ድለ

ይብዛሕ ይውሓድ ንዘሎና ኩሉ ብሓባር ምስ እንካፈሎ ጐይታ ተኣምር ይገብር! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት 25 ሓምለ 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናን ሮማን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓበይቲ ነገራት ንክፍጽም ቁሩብ ቁራቦ ካባና ወይውን ምንም ከየበርከትና ሠናይ ድልየትና ጥራይ ይኣኽሎ’ እንክብሉ ብሓሙሽተ እንጌርና ክልተ ዓሳን ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰባት ንዘጽገበሉ ተኣምር ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ንሰንበት 25 ሓምለ 2021 ዓም ዝቀረበ ንባባት ካብ ኦሪት ኤልሳዕ ነቢይ ዝገበሮ ምብዛሕ ተኣምር እንጌራን ካብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን ልዕሊ ሓሙሽተ ሺሕ ሰብ ዝመገቦ ዝገልጽ ነበረ። 2ዘነገ 4.42  ብዛዕባ ኤልሳዕ ዝፈጸሞ ብዙሕ ተኣምራታት ይትርኽ እሞ ‘እግዚአብሔርሲ ክበልዑ እዮም ኬትርፉ ድማ እዮም ኢሉ እዩ እሞ’ እንክብል ትንቢታዊ ቃል ተዛሪቡ ነቲ ካብ ሻሊሻ ናይ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይ ኣብ ለቘታ ገይሩ ዘምጽአ ነቶም ኣብኡ ብጥሜት ተጸጊሞም ዝነበሩ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ሰባት ኪበልዑ ኪዕድሎም ይእዝዞ እንተኾነ እቲ ሰብኣይ ‘እዚ ደአ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧’ ብማለት ብዝሒ እቲ ጥሙይ ሕዝብን ኣብ ኢዱ ዘሎ ጎጎ ስገምን ሰማይን ምድርን ከምዝኾነ ይነግሮ። እንተኾነ እቲ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ‘ እግዚአብሔር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደአ ሀቦም ይብልዕዎ፡’ ምስ  በለ ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ እንክብል ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዮሓ 6.1 ዝፈጸሞ ተኣምር ከም ትንቢትን ኣምሳልን ኰይኑ ይቀርብ።

ቅዱስነቶም ነዚ ተኣምር ንምግላጽ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባትን መንገዲ እግዚአብሔርን ብምንጽጻር ‘ኣብ ኣሰራርሓ እግዚአብሔር ንኣሽቱ ነገራት ወይውን ቁሩብ ቁራቦ መበገሲ እንክኸውን ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ግን ብዙሕ ክህልወካን ብምምናይ ክንዲ ምስ ካልኦት ምክፋል ንገዛእ ርእስኻ ምኽዕባት ጥራይ የተኩር። ምስ ኣሕዋቱ ምንም ክካፈል ክመቃቀል ኣይደልን። እቲ ዘገርም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ወንጌል እንረኽቦ ቃላት ምብዛሕ ዝብል እንጌራ ኣብዝሐ ዘይኮነ ነቲ ኅብስቲ ቈረሶ ሃበ ኣብጽሑ ኣካፍሉ በለ ዝብላ ቃላት ንረክብ። እዚ ከኣ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ኣብ ምብዛሕን ምእካብን ዘይኮነ ምስ ካልኦት ኣብ ምክፋል ተኣምር ኣምላኽ ንምርኣይ ዝበለጸ ዕድል ኣሎ` ኢሎም። እቲ ሓቀኛ ተኣምር ኢየሱስከስ ኣብዚ እዩ ዘሎ።

ሓቀኛ ተኣምር ኢየሱስ!

ቅዱስነቶም ናብ ኣተሓሳስባናን መደባትናን ምልስ ይብሉ እሞ እንተ ንሕና ንሠናይ ነገርና ክነባዝሕን ክንእክብን ክንውስኽን ንብህግ እንተ ጐይታ ግን መቃቂሉ ነታ ዘላ ቁሩብ ቁራቦ ምስ ካልኦት ብምክፋል ንፍቅሪ የዕቢ እሞ እግዚአብሔር ተኣምር ንክገብር መንገዲ ይኸፍት። ኣብዚ ፍጻሜ ተኣምር ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን መበገሲ ናይ ተኣምር ዝኾነ እንታይ ኮን ይኸውን በዚ ተኣምራት እዚኸ ጐይታ እንታይ ይምህረና ኢሎም ይሓቱ እሞ ነፍሲወከፍና ኣብ ቦታ እቲ ሓሙሽተ ኅብስትን ክልተ ዓሳን ሒዙ ዝነበረ መንእሰይ ገርና ነስተንትን እንክብሉ ይትንትኑ።

