ድለ

2021.06.24 ብሮኣኮ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ንዝርከባ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝሕግዝ ሕብረት 2021.06.24 ብሮኣኮ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ንዝርከባ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝሕግዝ ሕብረት 

ኣብ ቅድስት መሬት ቅድሚ መናድቅ ምህናጽ ንደቂሰባት ንህነጽ! ር.ሊ.ጳ

ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ንዝርከባ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝሕግዝ ብሮኣኮ ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ሕብረት ንመበል 94 ግዜ ኣብ ቫቲካን ተጋቢኡ ኣኼባኡ ምስ ኣቃንዔ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ተራኺቡ። ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን፡ ንዘሎን መጻእን ሃገራት ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ዝሕምስ ዘሎ ስቃይን ግጭታትን ብምዝካር ቀንዲ ሓገዞምን ኣተኲሮኦም ኣብ ህንጸት ደቂሰባት ክኸውን ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሰፊሕ ቃለ ማዕዳ ኩነታት ናይተን እዚ ሕብረት እዚ ዝሕግዘን ሃገራት ብጣዕሚ ዘሻቅል ምዃኑ ነተን ሃገራት በብሓደ ብምጥቃስ ጀሚሮም። ብቀዳምነት ዝዘከርዋ ሃገር ኢራቅ ኰይና ነቲ ከም ተኣምር ዝቈጽርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሖም ብምዝካርን ነዚ ከኣ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ሃረር ዝብልዎ ዝነበሩ ኰይኑ ቀንዲ ዕላማኦም ብኣካል ኣብ መንጎ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣደዳ ውግእን ግፍዕን ዓመጽን ዝኾነ ፍቁር ሕዝቢ ዝበልዎ ሕዝቢ ኢራቅ ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ብዓይኖም ክርእይዎን ነቲ ወትሩ ብጸሎቶም ዝምህለልዎን ብቃሎም ዘስምዕዎን ዝነበሩ ኣባታዊ ፍቅሪ ንምግላጽን ንምጽንናዖምን ከምዝነበረ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ካብ ዕለት 5 ክሳብ 8 2021 ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ዘኪሮም። ቀጺሎም ዝዘከርዋ ሃገር ኣብ ጽጉም ኩነታት እትርከብ ሃገርና ሃገረ ኤርትራ ኰይኑ ነታ ኣብ ዓቢ ቅልውላው እትርከብን ኣብዚ ዝተገብረ ጉባኤ ማእከላይ ቦታ ሒዛ ዝነበረት ሃገረ ሊባኖስን ዘኪሮም።

እቲ ቀዳማይ ፍታሕ ካብ ጐይታ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ስለ እዘን ሃገራት እዚኤን ብቀንዱ ክንገብሮ ዘሎና ጸሎት ምዃኑ ብምዝኽኻር ዝመጽእ ዕለት ሓደ ሓምለ 2021 ዓም ስለ እተን ኣብዘን ሃገራት ዝርከባን ብዙሕ ኣደራዕ ዘጋጥመንን ኣብያተ ክርስትያን ክጽሊ እዚ እተን ብሃገራት ጽሕዲ ዝፍለጣ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ኣብያተ ክርስትያን ሓለፍቲ ዝመርሕዎ ጸሎት ኰይኑ ናይ ኩልና ሱታፌ ክህልዎ ተማሕጺኖም።

ኣብ ትንተና እዘን ዝሳቀያ ሃገራት ብቀንዱ እታ ጐይታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ድሕሪ ብርቱዕ ሕማማት መይቱ ካብ ሞት ዝተንሳኣላን ብቅድስት መሬት እትፍለጥ ንሃገራት እስራኤልን ፍልስጠኤምን እተጠቃልል ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሕዋት ዝኾኑ እስራኤላውያንን ፍልስጠኤማውያንን ወትሩ እናጐሃረ ዝኸይድ ጽልእን ግጭትን ንክእለ እስኪ ሃረር ንበል ንሕለም ብዘስምዕ ቃና ‘እስኪ እታ ካብ እግዚአብሔር ከም ኪዳን ሰላም ንኖህ ዝተዋህበት ቅናት ኣደይ ማርያም ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ዕርቂ ጌራ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ሰላም ክተንግሥ እስከ ንሕለም!’ ብማለት ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። እዚ ሃረርታ እዚ ክንዮ ዝኾነ ሰብኣዊ ተግባርን ኣተሓሳስባን ምዃኑ ከኣ በቲ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰማያት እስራኤልን ፍልስጠኤምን ዝረኤ ማለት ከክንዲ ቅናት ኣደይ ማርያም ሓዊ ዝተፍኣን ዕንወት ዘስዕባን ነፈርትን ሮኬታትን ከምዝተወንጨፎ እውን ብምረት ኣዘኻኺሮም። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ትሪ ልቢ ስለዝኾነ ከምቲ ነቢይ ዝበሎ ሕያው ኣእማን ዝሓዘ ልቢ ክንውንን ሓደራ ኢሎም።

