ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ፍቕሪ ፍልስፍናዊ ሚሳል ኣይኮነን፡ ጭቡጥን ዓለም ዝቕይርን እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ፍቕሪ ፍልስፍናዊ ሚሳል ኣይኮነን፡ ጭቡጥን ዓለም ዝቕይርን እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ፍቕሪ ፍልስፍናዊ ሚሳል ኣይኮነን፡ ጭቡጥን ዓለም ዝቕይርን እዩ

“ፍቕሪ፥ ዓሚቝ ቲዮሎጊያዊ ፍልጠት ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ከም ቅድመ ኵነት ዘንብር ኣይኰነን” እንክብሉ ፍቕሪ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ናይ ህይወት ርክብ ማለት ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም፥ ካብዚ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ ርክብ’ዚ “ዕርክነትን ሕውነትን ይውለድ፡ እዚ ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃንና ዘረጋግጽ እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ናብቲ “ምንቅስቓስ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 17” እተሰምየ ንመንፈሳዊ ሱባኤ ተኣኪቡ ንዝርከብ ማሕበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት መልእኽቲ “መበቈላውን ዜግነታውን ፍልልያትና ብዘየገድስ ሕይወት ንኽንህብ ዝተጸዋዕና ደቂ ሓደ ኣቦ” ምዃንና የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንሕና ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ፍቕሪ ንዓለምን ገዛእ ርእስናን ክንልውጥ ንኽእል፥ከመይሲ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ!”፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ናብቲ “ዮሓንስ ምዕ. 17 ምንቅስቓስ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ምንቅስቓስ ብመሰረት “ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ” (ዮሓ. 17,21) ዝብል  ጸሎት ኢየሱስ ተመስሪቱ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕርቅን ሓድነትን ክህልወን ዝዕድም ድምጺ ኰይኑ ከገልግል ዝተጸውዔ እዩ፡ እቲ ምንቅስቓስ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ብብጹዕ ኣቡነ ጃመስ ማስሳ ዝመሓደር ቅዱስ ዮሴፍ ቶቢን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት “ዝተዓረቐ ርክብ፥ ሓድሽ ፍኖት ንናይ ክርስቲያን ዕርቂ” (ዮሓ. 17,13-17) ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝተማእከለ መንፈስዊ ሱባኤ ንኸካይድ ከምእተኣከበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኵሉ ካብቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝውለድ እዩ

“ፍቕሪ፥ ዓሚቝ ቲዮሎጊያዊ ፍልጠት ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ከም ቅድመ ኵነት ዘንብር ኣይኰነን” እንክብሉ ፍቕሪ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ናይ ህይወት ርክብ ማለት ምዃኑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብሪሆም፥ ካብዚ ኣብ ፍቕሪ ዝጸንዔ ርክብ’ዚ “ዕርክነትን ሕውነትን ይውለድ፡ እዚ ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃንና ዘረጋግጽ እዩ”፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ፍቕሪ “ንዓለም ክልውጥ ይኽእል፡ ቅድም ቀዳድም ገዛእ ራስና ዝልውጥ እዩ”። ኣስዒቦም እውን ኣብ ግብረ ሓዋርያት እታ ቀዳመቲ ማሕበረ ክርስቲያን ንሓድሕዶም ዝተራኸቡ ከምዝነበሩን “ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዚፋቐሩ ርኣዩ” እናተባህሉ ብኻልኦት ዝምስከረሎም ከምዝነበረን፡ እዚ ንሓድሕዶም ብኸመይ ከምዚፋቐሩ ርኣዩ” ዝብል ብኻልኦት ዝጐልሕ ዝነበረ ምድናቕ እቲ ንናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ድርገት ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቕሊጦስ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ መላእ ዓለም ናይ ዝተመሓላለፈ መደብ ጸሎትን ዓውደ ርክብን ማእከላዊ ሓሳብ ከምዝገበሮ እውን ቅዱስነቶም ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኽነትን ውግእን እኳ እንተሎ ደቂ ሓደ ኣቦ ኢና

“ምንቅስቓስ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 17” ብዛዕባ ፍቕሪ እቶም ኣብ ሓደ መኣዲ ዝርከቡ፥ ኣሕዋት ደኣ እምበር ብሕብሪ ዜግነትን መበቈልን ሓንቲ እምነት ስለ ዝነብሩ ዘይኮነስ ደቂ ሓደ ኣቦ ኣብ ምዃኖም እዮም ዚራኸቡ”፥

“ዋላ እውን ሰደቓ ኣይሃሉ ኣብ ጠረጴዛ መግቢ ኣይሃሉ፥ ድኽነትን ውግእን እውን እተሎ ኣሕዋት ኢና ንሓድሕድና ክንዘኻኸር ኣሎና። ብዛዕባ መበቈል ዜግነት ወይ ሕብሪ ቘርበት ከይሓሰብና ውሉዳት ደቂ ሓደ ኣቦና ኢና!

ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምስቲ ምንቅስቓስ ንኽራከቡ ዝነበሮም መደብ ዘይከኣል ከምዝገበሮ ዘኪሮም፥ “ኣብ ዝሓጸረ እዋን ቅድሚ ምዝዛም እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ብኣካል ክንራኸብ ኢና”። ምሳካትኩም እብ እተራኸኩሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን ንዅሉ ዘተሓባብር ምስክርነት “ተስፋን ሓጐስን” ከስተማቕር ክኢለ እየ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍቕሪ ምእንቲ ካልኦት ሕይወት ዝህብ እዩ

ቅዱስነቶም እቲ ዝህብዎ ምዕዳን “ህይወትን ፍቕርን እናካፍፈልኩም ብሓደ ተመላለሱ” ዝብል እዩ፡ ከምቲ ሓደ ካብቶም ናይዚ ምንቅስቓስ መስራቲ ጰንጠቆስጣዊ መጋቤ  ጆ ቶሲኒ “ፍቕሪ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ ብኸመይ ከምእትፋቐር ዝምህር ግና የልቦን” ከምዝብሎ።

እቲ ስጋ ዝኾነ ፍቕሪ ሕይወት ዝሃበ ኣዩ፡ ላንጋ ላንጋ ምዃን የሎም ተፍቅር ወይ ከኣ ኣይተፍቅርን፡ ከከም ዝብል እንተታት ዘንብር ኣይኮነን፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ንፍቕሪ ምስቲ ፕላቶናዊ ፍልስፍናዊ ሚሳል ነደናግሮ፡ ፍቕሪ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ዝሃበና ንኻልኦት ሕይወት ክንህብ ዘብቅዕ ጭቡጥ እዩ፡ ፍቕሪ ብትምህርቲ መልክዕ ዝቐርብ ቀለማዊ ትምህርቲ ዘይኮነ ዝንበር እዩ፥ ስለዚህ ከምቲ ንስኻትኵም ትገብርዎ ኣብ ምንባሩ ተመሓላልፍዎ!

ቢሎም ኣብ መወዳእታ ቅዱነቶም ከምቲ ኣብ ዘካይድዎ ርክባትን ዝሓትዎ፥ እቲ ዘካይድዎ ኣገልግሎት “ቀሊል ስለ ዘይኮነ ጸሉት ኵሉ የድልየኒ እዩ እሞ ምእንታይ ጸልዩ ሓደራ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 June 2021, 15:22