ድለ

ሕውነት እቲ ዝበለጸ መዳሊያ እተዝኸውን፡ ቶክዮ-ኦሎምፒክ 2020-2021 ዓ.ም. ሕውነት እቲ ዝበለጸ መዳሊያ እተዝኸውን፡ ቶክዮ-ኦሎምፒክ 2020-2021 ዓ.ም. 

ሕውነት እቲ ዝበለጸ መዳሊያ እተዝኸውን

“እቲ ዓወት ንምግላጹ ኣጸጋሚ ዝኾነ ሓጐስ ዝሓዘ እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ስዕረት እውን ዘደንቕ ነገር ኣለዎ (. . .) ገሊኡ ስዕረት ጽቡቕ ዓወታት እዩ ዝወልድ። ከመይሲ ጌጋኻ ምፍላጥ ጽምኢ ድሕነት ስለ ዘለዓዕል። እቲ ዝዕወት እንታይ ከም ዝሐፍአ ኣይፈልጥን እዩ ምበልኵ”

ቶክዮ እቲ በተ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምልኵት ዝኾነ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ንኽትነብር ትዳሎ ኣብ ዘላትሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ስፖርት ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምልስ ቢልና ንድህስስ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር “ዘሕዝን ኦሎምፒክ” ቢሎም ዝጽውዕዎ ሰባት ኣለዉ፡ ኾሮና ተህዋስ መታን ብዝለዓለ ደረጃ ከይላባዕ እቲ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ብዘይ ተዓዘብቲ ዝቐርብን ኣብ መንጐ ስፖርተይናታት እውን ምትሕቑቓፍ ፍቑድ ከምዘይኮነ ክንገር እንከሎ፡ እቶም ኣብቲ ዝካየድ ናይ ኦሎምፖክ ስፖርት ውድድር ተዓወትቲ እውን እቲ ዝወሃቦም መዳልያ ኣብ ክሳዶም ባዕላቶም እዮም ዘጥልቕዎ።