ኣብ ልብና ሕያው ኣእማን ይሃልወና!

ቅዱስነቶም ዝርዝር ጸገማት ነፍሲወከፍ በዚ ሕብረት ዝሕገዛ ሃገራት ብምቅጻል እቲ ዳርጋ ሰማዒ ስኢኑ ዘሎ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ካብ ብዙሕ ኣደራዕ ዝስከም ዘሎ ሕዝቢ ሶርያ ዝስማዕ ኣውያትን ገዓርን ምልስ ይብሉ እሞ፡ ሽሕ`ኳ ደቂሰባት ልባትና ከም ኣእማን ኣትሪርና ክንሰምዖ እንተሰይከኣልና ‘ግዓር ሶርያ ኣብ ልቢ ኣምላኽ የእዊ ኣሎ’ ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ እንተኾነ እዚ ንሰማየ ሰማያት ሰንጢቁ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዝበጽሔ ኣውያት ሶርያውያን ነቶም ንኩነታት ሶርያ ኣብ ኢዶም ጨቢጦም ዘለው ደቂሰባት ልቦት ክትንክፍ ኣይከኣለን። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ክንዲ ሠናይ ነገር ግጭትን ዓመጽን ኰይኑ ንዓሠርተ ዓመት ምስ መመላእታ እናተተኻኽኤ ዝረኤ ናይ ሚልያናት ስደትን ምፍንቃልን ግዳያትን ኰይኑ እቲ ዝገደደ ከኣ ንዳግመ ሕንጸትን ሰላምን ዘድሊ ነገራት ንቅድሚት ንከይስጉም ትብዓት ዘለዎ ውሳኔ ብምስኣንን ንሠናይ ናይታ ሃገር ሸለል ብምባልን ስቃይ እታ ሃገር ምንዋሑ ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ኢሎም።

እዚ ሕብረት እዚ ዝሕግዘን ሃገራት ዳርጋ ብኣልማማ ክትብሎ ዘድፍር ስደትን ስቃይን ጭንቅን ሕዝቢ ምናዳ ናይቲ ረዳኢ ዘይብሉ ድኻ ወገን ካብ ሓድሕድ ዝገድድ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዝዘከርወን ሃገራት ኢትዮጵያ ኣርመንያን ጆርጅያን እየን። ካብ ንውሕ ዝበለ እዋን እዚ ሕብረት እዚ ኣብያተክርስትያናትን ኣብያተ ትምህርትን ዳግም ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ብዙሕ ሓገዝ ኣበርኪቱ እዩ። እንተኾነ ቅዱስነቶም እዚ ህንጸት መናድቅ ኣድላዪ እኳ እንተኾነ ሎሚ ከም ሎሚ ግን ክንዮ መናድቅ ናብ ሰባት ንከተኰሩ ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሰቡ።

“ሓንሳእ ሓንሳ ብግዲ ህንጻታትን ካተድራላትን ነተን ብውግእ ዝዓነዋ ወሲኽካ ምህናስ ግዲ ኰይኑ ይረኤ እንተኾነ ነታ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕያዋን ኣእማን ኩኑ ዝበላ ነተን ቈሲለንን ፋሕፋሕ ኢለንን ዘለዋ ኣልባብ ደቂሰባት ከም ሕያው ኣእማን ምህናጽ የድሊ ኢሎም።”

መልእኽቲ ፍራተሊ ቱቲ!

