ድለ

ጸሎት ንማለቱ ዝፍጸም ሥርዓት ኣይኮነን! ንኩለንትናና ትርጉም ዝህብ ሥርዓተ እስትንፋስ ሕይወትና እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ ኢየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ። ትንቢት ኣይትንዓቑ። ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሐዝዎ። ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሐቑ። ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሐሎ። እቲ ዚጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ኪገብሮ እዩ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።’ (1ተሰ 5.16-20)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ንዝጀመርናዮ መደብ ክንዛዝም ክልተ ኣስተንትኖ ተሪፈናና ኣሎዋ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ብዛዕባ ጽንዓት ጽንዓት ብጽንዓቱ ከኣ ኣብ ጸሎት ምጽናዕ ዝብል ክንምልከት ኢና። እዚ ዕደመ እዚ እኳ ደኣ ትእዛዝ ኰይኑ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝመጸና እዩ። እቲ ህቡብ ሩስያዊ ባሕታዊ ጒዕዞ መንፈሳዊ መደቡ ነዘን ክንብባ ዝሰማዕናየን ‘ከየባተኽኩም ጸልዩ። ብዅሉ ኣመስግኑ’ዝብላ ሓረጋት ቅዱስ ጳውሎስ ልቡ ምስ ተንከፎ እዩ ጀሚርዎ። ንልቢ እቲ ሰብኣይ ቃላት ቅዱስ ጳውሎስ ይወግኦ ንሱ ከኣ እዛ ከየባተኽካ ምጽላይ ትከኣልዶ ትኸውን እናበለ ይሓትት። ከመይ ሕይወትና ኣብ ብዙሕ ግዝያትን ኩነታትን ዝተገማመዔት ስለዝኾነ ወትሩ ብምሉእ ልብና ክንጽሊ ኣየኽእለናን ይብል። ሃሰሳኡ ካብዛ ሕቶ እዚኣ ይጅምር እሞ ኣብታ ጸሎት ልቢ እትብል ድርሰቱ ይበጽሕ። እዛ ጸሎት ልቢ ከኣ ‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’ ትብል ነበረት። ሰሚዕኩማዶ! እስኪ ብሓባር ንድገማ ‘‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’። ገርሀይና ሓጻር ጸሎት እያ እንተኾነ ብጣዕሚ ጥዕምቲ እያ። እዛ ጸሎት እዚኣ ቀስ ብቀስ ምስ ሥርዓት ምስትንፋስና ትወሃሃድ እሞ ንምሉእ መዓልቲ ተሰንየና። እንታይ እያ ትብል ነራ እስኪ ድገምዋ! ‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’! ዓው ኢልኩም እስኪ ድገምዋ! ‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’! እወ ክንደጋግማ ኣሎና! እዚ ኣድላዪ እዩ። ከም ሓቁ ሥርዓተ ምስትንፋስና ፈጺሙ ኣየቋርጽን እዩ ዋላ ክንድቅስ እንከሎና! ጸሎትከስ ሥርዓተ ምስትንፋስ ሕይወትና እያ።

