ድለ

2021.07.28 ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣውዝኪጽ 2021.07.28 ር.ሊ.ጳ ኣብ ኣውዝኪጽ 

ሱቚታ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዓዘቕቲ ሥቃይ ኣውስክዊጽ ቅድሚ 5 ዓመት!

ሓሙሽተ ዓመት ይገብር ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል በዓለ ቅድስት ማርታን ኣሕዋታ ማርያን ኣልኣዛርን ኣብ እትዝክረሉ ዕለት 29 ሓምለ 2016 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ንምምራሕ ክራኩቭ ኣብ እትበሃል ሃገረ ፖላንድ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ዝዝከር እዩ። ንእግረ መንገዶም ድሕሪ እቲ ንዓለም ብዙሕ ምልክታት ዝሃበ ምብጻሕ ጀርመናዊ ር.ሊ.ጳ ኣብ ቦታ ዝኽሪ ህልቂት ዕብራውያን ንሶም እውን ብግዲኦም ንክልተ ሰዓት ዝኸውን ኣብቲ ዓዘቅቲ ሥቃይ ሞትን ስደትን ምንም ብዓቢ ሱቊታን ኣስተንትኖን ኣሕለፉ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ እንትርፊ ቊሩብ ብርሕቀት ዝተወስዱ ስእልታትን ኣብቲ መዝገብ ዝኽሪ ናይቲ ቦታ ብመጽሓፍ ክብሪ ዝፍለጥ መዝገብ ዝጸሓፍወን ቁሩባት ቃላትን ምንም መግለጺ ኣይሃቡን። ኣብ ገጾም ተሳኢሉ ዝነበረ ዝኽሪ ናይቲ ወደር ኣልቦ ጭካኔ ሰባት ግን ኩሉ ክዕዘቦ ከኣለ።  “Senor tem piedad de tu pueblo. Senor, perdón por tanta crueldad!” ኦ ጐይታ ንሕዝብኻ ኦ ጐይታ ንብዙሕ ጭካኔና መሓር’ እንክብሉ ጭካኔ ደቂሰባት ወደር ኣልቦ እኳ እንተመሰለ ምሕረት እግዚአብሔር ካብኡ ኣጸቢቊ ከምዝበልጽ ብምትእምማን ነቲ ብልቦም ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ዝምህለልዎ ዝነበሩ ምሕረት ኣምላኽ ብጽሑፍ ኣስፈርዎ።

እዚ መዓት ጭካኔ ደቂሰባት ተጻይ ደቂሰባት ዝተፈጸመሉ ኣውስክዊጽ ቢርከናው ዝተባህለ መዳጎኒ ብዙሕ ፊልምን ጽሑፋትን ዝቀረበሉ ህልቂትን ዓዘቅቲ ሥቃይን ዝበጽሑ በጻሕቲ ውሑድን ብዙሕን እንክዛረቡ ቅዱስነቶም ግን ዋላ ሓንቲ ቃል ከየተንፈሱ ንኩሉ ኣብ ውሽጦም ውሒጦም ስለ መላእ ዘመደ ኣዳም ምሕረት ለመኑ። ካብኡ ርሕቅ ኢሉ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ኣብ ዝበዓለሉ ዝነበረ ከባቢ ዝስማዕ ዝነበረ መዛሙርን ጸሎትን ስብከታትን በቲ ሓደ ወገን ንሱቊታ ር.ሊ.ጳ ኣብ መዳጎኒ ሞትን ስደትን ኣውስኪጽ ቢርከናው ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ ዘይኮነ ድሕሪ ሕጂ እውን ዝኸውን ዘይመስል እንክብሉ ገለጽዎ።

ጸሎት ኣብታ ቅዱስ ማክሲሚልያኖ ኮልበ ተኣሲሮምላ ዝነበሩ ቸላ!

ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት በዓሉ ዝዝከር ኣብቲ ቦታ እቲ ብጅግንነት ስለ ሓደ ኣቦ ስድራ ሰማዕትነት ዝተቀበለ ካህን ቅዱስ ኣባ ማክሲሚልያኖ ኮልበ እውን ግዳይ ናይቲ ማእሰርትን ስደትን ሞትን ብምዃን ተኣሲሮምላ ዝነብሩ ቸላ ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ክብሪ ተታሒዛ ኣላ። ቅዱስነቶም ካብ ኩሉ ቦታታት ብፍሉይ መንፈስ ዝተመልከትዋን ኣብኣ ኰይኖም ንተጋድሎን ሰማዕትነትን ናይዚ ዝፈትውዎ ውፉይ ቅዱስ ካህን ብምስትንታን ጸሎተ ሕልና ከዕርጉላ ዝደለዩ ፍልይቲ ቦታ ምዃና ዝገደደ ከኣ ኣብኡ ኰፍ ኢልካ የማነ ጸጋም እንክትዕዘብ ናይቶም ኣብ ግንባሮም ብጥይት እናተወቅዑ ዝሞቱ ዝነበሩ ደም ኣብቲ መናድቅ ብምንጣር ዝገደፎ ምልክት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ህያው ብምዃኑ ኣብኡ ኰፍ ኢሎም እንክጽልዩን እንከስተንትኑን ነቲ ኣብ መናድቅ ዘሎ ደምን ካልእ ነገራት ብምምልካት ንልዕሊ ርብዒ ሰዓት ኣብታ ቸላ ጥሜት ብማለት ትፍለጥ ቸላ 18 ማለት ኣብታ ቅዱስ ማክሲሚልያኖ ኮልበ ብጥሜት ክሞት ተዳጒኖምናላ ዝነበሩ ቸላ ኮይኖም ኣስተንተኑን ጸለዩን።