“ሓዋርያት ነቲ መንእሰይ ምስኡ ንዝነበረ ዝብላዕ ኩሉ ምስ ካልኦት ክካፈል ይሓትዎ። ዘይመስል ጉዳይ ይመስል። ማለት ንሓደ መንእሰይ ነቲ ዘለዎ ኩሉ እሞ ኸኣ ካብ ገዛኡ ንገዛእ ርእሱ ኢሉ ዘምጽኦ ንዓ ምስ ካልኦት ተማቀሎ ክትብሎ ዘይመስል ጥራይ ዘይኮነ ነታ ናይ ዋንነት መሰሉ እውን ዝጻረር ይመስል። ኣብ ርእሲኡ ከኣ ነዚ ኩሉ ሰብ ምንም ክኾኖ ንዘይክእል ቁሩብ ቁራቦ ካብቲ መንእሰይ ምምንዛዕ ትርጉም ኣልቦ ይመስል። እንተ በዚ እንተ በቲ ብኣታሓሳስባ ደቂ ሰባት ዘይመስል እዩ። እንተኾነ ንእግዚአብሔር ኩሉ ስለዝከኣሎ ከምኡ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ ነዛ ብነጻ ዝተወፈየት ቁሩብ ቁራቦ ምስጋና ይኹን ኢየሱስ ንኩሎም ከጽግብ ክኢሉ። እዚ ንዓና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዝብለና ዘሎ ነቲ ዘሎና ቁሩብ ቁራቦ ምስ እንወፊ ብዙሕ ክገብር ከምዝኽእል እዩ። ዕድመ ኢየሱስከስ ንዘሎካ ብዘይ ነግ ፈረግ ኣወፊ እዩ።”

ዕድመ ኢየሱስ!

ቅዱስነቶም ሎሚ ከም ሎሚ እዚ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይምህረና እንታይ ክንገብርከ ይዕድመና ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ነቲ ዘሎና ኩነታት ምናዳ ድራማ ጥሜትን ዚኣክል መግቢ ብምስኣን ብዓጸቦ ንዝሳቀዩን ብምዝካር ነቲ ምኽሪ ለጊሶም።

“ሎሚ እውን እንተኾነ ንትሕዝቶና ክነባዝሕ እንገብሮ ቃልሲ ንዘሎና ጸገማት ክፈትሖ ኣይክእልን እዩ። ቅኑዕ ምምቅራሕን ምክፍፋል ዘሎና ሠናይ ነገርን ከይገበርና ምንም ፍታሕ የለን። ኣብ ኣእምሮይ ዝቅጀለኒ ናይቶም ውሑዳን ዝኾኑ ክፍሊ ዓለምና ሕጻናት ዘሕልፍዎ ዘለው ዓጸቦን ድራማ ጥሜትን እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዓቢ ዕንቅፋት ዓቢ ምጽንናዕ ክኾነና ዝኽእል ነቲ ዘሎና ቁሩብ ቁራቦ ኣብ ቅድሚ ጐይታን ኣሕዋትን ንምቅራብ ክንተብዕ እሞ ተኣምር ክንርኢ ኢና። ሎሚ እውን እንተኾነ ኢየሱስ ከምቲ ናይ ወንጌል መንእሰይ ንዘሎና ኩሉ ክነቅርበሉ ነቲ ንዓና ዝውክል ስም ዘይብሉ ኣብ ወንጌል ዝተጠቅሰ መንእሰይ ‘ኣጆኻ ነቲ ዘሎካ ቁሩብ ቁራቦ ኣወፊ! ክእለትካስ ይኹን ዘሎካ ሃብቲ! ኣብ ኣገልግሎት ኢየሱስን ኣሕዋትን ኣውዕሎም። ኣይትፍራህ ምንም ክሳራ የብልካን ንዘሎካ ምስ ብጾትካ መጠን ዝተማቀልካዮ እግዚአብሔር ከብዝሖን ንኩሉ ከምዚኣክል ክገብሮን እዩ። ነቲ ናይ ቃልዓለም ኣነ ደኣ እንታይ ኣሎኒ እንታይከ እኽእል ኰይኑ ንዝብል ካባኻ ኣርሕቆ ብጐይታ ተኣማመን። ኣብ ፍቅሪ እመን! ኣብ ሓይሊ ሥልጣን ኣገልግሎት እመን! ብነጻ ኣብ ምግልጋልን ምውፋይን ዘሎ ሓይሊ እመን ኢሎም።”

ናብ እኖና ድንግል ማርያም ዝቀረበ ልመና!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ነዚ ኩሉ ዓባይ ኣብነትን መምህርን እትኾነና እታ ብዘይ ነግ ፈረግ ንጻውዒት እግዚአብሔር ‘እኖኹ ባርያ እግዚአብሔር ከምዝበልካዮ ይኹነለይ’ እንክትብል ዝመለሰት እኖና ድንግል ማርያም ኰይና ንሳ ንክትድግፈና ‘ልባትና ንጸገም ካልኦት ንክንከፍት’ ተማልደልና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ በዓል ወለዲ እኖና ድንግል ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስት ሃናን ተዘኪሩ ንዝውዕል ዕለተ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ሽማግለታትን ንመጀመርያ ግዜ ሎምዘመን ብዓለም ለኸ ዕለት ንዝበዓል ብምዝካር መንእሰያት ኩሎም ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ‘ክሳብ መወዳእታ ዓለም ወትሩ ምሳኹም እየ’ ንዝብል ብምዝካር ናብ ኣቦሓጎታቶምን እኖሓጎታቶምን ሽማግለታትን መልእኽቶም ከብጽሑሎም ሓደራ ድሕሪ ቢሎም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
26 July 2021, 12:49