይምስክሩ፡” እቲ ንጥቕሚ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንዅሎም ደቅሰብን ዘወፍይዎ ስቓይ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ማሕበርሰብ ቀረባኡ ክኸውን ዘተባብዕ እዩ፡ ነቲ ወትሩ ተረሲዑ ዝነብር፡ ስለ እቲ ኣብ ጸምሪ ልቢ ሰብ እትዘርእዎ ሰናይ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ኪትንስኡ ዘአተባብዕ ቃልኵምን ስለ እቲ ሰብኣዊ ድኻምነትናን ተኣፋፍነትናን ሓጥኣን ምዃናን ክስቆረና ዝገብር ዝፈርድ ዘይኮነስ የግዳስ ብፍቕሪ ኣቦ ከምዝፍቀሩን ይቕረ ከም ዝበሃሉን ዝገብር እተበስርዎ ዘድሕን ምሕረት ኣምላኽን ደጋጊምና ነመስግነኩም” ስለዚ “ነቶም ደኺመ ዘይብሉ ተባዕ ኣብሳሪ፥ ወንጌላዊ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን ነታ ወትሩ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እተገልግሎ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ክጽንዑ ንማርያም ደራኢተ ሕሙማን ጥዕና ህሙማንን ሕድሪ ንብል” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 July 2021, 08:19