ኣብ ፍጻሜ ቃለ ማዕዳኦም ቅዱስነቶም ንተጋባእቲ ዘዘኻኸርዎ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን እዚኣ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ዝሰዓበ ቅልውላው ኣብኡ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ነታ ጐረቤታ ዝኾነት ኤርትራ እውን ዝልክም ንዘሎ ኣብ ግምት እንተኣእቲና ክንዮ ፍልልይ እምነትን ውድብን እቲ ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና ኣብ እትብል ሓዋርያቲ መልእኽቲ ዝቀረበ ሓሳብ ነቲ ኣብ መንጎ ዓሌታትን ዘሎ ወጥርን ንኣኡ ስዒቡ ዝመጽእ ናይ ሥልጣን ምቅድዳምን ፍታሕ ከምጽእ ከምዝኽእል ገሊጾም። ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ሠናይ ምልክት እቲ ብ2016 ዓም ኣብታ በዚ ሕብረት እዚ ካብ ዝድገፋ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሃገረ አርመንያ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ምስ ካቶሊኮስ ካረኪን ካልኣይ ብሓንሳብ ኮይኖም ከም ምልክትን ምንዮትን ሰላም ኣብ ምሉእ ዞባ ካውካሶ ብሓንሳብ ንሰማይ ዝሰደድወን ጻዓዱ ረጋቢት ሰሚሩስ ድሮ ኣብ ዳግማይ ህንጸት ኣትያስ እዚ ሕብረት ንዘበርክቶ ዘሎ ዓቢ ደገፍ ማለት ኣብ ጆርጅያን ኣርመንያን ዝርከባ ካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን ምልክትን መባዂዕትን ስብከተ ወንጌል ንምዃን እትድግፍዎ ኣመስግን ኢሎም።

ቃለ ምስግና ቅዱስነቶም!

ኣብ ምዝዛም ማዕዳኦም ቅዱስነቶም እዚ ሕብረት እዚ ሓዪሉ ንዘድሊ ደገፍ ኩሉ ንከበርክት ብድሕሪት ኰይኖም ከይተሓለሉ ደገፎም ንዝበርክቱ ግለሰባትስ ይኹን ተቅዋማት ልባዊ ምስጋና ኣቅሪቦም። እዞም ሰባት እዚኦም ብሓቂ ንገዓር ናይዞም ዝሳቀዩ ዘለው ሰባት ሰሚዖም ንቊስልታቶም ክዝንኑ ዝገብርዎ ደገፍ ምዃኑ እውን ዘኪሮም።

“ብኣኻትኩም በዞም ተሳተፍቲ ጉባኤ ገቢረ ምስጋናይ ናብቶም ንኩሉ መደባትኩም ዝድግፉ ሰባት እሰድድ። እዞም ንመደባትኩም ክውን ዝገብሩ ብዙሕ ግዜ ገርሀይናታት ምእመናን ስድራቤታት ቊምስናታት ወለተኛታት ወዘተ እዮም። ኩልና ኣሕዋት ምዃና ብምፍላጥ ከኣ ካብ ግዜኦምስ ይኹን ካብ ገንዘቦም ነዚ ቅዱስ ዓላማ ደስ ኢልዎም የበርክቱ። ብ2020 ዓም ንቅድስት መሬት ኣብ ዝተገብረ ወፈያ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ፍርቂ ዝኸውን ከምዝተኣከበ ኣመልኪቶምለይ። እዚ ከኣ ንዘሎናዮ ኩነታት ቁጠባ ምናዳ ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ቅልውላው ኣብ ግምት ኣእቲኻ ኣኽል ታርፍ እዩ። እዚ ጸገማት እዚ በቲ ሓደ ወገን እንጸገምና በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሱቊ ኢልና ኢድና ኣጣሚርና ክንምልከት ከምዘይብልና እዩ ዘዘኻኽረና። ከምብሓዲስ ነዚ ሠናይ ተግባር እዚ ንዝግበር ደገፍ ክትቅጽሉ ጻውዒተይ እደግም ብማለት ምስጋናኦምን ምሕጽንታኦምን ገለጹ።”

 

 

25 June 2021, 13:34