ድለ

2021.07.29 ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሀይ 2021.07.29 ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሀይ 

ር.ሊ.ጳ ለጋስ ሰባኬ ወንጌል ክብሉ ዘመጎስዎም ካርዲናል ቫንሀይ ዓሪፎም!

ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ‘ዓቢይ ተርጓሚ ቅዱስ መጽሓፍ’ ኢሎም ዝሰመይዎምን ካርዲናል ዝሾሙዎምን አባል ኢየሱሳውያን ብፁዕ ካርዲናል አልበርት ቫንሀይ ኣብ መበል 98 ዓመቶም ዝሓለፈ 29 ሓምለ 2021 ዓም ኣብ ሮማ ዓሪፎም። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ጽንዓት ይሃብ መግለጺ ሓዘን ከምዝለኣኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ ‘ንጐይታን ንቤተክርስትያንን ብዓቢ ተወፋይነት ዘገልገሉ’ ዓቢይ ሊቅ ቤተክርስትያን ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሀይ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ መዓልታት መበል 98 ዓመት ዕድሚኦም ድሕሪ ምኽባር ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሓንቲ ካብ ማእከላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ሮማ ዝኾነት ገዳም ቅዱስ ጴጥሮስ ካኒስዮ’ ብዕረፍተ ጻድቃን ናብ ሰማይ ከምዝሓለፉ እንክምልከት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ናብ ሓለቃ ገዳም ናይታ ማሕበር ኣባ ማንወል ማሩካዎ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ጽሒፎም። ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ‘ናይዚ ቀናእን እሙንን ተኸታልን መንፈሳዊ ውሉድን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘልዮላ ዝኾነ ኣበርክቶ ብዓቢ ኣድናቆት እንክዝክር ብሱል መምህር ብቃል ኣምላኽ ዝበሰለ ንቁሕ መምህር ቅዱስ መጽሓፍ ኰይኑ ኣብ ጳጳሳዊ ተቊዋም ቅዱስ መጽሓፍ ንዘበርከቶን ኣብ ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅዱስት መንበርን ኩርያ ሮማናን ብምትሕብባር ንዘወፈዮ ጥበብ ዝመልኦ ኣበርክቶ እዝክር’ እንክብሉ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሆየ ሓደ ካብቶም ብዕድመ ዝጸገቡ ብጥበብ ቃል ኣምላኽ ዝበሰሉ ሰባት ኣብ ርእሲ ምንባሮምን ንጐይታን ንቤተክርስትያኑን ዓቢ መንፈሳውን ሥነ መለኮታውን ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ብዝበለጸ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኮ ስብከት ዝነበሮም ፍቅሪ ንኢዶም።

ካርዲናል ቫንሆየ ንኣገልግሎት ተልእኮ ስብከት ዝነበሮም ፍቅሪ!

ቅዱስነቶም ንነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ብቀረባ ከምዝፈልጥዎምን ወዲ ማሕበሮም ብምዃኖም ከኣ ኣብ ነዊሕ ኣገልግሎቶም ምናዳ ኣብቲ ቀንዲ ውራይ ኩሎም ኣባላት ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ዝነበሮም ሕሉፍ ፍቅሪ ብምዝካር ንወንጌል ናብ ኩሎም ንምብጻሕ ብዝነበሮ ልዑል ሃረርታ ዝተኰስኰሰ ባህጊ ብዓቢ ልግሲ ከምዝፈጸምዎ ገሊጾም። እግዚአብሔር ነዚ እሙን ኣገልጋሊኡ ኣብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ንክቅበሎ ከምኡ እውን ብሞት ነፍሰኄር ብፁዕነቶም ንዝሓዝኑን ንዝበኽዩን ኩሎም እግዚአብሔር ንብዓቶም ሓቢሱ መንፈስ ምጽንናዕ ከውርደሎም ከምዝምነዩ ገሊጾም። ምናዳ ነቶም ኣብዘን መወዳእታ ዕለታት ሕይወቱ ንነፍሰኄር ብፁዕነቶም ዘሰንዩ ፍሉይ ምስጋናን ሓዋርያዊ ቡራኬን ከምዝልግሱ እውን ገሊጾም።

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቫንሀይ!