እሞኸ ደኣ ከመይ ቢልና ኢና ወትሩ ናይ ምጽላይ ልማድ እንጠርዮ! ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓንቲ ጽብቅቲ ጥቅሲ ብዛዕባ ታሪኽ መንፈሳውነት የቅርበልና። እዛ ታሪኽ መንፈሳውነት ነዛ ከየባትኽካ ብጽንዓት ምጽላይ ሕመረት ክርስትና ስለዝኾነት ብጣዕሚ ኣድላዪት ምዃና ይገልጽ። እስኪ ንቊ.2742 ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ንመልከት፡ ኤቫግርዮ ፖንቲኮ ዝበሃል መነኮስ ዝበሎ ብምጥቃስ ይጅምር ‘ብዘይ ምቍራጽ ክንሰርሕ፣ ክንነቅሕ፣ ክንጸውም ኣይኮናን ዝተኣዘዝና”። ኣይፋሉን እዚ ትእዛዝ እዚ ኣይተዋህበናን እንተ እቲ ከየባተኽካ ምጽላይ ግን ሕጊ ሕይወትና እዩ’ ከኣ ይብል። ሕመረት ልቦናኸስ እዚ እዩ። ኣብ ሕይወት ክርስትና ፈጺሙ ክቅህም ዘይብሉ ድጉል ሓዊኸስ እዚ እዩ። እዚ ከምቲ ኣብ ጥንታዊ ቤተመቅደሳት ብቀጻሊ ንክንደድ ዝሕሎ ዝነበረ ንከየቋርጽ ከኣ ቀንዲ ውራይ ኣቅሽሽቲ ኰይኑ ዝነበረ እዩ። እነሆ እምበኣር ኣብ ውሽጢ እዚ ቅዱስ ሓዊ እዚ ክህሉ ኣለዎ። ብቀጻሊ ክቃጸል ብምንም ክጠፍእ የብሉን። እዚ ቀሊል ኣይኮነን እንተኾነ ከምኡ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ካልእ ትምህርቲ ክርስቶስ ዝጠቅሶ ትጉህ ጓሳ ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ከኣ ከምዚ ኢሉ ይሰብኽ ነበረ። ‘ኣብ መንጎ ሕዝቢ ኣብ እትጐዓዘሉ፤ ወይ ከኣ በይንኻ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ፤ ወይ ከኣ ኣብ ቤትሸቐጥ ኮፍ ኢልካ….እናዓደግካ እናሸጥካ….ምግቢ እናሰራሕካ’ውን ከይተረፈ፤ ውዕውዕ ጸሎት ምዕራግ ይከኣል` እናበለ ይሰብኽ ነበረ። ‘ኦ ጐይታ መሓረኒ’! ‘ኦ ጐይታይ ሓግዘኒ’! ዝብላ ሓጸርቲ ጸሎታት እየን። ስለዚኸስ ጸሎት ከም ሓደ እህህታ ሙዚቃ ኰይኑ ቅኒት ሕይወትና እንቃንየሉ እዩ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ምስ እንገብሮ ምንቅስቃስ ከም ዝቃወም ገርና ክንምልከቶ የብልናን። ዕለታዊ ግድነታትና ቈጸራታትናን እናፈጸምና ምስ እንገብሮ ኩሉ ተግባራትና ብጸሎት ትርጉም ይህልዎ ሰላም ይነግሶ። ጸሎትከስ እዚ እዩ።

ርግጽ እዩ! ነዚ ዕላማታት እዚ ኣብ ግብሪ ክተውዕል ቀሊል ኣይኮነን። ቈጺርካ ብዘይውዳእ ጉዳያት ዝተኸበቡ ሓደ ኣቦን ሓንቲ ኣደን ኣብዚ ሓላፍነት ከይበጽሑ ንዝነበሮ ውዕውዕ ናይ ጸሎት ግዜን ቦታን ክናፍቁን ዳግም ክረኽብዎ ቀሊል ከምዘይኮነን ክግንዘቡ ይኽእሉ። ከመይ ውሉድ ወሊዶም ሥራሕ ገፊሑ ጉዳይ ሥድራቤት በዚሑ ወለዶም እውን ሸምጊሎም ጾሮም ይኾኑ። እዚ ክግበር ዝከኣል ኣይኮነን ኢልካ ብምሕሳብ ምስ እትደግም ክትዕወት ኣይከኣልን እዩ። እሞኸ ደኣ ከመይ ይገበር እንተቢልና ኣብ ዝሃሎኻ ሃሉ እቲ ብዛዕባ መላእ ፍጥረት ዝግደስ ኣቦና ዝኾነ እግዚአብሔር ምሳና ከምዘሎን ብዛዕባ ነፍሲወከፍና ከምዝግደስን  ምሕሳብ ዓቢ ነገር እዩ። ንሱ ብዛዕባ ካብ ተገደሰ ከኣ ንሕና ወትሩ ክንዝክሮ ኣሎና።

ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ጉዳይ ኣሎ! እዚ ከኣ ኣብ ሕይወት መነኮሳት ሥራሕ ዓቢ ቦታን ክብርን ከምዝነበሮ እዚኣ ንገዛእ ርእስኻን ንካልኦትን ንምእላይ ዝግበር ሞራላዊ ግድነት ዘይኮነ ከም ሚዛን መሕለዊ ማለት ውሳጣዊ ሚዛን ንምሕላው ዝሕግዝ ብምንባሩ ጸሎትን ሥራሕን ዝብል መሪሕ ይኽተሉ ነበሩ። ኣብ ጸሎት ጥራይ ተጸሚድካ ምስ ክውንነት ርክብ ምቊራጽ ዘይከኣል ብምዃኑ ካብዚ ሓደጋ ንምድሓን ሥራህ ምስ ክውንነት ከም እንጋጠም ይገብረና። ናይ ሓደ ሽማግለ መነኮስ ኣእዳው ኩሉ ግዜ ብባደላን መዂዓትን ዝላደያ እየን። ኣብ ሉቃ 10.38 ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅድስት ማርታ ኣድላዪት ሓንቲ ጉዳይ ከምዝኾነት ንሳ ኸኣ ንእግዚአብሔር ጽን ኢልካ ምስማዕ እያ ክብላ እንከሎ ነቲ ንሳ እትህቦ ዝነበረትን ካልእ ኣገልግሎታትን ንምቊንጻብ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሥራሓ እናሠርሔት ንእግዚአብሔር ጽን ኢላ ክትሰምዕ እዩ ዝዕድማ ዝነበረ።

ኣብ ባህርይ ወዲሰብ ኩሉ ብጽምዲ ዝቆመ እዩ። ኣካልትና እንተተመልከትና መብዛሕትኡ ጽማድ እዩ። ክልተ ኣእዳው ክልተ ኣዕይንቲ ወዘተ። ሥራሕን ጸሎትን እውን ከምኡ መማልእቲ እዮም። እቲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ኩሉ ጸሎት ናይ ሥራሕ ድሕረ ባይታ ይኸውን። እዚ ብግሁድ እኳ እንተዘይኮነ ወትሩ ኣሎ። ምሉእ ብምሉእ ብሥራሕ ተጸሚድካ ንጸሎት ዝኸውን ንእሽቶ ግዜ ዘይምርካብ ሰብኣዊ ኣይኮነን።

ማዕረ ማዕረኡ ድማ ካብ መነባብሮ ሕይወት እትንጽል ጸሎት ጥዕይቲ ጸሎት ኣይኮነትን። ካብ ጭቡጥ ዕለታዊ መነባብሮ ዝንጽል ጸሎት መንፈሳውነት ጥራይ ሒዝካ ዝንበር ሥርዓት ኰይኑ ስለ ሥርዓት ኢልካ ዝግበር ይኸውን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ታቦር ክብሩ ምስ ገለጸ እዚ ሰቂለ ኅልናዊ ምጥቀት እዚ ንነዊሕ ግዜ ክቅጽል ኣይደለየን እንታይ ደኣ ብኡ ንብኡ ካብቲ ጎቦ ሒዝዎም ብምውራድ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ተመልሱ። ምኽንያቱ ከኣ እዚ ተመኲሮ እዚ ኣብ ልባቶም ከም ብርሃንን ሓይሊ እምነቶምን ጸኒዑ ክነብር እዩ። ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዝነበረ ዕለታት ከጋጥም ንዝነበሮ ማለት ሕማማቱ ከም ብርሃንን ሓይልን ከገልግሎም እውን ነበረ። በዚ ከምዚኸስ ምስ እግዚአብሔር ክንከውን ኣብ እንውስነሉ ግዝያት እታ ኣብ ጭቡጥ ዕለታዊ መነባብሮ እትሕግዘና እምነት ዳግም ሕይወት ትዘርእ።  እዛ እምነት እዚኣ ከኣ ብግዲኣ ነታ ብዘይምብታኽ ብጽንዓት እትግበር ጸሎት ትቅልብ። በዚ ኣብ መንጎ እምነትን ዕለታዊ መነባብሮን ጸሎትን ዝዝወር ዓንኬልከስ ነቲ እግዚአብሔር ካባና ዝጽበዮ ሓዊ ፍቅሪ ክርስትና ወትሩ በሪሁ ከምዝቅጽል ይገብሮ።

ነዛ ገርሀይና ቀላል ጸሎት ዝበልናያኸስ ደጋጊምና እንክንጽልያ ብጣዕሚ ጽቡቅ ክስመዓና እዩ። እስኪ ትዝክርዋ እንተዀንኩም ክርኢ ኩልና ብሓንሳብ ንድገማ ‘‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’ እንደገና ንድገማ ‘‘ወልደ እግዚአብሔር ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይ ንሓጥእ መሓረኒ’። ነዛ ጸሎት እዚኣ ብቀጻሊ ምድጋም ምስ ኢየሱስ ንእንገብሮ ሓድነት ክድግፎ እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
09 June 2021, 23:12