ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ኣጽዋር ውግእ ንመግቢ ዝቕይር ውሳኔታት የድልየና

ነፍሲ ወከፍ ተግባር ራእይ የድልዩ እዩ፡ እዚ ራእይ እዚ ኸኣ እቲ ሰይፊ ናብ ማሕረሻታት ኲናት ከኣ ናብ ገዘሞ ክቕየር ነብዪ ኢሳያስ ዝረኣዮ ራእይ እዩ (ኢሳ. 2.4) ንምዕባለ ዅሉ ስጒምቲ ምውሳድ ናይ ዕርያ ዕዮ ምትግባር ማለት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 15 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ስሎቫኪያ ዝተኸፍተ ናይ ግሎብሰክ ናይ ብራቲስላቫ መጋባእያ  ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥ ድሕሪ ለብዒ ኮቪድ - 19 ዓለም ክንሓንጽን ነቲ ናብ ናይ ጥዕና ቅልውላው ዝደረኸ ምኽንያት ፈሊና ንምልላይ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኽ ብዘየማትእ መገዲ ክምርመር ኣለዎ ቢሎም፡ ብተስፋ ብናይ ሓባር ደረት ትርኢት ንቕድሚት ንበል እንክብሉ ምሕጽንታኦም ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ካብቲ ለብዒ ዘስዓቦ ቅልውላው ብሉጽ ኮይኑ ክወጽእ ከም ዘለዎ ዝሕብር ሰለስተ መገድታት፥ “ምስትውዓልን ፍርዲ ምሃብን ምትግባርን” እንክብሉ ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ ግሎብሰክ ብራቲስላቫ መጋባእያ መበል 17 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ክሱት መልእኽቲ ከምዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዕለት 17 ሰነ ዝዛዘም ብኣካልን ብመረብታዊ ውሕዘትን ተጋባእያን ኣሳቲፉ “ብሉጽ ዓለም ንሕነጽ”  ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑአል ማክሮን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣደ መንበር ኡርሱላ ቮን ደር ለየንን ካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ናይ ቝጠባ ጉዳያት ኣመሓደርትን ናይ ዝተፈላለየ ዓለም ሓቆፍ ውድባት ሓላፍትን ዓበይቲ ናይ ፖለቲካን ናይ ቝጠባን ኣካላት ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ፣

መኽሰብ ንምርካብ ኣብ ዘሎ ጥሜት ዝተሓንጸ ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣብ ቅልውላው ዘሎ ዓለም ምስትውዓልን ንሕሉፍ ታሪኽ ምምርማርን “ስርዓታዊ ጒድለታት” ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ “ተፈጥሮ ዝፍጸሙ ማህሰይትን” ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። በዚ ኪደት እዚ ነቲ “ኾሮና ቅድም ምምጽኡ ከይተረፈ ዘይዓየየን እቲ ቅልውላው ምስ ተኸስተ ዘጋደዶን” ኪደት ኵሉ ብምእራም ዘሕውይ መገዲ ምምላክት ከምዘድሊ እንክገልጹ፥

ስለዚ መኽሰብ ንምርካብ ኣብ ዘሎ ባህጊ ተመርኲሳ ብናይ ሕልሚ ድሕነት ስምዒት እተታለለት ዓለም እርእይ ኣለኹ፡ ብዙሓት ዘይማዕርነት፡ ስስዐን ዘንጸባርቕ ቝጠባውን ማሕበራውን ናብራ ኢየ ዝርኢ፡ ኣብኡ ከኣ ሒደት ህዝቢ ዓለም ንመብዛሕቲኡ ሃብቲ ዓለም ይውንን` መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ንሰባትን ጥሪትን ካብ ምምዝማዝ ድሕር ዘይብሉ እያቶም፡

