ይብዛሕ ይውሓድ ንዘሎና ኩሉ ብሓባር ምስ እንካፈሎ ጐይታ ተኣምር ይገብር! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ንሰንበት 25 ሓምለ 2021 ዓም ዝቀረበ ንባባት ካብ ኦሪት ኤልሳዕ ነቢይ ዝገበሮ ምብዛሕ ተኣምር እንጌራን ካብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰብ ዝመገቦ ዝገልጽ ነበረ። 2ዘነገ 4.42 ብዛዕባ ኤልሳዕ ዝፈጸሞ ብዙሕ ተኣምራታት ይትርኽ እሞ ‘እግዚአብሔርሲ ክበልዑ እዮም ኬትርፉ ድማ እዮም ኢሉ እዩ እሞ’ እንክብል ትንቢታዊ ቃል ተዛሪቡ ነቲ ካብ ሻሊሻ ናይ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይ ኣብ ለቘታ ገይሩ ዘምጽአ ነቶም ኣብኡ ብጥሜት ተጸጊሞም ዝነበሩ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ኪበልዑ ኪዕድሎም ይእዝዞ እንተኾነ እቲ ሰብኣይ ‘እዚ ደአ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧’ ብማለት ብዝሒ እቲ ጥሙይ ሕዝብን ኣብ ኢዱ ዘሎ ጎጎ ስገምን ሰማይን ምድርን ከምዝኾነ ይነግሮ። እንተኾነ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ‘ እግዚአብሔር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደአ ሀቦም ይብልዕዎ፡’ ምስ በለ ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ እንክብል ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮሓ 6.1 ዝፈጸሞ ተኣምር ከም ትንቢትን ኣምሳልን ኰይኑ ይቀርብ።
ቅዱስነቶም ነዚ ተኣምር ንምግላጽ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባትን መንገዲ እግዚአብሔርን ብምንጽጻር ‘ኣብ ኣሰራርሓ እግዚአብሔር ንኣሽቱ ነገራት ወይውን ቁሩብ ቁራቦ መበገሲ እንክኸውን ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ግን ብዙሕ ክህልወካን ብምምናይ ክንዲ ምስ ካልኦት ምክፋል ንገዛእ ርእስኻ ምኽዕባት ጥራይ የተኩር። ምስ ኣሕዋቱ ምንም ክካፈል ክመቃቀል ኣይደልን። እቲ ዘገርም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ቃላት ምብዛሕ ዝብል እንጌራ ኣብዝሐ ዘይኮነ ነቲ ኅብስቲ ቈረሶ ሃበ ኣብጽሑ ኣካፍሉ በለ ዝብላ ቃላት ንረክብ። እዚ ከኣ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ኣብ ምብዛሕን ምእካብን ዘይኮነ ምስ ካልኦት ኣብ ምክፋል ተኣምር ኣምላኽ ንምርኣይ ዝበለጸ ዕድል ኣሎ` ኢሎም። እቲ ሓቀኛ ተኣምር ኢየሱስከስ ኣብዚ እዩ ዘሎ።
ሓቀኛ ተኣምር ኢየሱስ!
ቅዱስነቶም ናብ ኣተሓሳስባናን መደባትናን ምልስ ይብሉ እሞ እንተ ንሕና ንሠናይ ነገርና ክነባዝሕን ክንእክብን ክንውስኽን ንብህግ እንተ ጐይታ ግን መቃቂሉ ነታ ዘላ ቁሩብ ቁራቦ ምስ ካልኦት ብምክፋል ንፍቅሪ የዕቢ እሞ እግዚአብሔር ተኣምር ንክገብር መንገዲ ይኸፍት። ኣብዚ ፍጻሜ ተኣምር ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን መበገሲ ናይ ተኣምር ዝኾነ እንታይ ኮን ይኸውን በዚ ተኣምራት እዚኸ ጐይታ እንታይ ይምህረና ኢሎም ይሓቱ እሞ ነፍሲወከፍና ኣብ ቦታ እቲ ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን ሒዙ ዝነበረ መንእሰይ ገርና ነስተንትን እንክብሉ ይትንትኑ።
ዕድመ ኢየሱስ!
ቅዱስነቶም ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህረና እንታይ ክንገብርከ ይዕድመና ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ነቲ ዘሎና ኩነታት ምናዳ ድራማ ጥሜትን ዚኣክል መግቢ ብምስኣን ብዓጸቦ ንዝሳቀዩን ብምዝካር ነቲ ምኽሪ ለጊሶም።
ናብ እኖና ድንግል ማርያም ዝቀረበ ልመና!
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ነዚ ኩሉ ዓባይ ኣብነትን መምህርን እትኾነና እታ ብዘይ ነግ ፈረግ ንጻውዒት እግዚአብሔር ‘እኖኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካዮ ይኹነለይ’ እንክትብል ዝመለሰት እኖና ድንግል ማርያም ኰይና ንሳ ንክትድግፈና ‘ልባትና ንጸገም ካልኦት ንክንከፍት’ ተማልደልና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ በዓል ወለዲ እኖና ድንግል ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስት ሃናን ተዘኪሩ ንዝውዕል ዕለተ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግለታትን ንመጀመርያ ግዜ ሎምዘመን ብዓለም ለኸ ዕለት ንዝበዓል ብምዝካር መንእሰያት ኩሎም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ክሳብ መወዳእታ ዓለም ወትሩ ምሳኹም እየ’ ንዝብል ብምዝካር ናብ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ሽማግለታትን መልእኽቶም ከብጽሑሎም ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።