ብሱቊታ ንመላእ ዓለም ዘጽመመ መልእኽቲ!

ቅዱስነቶም ኣብተን ነዚ ናይ ህልቂት ቦታ ንምብጻሕ ዘሕለፍወን ክልተ ሰዓታት ዓለም ምሉእ እንታይ ኮን ይብሉ ይኾኑ ኢሉ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓ ምንቅስቃሶም ጥራይ እንክዕዘብ ምንም ቃል ትንፍስ ከይበሉ ምፍጻሞም ንዓለም ምሉእ ልዕሊ ብብዙሕ መጒልሕታትን መጋበርን ዝተጋውሐ ኣውያት ኰይኑ ‘ናብ ኣእዛን ዓለም ምሉእ ዘእወየ መልእኽቲ’ እንክብሉ ነቲ ምንም ድምጺ ዘይተሰምዓሉ ፍጻሜ ናብ ምሉእ ዓለም ከምዝተጋውሐ ድምጺ ኣውያት ኣቅረብዎ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ እዚ ፍጻሜ እዚ ናብ ሆስፒታል ሕጻናት ብምኻድ ነቶም ሕሙማት ከምዝበጽሑን ከምዘጸናንዑን ዝዝከር ኰይኑ ዝሰዓበ መደብ ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ንዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንምኽባር ዝተኣከቡ መንእሰያት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ነበረ። እንተኾነ ቅዱስነቶም ነቶ ኣብዚ ናይ ህልቂት ቦታ ዝገበርዎ ምብጻሕ ንኩነታት ናይቶም ኣብኡ ብስደትን ብሞትን ዝተሳቀዩ ብምስትንታን ዳርጋ ዓርቢ ስቅለት መላእ ዘመደ ኣዳም ዳግም ዝተፈጸመሉ ቦታ ጌሮም ብምምልካት ነቲ ዝሰዓበ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል እንክመርሑ እቲ ገዓር ናይቶም ኣብቲ መዳጎኒ ዝሞቱን ዝተሳቀዩን ማንም ከይፈለጦም ዝተሳቅዩን ዝሞቱን ገና እውን ዝሞቱን ዝሳቀዩን ዘለው ኣሕዋትን ኣሓትን ምስቲ ናይ ጎልጎልታ ገዓርን ስቃይን ኰይኑ ንሰማይ ከምዓርግ ገሊጾም ነበሩ። ምናዳ ናይቲ ሽዑ ኩነታት ዓለምና ንምግላጽ ዳርጋ ሳልሳይ ውግእ ዓለም በብክፋል እንክብሉ ነቲ ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ካብ ሶርያ ጀሚርካ ኣብ ሃሃገሩ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት ዘኪሮም ጻውዒት ሰላም ኣቅሪቦም ነቲ ኩነታት ከኣ ዓርቢ ስቅለት ንጹሓት ሰባት ክብሉ ገሊጾሞ ነበሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ናይዚ ታሪኻዊ ቦታ ምስ በጽሑን ምስ ጸለዩን ኣብ መወዳእታ ንውጻእ መዓት ናይዚ ወደር ኣልቦ ጭካኔ ሰባት ዝተገልጸሉ ህልቂት ኣውስኪጽን ቢርከናውን ሰላም ድሕሪ ምባል ክሳብ ሕጂ እውን እንተኾነ ዝኾነ ውጻእ መዓት ናይዚ ኣብ ዝረኸቡሉ ቦታ ብፍሉይ ስምዒትን ፍቅርን ከምዝቅበልዎም ንመብዛሕትኦም እቲ ጨካን ምምሕዳር ኣብ ኣካላቶም ከም መፍለጢ ቊጽሪ ወቂጦም ንዝነበሩ ዘይጠፍእ ምልክት ብምስዓምን ብምብራኽን ከምዘጸናንዕዎም ዕለት ዕለት ዘዘውትርዎ ተግባር እዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
30 July 2021, 10:37