ብቢብሊኩም ኣብ ዝፍለጥ ጳጳሳዊ ተቊዋም ቅዱስ መጽሓፍ ከም ሓላፊ ከምኡ እውን ዋና ጸሓፊ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ቅዱስ መጽሓፍ ኮይኖም ዘገልገሉ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሀይ ብዕለት 24 ሓምለ 1923 ዓም ኣብ ሃዘብሩክ ሰበኻ ሊል ካብ ሃገረ በልጁም ርሑቅ ኣብ ዘይኮነ ሃገረ ሰሜን ፈረንሳይ ተወልዱ። ብዕለት 11 መስከረም 1941 ዓም ናብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣተው። ዕለት 15 ሕዳር 1944 ዓም መጀመርያ መብጽዓ ድሕሪ ገሮም ብዕለት 26 ሓምለ 1954 ዓም ኣብ ሃገረ በልጁም ኣብ ከተማ ኤንጋይን መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ብስነጽሑፍን ንባበ መለኮትን ሊቅነቶም ኣብኡ ምስ ኣመስከሩ ናብ ጳጳሳዊ ተቊዋም ቅዱስ መጽሓፍ ዪኒቨርሲቲ ግረጎርያና ሮማ ብምኻድ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ኮዶክተረይት ብ1961 ዓም ገበሩ። ብፍሉይ ድላይን ፍቃድን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ከኣ ካርዲናል ተሾሙ!

ሢመት ካርድናል ብፍሉይ ድላይን ፍቃድን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ!

ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ኣልበርት ቫንሀይ ሊቅነቶም ዘመስከረሉ ትርጓሜ መልእኽቲ ዕብራውያን እንክኾን ምስ ተመረቁ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብቲ ዝተመረቁሉ ጳጳሳዊ ተቊዋም ቅዱስ መጽሓፍ ብምምህርና ንከገልግሎ ብ1963 ዓም ተጸውዑ ክሳብ 1998 ዓም እውን መሃሩ። ምስ ምምህርና ቅዱስ መጽሓፍ ደሪቦም እውን ካብ 1984 ክሳብ 1990 ዓም ሓላፊ ናይቲ ተቊዋም ኰይኖም ኣገልገሉ።  ምስዚ ኣጣሚሮም ካብ ዘበርከትዎ ካልእ ኣገልግሎታት ኣባል ጳጳሳዊ ኮሚሽን ቅዱስ መጽሓፍ ኰይኖም ካብ 1984 ክሳብ 2001 ኣብ ርእሲ ምግልጋሎም ካብ 1990 ዓም ክሳብ 2001 ዓም ዋና ጸሓፊኡ ኰይኖም ኣገልገሉ። ከምኡ እውን ንሓድነት ክርስትያን ኣብ ዘደንፍዕ ጳጳሳዊ ቤትምኽሪ ካብ 1980 ክሳብ 1996 ዓም ከም ኣማኻሪ ኣገልገሉ።

ብዕለት 26 ለካቲት 2006 ዓም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ኣብ ምዝዛም ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንሰለስተ ዝኾነ ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም በቲ ንቤተክርስትያን ኣብነታዊ ብዝኾነ ተኣማንነትን ዘደንቅ ተወፋይነትን ዘበርከትዎ ኣገልግሎት ኣብ ግምት ብምእታው ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ክብ ከብ ከብልዎም ምዃኖም ገሊጾም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዓቢይ መተርጒም ቅዱስ መጽሓፍ ቢሎም ዝገለጽዎም ሓደ ካብዞም ሠለስተ ዝነበሩ ቫንሆየ ከኣ ብዕለት 24 መጋቢት 2006 መዓርገ ካርዲናልነት ተቀበሉ።

ሥርዕተ ቀብሮም ሎሚ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብዝመርሕዎ ሥርዓት ብኣቆጻጽራ ሰዓት ሮም ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ተፈጺሙ። ድሕሪ ዕረፍቲ ነፍሰኄር ብፁዕ ካርዲናል ቫንሀይ ቊጽሪ ካርዲናላት 220 ኰይኑ ካብዚኦም 123 ዝኾነ ር.ሊ.ጳ ክመርጹን ክምረጹን ዝኽእሉ ኰይኖም እቶም ዝተረፉ 97 ግን ብምኽንያት ገደም ዕድመ ክመርጹን ክምረጹን ዘይክእሉ እዮም።

31 July 2021, 09:37