ቢሎም፥ ኣተሓሒዞም እውን፡ ነማሓድሮ እዅል ክንክን ዘይገብረሉ ኣነባብራ ክቕጽል ይረኣይ ከምዘሎን፥ ቀጥዒ ኣልቦ ኣህላኽነትን ምብኻንን ዝብሉ ልምድታት፥”ንማሓድሮኣዊ ዕዳ” ከምዝዳረገን ብዝያዳ ነቶም ዘይወዓልዎ ንድኻታትን መጻኢ ወለዶታትን ከቢድ ዕዳ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ ማዕርነት እምበር ረቂቕ ማዕርነት ኣየድልን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅልውላው ማእከላውያን መገድታት ከምዘየለ የጒልሑ፥ ከመይሲ ነየናይ ወገን መሪጽካ ደው ክትብል ከም እትመርጽ ስለ ዘገድደካ እዩ፡ “ወይ ዝሓሸ ኴይንካ ወይ ከኣ ዝገደዳ ኴንካ ኢኻ እትወጽእ”፥ “ከም ዝነበርካዮ ኴንካ ምትራፍ ብፍጹም ዘይሕሰብን ዘይከኣልን እዩ” ቢሎም ነቲ ዝረኣናዮ ኾነ ነቲ ዘሕለፍናዮን ምፍራድ ምምሕያሽ ንኽንገብር የተባብዓና፡ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ንቕድሚት ንኽንስጒም” የብቅዓና፥

እቲ ንዅሉ ሰብ ዝጸለወ ቕልውላው ሓደ’ኳ ንበይኑን ገዛእ ርእሱን ከድሕን ዝከኣሎ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹልና እዩ፡ ነዚ ናይ ሓቂ ማዕርነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦ ናብ ዝህብ መጻኢ የአንፍተና፡

ሓባራዊ ራእይን ተስፋን

ኣብዚ ኪደት እዚ እቲ ናይ መወዳእታ ስጒምቲ “ነቲ ናይ ቅልውላው ኣጋጣሚ ዘይምብኻን እዩ”፥ ንኹሉ ዘኽብር ሰብ ማእከል ዝገብር ኣርኣያ ነቲ “ንማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ምንጻልን ምሕራግን” ዝድርኽ ዓይነት ኣካይዳ ምብዳህ ከምዘድሊ ቅዱስነቶም እከመላኽቱ፥

ነፍሲ ወከፍ ተግባር ራእይ የድልዩ እዩ፡ እዚ ራእይ እዚ ኸኣ እቲ ሰይፊ ናብ ማሕረሻታት ኲናት ከኣ ናብ ገዘሞ ክቕየር ነብዪ ኢሳያስ ዝረኣዮ ራእይ እዩ (ኢሳ. 2.4) ንምዕባለ ዅሉ ስጒምቲ ምውሳድ ናይ ዕርያ ዕዮ ምትግባር ማለት እዩ፡ ብቐዳምነት እቲ ዕርያ ድማ ንሞት ናብ ህይወት ዚቕይሮ ኣጽዋር ናብ መግቢ ንጽዋር ውግእ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብን ምህርቲ ኣጽዋር ውግእን ናብ ኣገልግሎት መግባውነት ምቕያር ዝብል ራእይ እዩ፡ እንተዀነ ግን ኵላትና ማሓድሮኣዊ ለውጢ ኽንገብር ይግብኣና፡ እቲ ሓፈሻውዊ ራእይ ንፍጥረት ከም ‘ናይ ሓባር ቤት’ ገርካ ናይ ምርኣይ ተስፋ ዘጠቓልል እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ሓባር ቤትና ንኽንከላኸል ሕጹጽ ስጒምቲ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይሕብር፥

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም፥ እቲ ኣብዚ ግዜና ዝግበር ዘሎ ምይይጥ “ዝያዳ ሓፈሻውን (ዘይጥንጥን-ጸይንጽል) ነባርን መፍትሒታት ክፈጥር ዝኽእል ኣሕዋዪ ኣርኣያ ኣብ ምፍጣር ኣበርክቶ ክህልዎ ተስፋ ዝተነብሮ ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ምስ ፍጥረትን ኣብ ዘሎ ስኑይ ህላወ እተመርኰሰ ኣርኣያ ምዕባለ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

16 June 2021, 20:28