እቲ ኣብ ቶክዮ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒስ ስፖርት ውድድር ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንሓደ ዓመት ተሰጋጊሩ ከምዝጸንሔን ጃፓን በዚ ዅሉ ኵነት ምልኩት ዝኾነ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ንኽትነብር ተዳልያ ኣላ። ይዅን እምበር ኣብዚ ተሪር ጸረ ለብዒ ስጒምቲ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ዝካየድ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር፡ ነቲ ናይቲ ኦሎምፒክ ትእምርቲ ዝኾነ ሓሙሽት እተተሓሓዘ ቀለበት ዘመላኽቶ መንፈስ ሕውነትን ኣብ መንጐ ህዝብታት ዘሎ ስኒትን ስፖርት ዘለዎ ትርጒምን ዓቢይ ክብርን ብዝያዳ ንጹር ክኸውን ዝገብር እዩ። ምፍንታት ኣብ ምቕርራብ ዘሎ ዓቢይ ዋጋ ከነስተውዕሎ ይገብረና ኣሎ። እዚ ኸኣ ሎሚ ኵላትና ኣብ ሓንቲ ጀልባ እዃ እንተሎና ኣብ መንጐ ነቲ ዘይተጸበናዮ ዘጋጥመና ዘሎ ለውጢ ሳዕቤን ዘለዎ ጸገማት ኣብ እንገጥመሉ ዘሎና እዋን ዓቢይ ትርጒም ከምዘለዎ ንኸነስተውዕሎ ይሕግዘና።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስፖርት ንመንእሰያት ዘለዎ ትምህርታዊ ተኽእሎን ዕቑር ሓይልን ተሳትፎ ምግባርን ፍትሓዊ ምጽዋትን ከምኡ እውን ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ሰዓርን ተሳዓርን ናይ ምዃን ሰብኣዊ ኵነት ብቐረባ ተመክሮ ከምዝገበርዎን፡ ከምቲ ምስዓር ተዓዋቲ ምዃን ዘለዎ ክቡር ዋጋ ተሳዓርነት እውን ዘመሓላልፎ ክቡር ዋጋ ኣለዎ፡ ባዕሎም ቅዱስነቶም ምስቲ ናይ ኢጣሊያጋ ጋዜታ ደሎ ስፖርት ምስ እተሰምዐ ዕለታዊ ናይ ስፖርት ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ዓወት ንምግላጹ ኣጸጋሚ ዝኾነ ሓጐስ ዝሓዘ እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ስዕረት እውን ዘደንቕ ነገር ኣለዎ (. . .) ገሊኡ ስዕረት ጽቡቕ ዓወታት እዩ ዝወልድ። ከመይሲ ጌጋኻ ምፍላጥ ጽምኢ ድሕነት ስለ ዘለዓዕል። እቲ ዝዕወት እንታይ ከም ዝሐፍአ ኣይፈልጥን እዩ ምበልኵ” ከምዝበሉ ይዝከር። ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ንፍሉያት ስፖርተይናታት ኦሎምፖክ ተቐቢሎም ኣብ ዝለግስዎ ምዕዳን “ኣብዚ ምግምማዕን ዝተፈላለየ ዓይነት ውልትውናታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ስፖርት ሓደ ካብቲ ባህላውን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ኣካላውን ፍልልያት ዝሰግር ንሰባት ዘተሓባባርን ዘራኽብን ዘተኣኻኽብ ብሓብር ናይ ዓወትን ስዕረትን ተዋሰእቲ ንኽኾኑ ዝገብር ሓደ ካብቶም ኣድማሳዊ ቋንታት እዩ።” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ናይ ኤውሮጳ እግሪ ኵዕሶ ውድድርን ዋናጫ ኣመሪካን፡ እቶም በብተራ ኣብቲ ቅድድምን ውድድርን ኣብ ሜዳ ወይ ኣብ ናይ ስፖርት መድርኽ ዚሳተፉ ተወዳደርቲ ንኺዕወቱ ጒልበቶም ከምዘይበቁን ካብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ናይ መወዳእታ ኦሎምፒክ ንኽልእ ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ንምጽባይ ኣብ ትጽቢት ኣደልዲሉ እዩ። ብትዕግስቲ ምጽባይ ዝብል መንፈስ ክድልድል ዝገበረ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ስፖርት ዘለዎ ማሕበራዊ ዕማም ኣብሪሆም፡ ስፖርት ብፍላይ ኣብ ሞያዊ ደረጃ ምስ ካልኦት ብምንጽጻር ዝግበር ውድድር ዘሎካ ደረት ንምስጋር ዓቢይ ጻዕሪ ንኽትገብር ይድርኸካ፡ ብድኻም ታዕሊም እንታይ ሸቶታት ክትወቅዕ ከምእተደልን ዓቢይ ቆራጽነትን መስዋዕነትን ዘጠቓልል ምዃኑን ልምምድ ቆራጽነትን ጽንዓትን መስዋዕትን ይሓትት እንክብሉ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ዓ.ም. ንናይ ኢጣሊያ ናይ ውድድር ምሕባስ ባሕሪ ስፖርተይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዝገለጹ ይዝከር። እምበኣር እዚ ኣብ ቶኪዮ ዚግበር ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ውድድር ነቲ ናይ ውድድር ውጥረት ናይ ሓድነት መንፈስን ኬጣምር ተስፋ ንገብር። ደረታት ምስጋርን ተኣፋፍነት ምክፋልን፥ ሎሚ እቲ ብድሆ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኦሎምፒክ ስፖርተይና ትምኒትን ሸቶን ዝኾነ መዳልያ ወርቂ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮንስ ብሓባር ኵልኻ ናይ ሰብኣዊ ሕውነት መዳልያ ምርካብ እዩ።

21 July 2021, 08:25